2017-03-25 18:58:00

ሰንበት ዘገብር ኄር (ጾም ፵) መጋቢት 16 2009 ዓ.ም (3/26/2017)


ንባባት፡ኤፈ 5፡8-14፥ 1ጴጥ 2፡11-19፥ ግ.ሓ.16፡17-19፥ ዮሓ 9፡1-41 ስብከት፡“ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ፥ ወሕግከኒ በማከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቀከ     በማሕበር ዐቢይ”። “አምላኽይ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፥ሕግኻ እውን አብ    ውሽጢ ልበይ እዩ፥ጽድቅኻ አብ ጉባኤ አብሰርኩ” መዝ. 40፡8።

ሰንበት ዘገብር ኄር አብ ቅድሚ አምላኽ እሙናት ኮና ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ ክነፍርየሉ ከምኡ በቲ ዝተዋህበና ጸጋ ንአምላኽን ሰብን ክነገልግል ከም ዘሎና ዘዘኻኽር እዩ። መጠን አብ ሶሙን ሕማማት ዝቐረብናሉ መጠኑ ምቅርራብና ብዝያዳ ክነስተውዕለሉ ዝሓትት እዋን እዩ። ዓቢ ውራይ ይአትወና አሎ ሕይወትና ከመሎ? ንመገዲ ጽድቂ ተተሓሒዝናዮ ዘሎና? ጾምና ከመሎ? ብዝተዋህበና ጸጋ ከም ዝድለ ነፍሪ ዘሎና? ምስ ሓውናን ሓፍትናን ዘሎና ርክብ ከመሎ እናበልና እዝን ካልእን ክንሓትት ይግብአና። ጾምና አብ ምውዳእ ገጹ ስለ ዝኸይድ ዘሎ ምስጢረ ትንሣኤ ከነብዕል ንቀራረብ አሎና። ብኻልእ አዘራርባ ካብ ዞና ስቓይ ናብ ዞና ክብርን ሰላምን ንአቱ አሎና። ናይ ሎሚ ንባባትና ብሩህ ተስፋ እናሃቡ ብሩህ መጻኢ ከም ዝጽበየና ዘሎ ይገልጹልና።

አብ ዝሓለፈ ሰንበት ብዛዕብ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኢየሱስ ማይ አስትይኒ ዝበላ አስተንቲና። ማይ ከም መበገሲ አስተንትኖና ገርና መንፈሳዊ ጽምኢ ንሰባት ካብ አምላኽ ከም ዝፈልዮም፥ ጽምእና ክረዊ ካብቲ ማይ ሕይወት ዝኾነ ክርስቶስ ክንሰቲ ከም ዝግባእ ርኢና። አብ ናይ ሎሚ ሰንበት ከአ ብርሃንን ምርአይን ሓደ ዓይነት ሓጎስ አብ ሕይወትና ዝፈጥሩ ክነስተንትን ኢና። ንባባትና ካብቲ ዝነገር ንላዕሊ ዕምቆት ዘልኦም እዮም። ቀንዲ ሕመረት ንባባትና አምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ወዱን ባእሉን ንኹሉ ሓዲስ ከም ዝገብር እዩ። ደቂ ብርሃን አብቲ ግርማና ዝኾነ ክርስቶስ ዝተጠመቕና ስለ ዝኾና አብ ሕይወቱ ዝተዓተብና ኢና።

አብ መጽሓፍ ሳሙኤል 16፡1-13 ዘሎ እንተ ርአና ነብይ ሳሙኤል ብአምላኽ አብ ቤተልሄም አብ ቤት እሰይ ከይዱ ንሳውል ንጉሥ ዝትክእ ክቐብእ ተላኢኹ፥ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከአ ሳውል አብ አምላኽ እምነት ስለ ዝጉደለ አምላኽ ሓዲግዎ። ንዳዊት ክመርጾ እንከሎ ካብ አሕዋቱ ዝነአሰ እሞ ቆልዓ እንከሎ ብአምላኽ ተሓርዩ እዚ ኸአ አምላኽ ንዝኾነ ሰብ ከመይ ገሩ ንፍሉይ ጸዋዕታ ከም ዝሓሪ ይገልጽልና፥ እግዚአብሔር ክሓሪ እንከሎ ንሕና ክንርእዮ ዘይንኽእል ንሱ ዝርእዮ አለዎ እዚ ኸአ መንፈሳዊ ዑረትና እዩ ዝገልጽ። መለኮታዊ ፍልጠት ንነፍሲ ይደሊ እዚ ኸአ ንኹሉ ናይ አእምሮ ሓሳባት ብምፍላጥ ነቶም ከም ደቂ ብርሃን ክነብሩ ዝኽእሉ ይፈልጦም። አምላኽ ንሳሙኤል ኲኖ ግዳማዊ መልእክዕ ከም ዝርኢ ነጊርዎ እዩ። ብግዳማዊ አረአእያ ክርአ እንከሎ ዳዊት ካብ ኩሎም አሕዋቱ ንምርጫ ንግስነት አብ መጨረሻ እዩ ዝስራዕ። ወላ አብኡ/ወላዲኡ እውን ከም ሕሩይ ንምርጫ አምላኽ ከቕርቦ አይከአለን። እንተ ኾነ አምላኽ አብ ልቢ እዩ ዝርኢ ንነብይ ሳሙኤል ንዳዊት ክቀብኦ ይነግሮ። እዚ እዩ እቲ መንፈስ አምላኽ አብኡ ዝዓለቦ ቅብአዮ እዚ እዩ እቲ አነ ዝደልዮ እናበለ ይነግሮ። ቅብአት ዘመልክቶ ሕርየት ዳዊት ከምኡ ነቲ ዝተዋእህቦ ተልእኮ ተቐቢኡ ንህዝቢ አምላኽ ክጓሲ። ብዙሓት አብ ዳዊት ዝነበረ ክእለትን ጸጋን ክርእይዎ አይክአሉን፥ እዚ ኸአ አምሳል ናይ እቲ ኃጢአት ከመይ ገሩ ብዝተፈላለየ መገዲ ንድላይ አምላኽ፥ ንአናን ንዓለምን ከም ዘዕውረና እዩ ዝነግረና።

ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ዮሓ 9፡1-41 ብዛዕባ ሓደ ብዕዉሩ ዝተወልደ እሞ ኢየሱስ ዘሕወዮ ኢና አንቢብና። ትሕዝቶ ንባብና እምብአር ብሳላ ኢየሱስ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝተቐየረ እዩ ዝነግረና። ቅ. ዮሓንስ ብዙሕ ጊዜ አብ ወንጌሉ ከዘንትወልና እንከሎ ብሰንኪ እቲ ዝተገብረ ዘገርምን ዘሓጉስን ተአምራት ሰባት ብአንጻሩ አንጽር ዝኾነ ነገር ክፍሕሱን ክንጽጉን እንከለዉ ይነግረና። አብዚ ተአምራት ልክዕ አብ ክንዲ ብዕዉሩ ዝተወለድ ክርኢ ክኢሉ ኢሎም ዝሕጎሱ መራሕቲ ሃይማኖት፥ ጎረባብቲ ከምኡ ወለዱ እውን ነዚ ዝተገብረ ጽቡቕ ነገር ክነጽግዎን ንሰባት ከከላብቱን ንዝርአይዎ ከይምስክሩ ክፈርሑ ንርኢ። ጉዳዩ ንጹርን ዘሓጉስን እንከሎ ብአንጻሩ ምኻድ ዳርጋ አብ ሕይወትና እውን ተደጋጊሙ ዝገጥመና እዩ። እዚ ድኻ ለማናይ አብ ክንዲ እንቃዕ ዓይንኻ ከፈተልካ ዝብልዎ ካብ ማሕበር ተሰጒጉ፥ ኢየሱስ ግን አይ ሓደጎን ጌና አብዘለዎ ይመጽኦ እሞ ንሱ መን ምዃኑ ይገልጸሉ ዝዓበየ ጸጋ ዓዲልዎ ማለት እቲ ዝጽበይዎ መሲሕ ንሱ ምዃኑ ገሊጽሉ በዚ ኸአ አሚኑ። ነቶም እናረአዩ ከምዘይርእዩ ዝኾኑ ግን ገኒሕዎም። አብዚ ንሓቂ ከይንክሕድ ክንምስክር እንከሎና አብ እምነት መሰረት ገርና ክንምስክር ከም ዘሎና ይገልጸልና። ዓለም ሎሚ ንሓቂ ዘጥፍኡ ንዓመጽን ሓሶትን ሆ ዝብሃልለሉ እዋን ኢና ዘሎና ስለዚ ክንስሓሉ እሞ አብ እምላኽ ክንምለስ እንሕተተሉ እዋን ኢና ዘሎና።

ወንጌል እቲ ሰብአይ ካብ ዝውለድ ጀሚሩ ዕዉር ከም ዝነበረ ጸቒጡ ይዛረበሉ ናይ እዚ ቀንዲ ምኽንያት ከአ ኢየሱስ ነዚ ተአምራት ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ እምበር ብዘይ ዝኾነ ግብሪ ከም ዘይገበሮ ንምግላጽ እዩ። አምላኽ አብ ሕይወትና ሓንቲ ከይገበርናሉ ብዙሕ ጸጋታት ይዕድልና። ጸጋ አምላኽ ብነጻ እዩ ዝውሃበና ብግብርና አይ ኮነን ስለዚ ብነጻ ዝተወሃብናዮ ብነጻ ክነገልግለሉ ይግብአና። እዚ ዕዉር እዚ ሓዲስ ነግር አብ ሕይወቱ ረኹብዎ ዘሎ ብሳላ ዓለቱ ወይ ጽቡቕ ነገር ካብ ሕጊ ሙሴ ስለ ዝገበረ አይኮነን፥ ምስ ኢየሱስ ምስ ተራኸበ ብዘይ ሓደ ግብሪ ብነጻ ዝተዋህቦ እዩ። ንኢየሱስ ከምልኽ ምስ ጀመረ ከም ምንጪ ምርአዩ ጥራሕ ዘይኮነ ብዝያዳ እቲ ቀንዲ ነገር ከም ምንጪ ናይ ኩሉ ሓዲስ መገዲ ሕላዌ ከም ዝኾነ ክርኢ ጀሚሩ። አብዚ ክንርድኦ ዘሎና ኢየሱስ ነዚ ዕዉር ብዓይኑ ከም ዝርኢ ጥራሕ አይ ኮነን ገርዎ ሓዲስ ርእየት እዩ ዝህቦ ዘሎ። ቅድሚ ሕጂ ርእይዎ ንዘይፈልጥ ከም ዝርኢ ገርዎ።

አብ ሕይወትና አምላኽ ዝርእዮ ፍሉይ ነገር አሎ፥ ነዚ ብዕዉሩ ዝተወልደ ክንርኢ ከሎና ኢየሱስ እዩ ነቲ ነገር ዝጅምሮ እዚ ኸአ ብዙሕ ብዛዕብኡ ክንርኢ ይሕግዘና፥ ብመገዲ ክሓልፍ እንከሎ ኢየሱስ ርእይዎ አብቲ ዘለዎ መጺእዎ፥ ንአና እውን አብ ዘዘሎናዮ ሕይወት ክቕይረና ክሕድሰና ከርእየና ይመጸና። ኢየሱስ ንሓደ ክርእዮ/ክመጽኦ እንከሎ አብኡ ናይ እምነት ተኽእሎ ከም ዘሎ ከም ዝርአየ እዩ ዝገልጽ። እዚ ዕዉር ከሕውዮ አይሓተተን ኢየሱስ እዩ ባዕሉ ፍቓደኛ ኮይኑ። በቲ ኩነታት እቲ ሰብአይ ተላዒሉ ነዚ ዓቢ ትምህርቲ ዘልኦ ተአምራት ክገብር ደልዩ።

ቅ. ዮሓንስ ነዚ ታሪኽ ክነግር እንከሎ ኢየሱስ ብርሃና ከም ዝኾነ ክነግረና ስለ ዝደለ እዩ። አብቲ ዝተገብረ ተአምራት ብዙሕ አትኩሮ አይገብረሉን። ግን እቲ ዕዉር ክርኢ ምስ ከአለ ኩሉ አብ ዙርያኡ ዘሎ ነገር ክርኢ ከም ዝጀመረ፥ ኢየሱስ ጎይትኡ ከም ዝኾነ እውን ክርኢ ከም ጀሚረ፥  መራሕቲ ሃይማኖት ክርእይዎ ዘይክአሉ እዚ ማንም ዕዉር ዝነበረ ክርእዮ ጀሚሩ ይብለና።

ቅ. ዮሓስን ታሪኹ ፍሉይ መልእኽቲ ከምዘለዎ ክገልጸልና ኢሉ ኢየሱስን ሓዋርያቱን ብመገዲ ይጉዓዙ ከም ዝነበሩ እሞ ሓውርያት ነቲ ዕዉር ምስ ረአዩ እዚስ ብሰንኪ መን እዩ ብዕዉሩ ዝተወልደ፥ ብሰንኪ ኃጢአት ወለዱ ድዩ ወይስ ብሰንኪናቱ እናበሉ ሓቲቶሞ ይብለና። አብ ጊዜ ኢየሱስ ምኽንያት ሕዱር ሕማም ወይ መልመስቲ ወይ ዑረት ዓይኒ ምስ ኃጢአት አዛሚድካ ምርአይ ዝውቱር እዩ ነሩ፥ ስለዚ ውሉድ ወለዱ ብዝገበርዎ ሳዕቤኑ ይወርዶ ዝብል እምነት ነርዎም። ኢየሱስ ግን ሕጽር ብዝበለ ክምልስ እንከሎ እንከሎ እቲ ሰብ ብሰንኪ ኃጢአት አይ ኮነን ብዕዉሩ ተወሊዱ እንታይ ድአ ክብሪ አምላኽ አብኡ መታን ክርአ እዩ ኢልዎም።

ኢየሱስ ብጥፍጣፉ ጸብሪ ገሩ ነቲ ዕዉር አብ ዓይኑ ምስ ለኸዮ ክርኢ ጀሚሩ። ነዚ ዝርአዩ ዝተፈላለየ ርኢቶ ክህቡ ጀሚሮም፡

 ፩ያ ጎረባብቲ፡ መንነት እቲ ዝሓወየ ክሓቱ ጀሚሮም ገሊኦም እቲ ንሶም ዝፈልጥዎ ዕዉር እንተ ኾነ ክሓቱ ጀሚሮም። ገለ ኸአ ንእኡ ዝመስል እዩ በሉ። እቲ ሰበአይ ወላ አነ እየ እንተ በለ ነቲ በዒንቶም ዝርእይዎ ዘለዉ ተአምር ዝኾነ ስራሕ አምላኽ ክነጽግዎ ተረኺቦም።

፪ይ ፈሪሳውያን፡ ጎረባብቱ ነገሩ ገሪምዎም አብ ፈሪሳውያን ወሲዶሞ። ከመይ ኢሉ ከም ዝሓወየ ሓቲቶሞ ንኹሉ ነጊርዎም እንተ ኾነ እቲ ኩሉ ብምዓልቲ ሰንበት ስለ ዝተገብረ እሞ ብሰንበት ሓንቲ ከይግበር ክልኩል ስለ ዝነበረ በዚ ምኽንያት እዚ ሰብ ዕዉር አይ ነበረን ስለዚ ሓንቲ ዝተገብረ የለን እናበሉ ደምዲሞም። እቲ ዝገርም እቶም ፈሪሳውያን ኲኖ ሕጊ ንዘሎ ነገራት ክርእዩ ዘይምኽአሎም እዩ። አብ መደምደምታ ዘብጽሖም ኢየሱስ ሰንበት ስለ ዘየኽብር አምላኽ ክኸውን አይክእልን እዩ፥ እኳድአ ኃጢአተኛ እዩ በሉ። አብዚ ዘብጽሖም አቐዲሙ ዝነበሮም ጽልዋን ፍርድን ከምኡ ኲንኡ ክርእዩ ስለ ዘይከአሉ እዮም።

፫ይ ወለዲ እቲ ዕዉር፡ ፈሪሳውያን እዚ ብዕዉሩ ዝተወልደ እሞ ዝሓወየ መንነቱ ከረጋግጹ ንወለዱ ሓቲቶሞም። ወለዲ ወዶም ዕዉር ከም ዝተወልደ ግን ከመይ ኢሉ ከም ዝሓወየ ከም ዘይፈልጡ፥ ቀጺሎም ሕተትዎ ንሱ በጽሒ እዩ ባዕሉ ክምልስ ይኽእል እዩ ኢሎሞም። እዚ ዝበሉ ኸአ ዝኾነ ሰብ ነዚ ሰብአይ ከም መስሕ ዝፈለጦ/ዝአመኖ ካብ ቤተ መቕደስ ከም ዝስጎግ ፈሪሳውያን አፍሊጦም ስለ ነበሩ እዩ። 

አብ መወዳእታ ኢየሱስ ነቲ ዕዉር ናብ ወፃኢ ከም ዘውፅእዎ ምስ ሰምዐ ረኸቦ ምኽንያቱ ጌና ብዛዕባ ኢየሱስ አጸቢቑ ክፈልጥ ከም ዝደሊ ምስ ፈለጠ ንሱ መን ምዃኑ ገሊጸሉ ሽዑ እቲ ዕዉር ከአ ብምልኡ እምነት ከምቲ ዝግባእ የኽብሮን የምልኾን። ዓይኒ ስውር ዝነበረ እምነቱ አብ ኢየሱስ ከም ክርስቶስ አነጺሩ ጎይታይ እአምን ይብል። ንሱ አብቲ ሓቀኛ ምርአይ እምነት አብ ጎይታ ሕይወት አትዩ። እዚ ሰብ ግዙፍ ዓይኑ ጥራሕ አይ ኮነን ተኸፊትሉ ናይ እምነት ዓይኑ እውን ተኸፊትሉ እዩ። ካብ ሕጂ ንድሓር ከምቲ ቃሉ ዘስምዖ ዕዉር ተወሊደ ሕጂ ግን እርኢ አሎኹ ክብል ይኽእል። አብዚ ታሪኽ እንርምሃሮ እዚ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብ ካብ አካላዊ ዕውሮቱ ሓውዩ ናብ መንፈሳዊ ርእየት በጺሑ፥ ካብ ጽለማት ናብ ብርሃን አትዩ፥ እዚ ኹሉ ኸአ ሳላ ኢየሱስ እዩ ኮይንሉ።

አብዚ ብሩኽ ጊዜ ጾም አርብዓ ንሕና እውን ዝተፈላለየ ዑረት ጎልቢብና ክህሉ ይኽእል እዩ፥ እሞ ካብኡ ክንወጽእ አብቲ ዓዳል ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ብምስጢረ ንስሓ አቢልና ንቕረቦ። ሕልናና ንሓቅን ንፍቕርን ርእዩ ክኽእል ጸጋ ክርስቶስ የድልየና እዩ እሞ አብ ክርስቶስ ቀሪብና ጎይታይ ክርኢ እደሊ አሎኹ ንበሎ።

አብዚ ታሪኽ እዚ ብዕዉሩ ዝተወልደ አጥብቕ አቢልና ክንርኢ እንተ ኸኣልና ንሱ ቀስ ብቐስ እዩ ካብ ጨሪሹ ዕዉር አብ ጸልማት ዝነብር ናብ ብርሃን ዝወጽአ። አምሳል ናይ ሓደ ዘይአምን ዝነበረ ግን ንክርስቶስ ክርኢ ዝኸአለ እሞ ዝአመነ እዩ። እዚ ሰብ አብ መጀመርያ ዕዉር አብ ጸልማት እዩ ዝነብር ነሩ አብ መጨረሻ ግን አብ ብርሃን ግዙፋዊ ራእይ ጥራሕ ዘይ ኮነ ዝዓመቖ ርእየት ኢየሱስ እቲ ብርሃን ዓለም ከም ዝኾነ ክርኢ አኽኢልዎ። አብ ቅድሚ ጎረባብቱ እቲ ዘሕወዮ ሰብአ ኢየሱስ ዝብሃል ከምዝኾነ ገሊጹ ኩሉ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝፈልጦ ነጊርዎም። ፈሪሳውያን ነዚ ዘሕወየካ መን እዩ ትብሎ ምስ በልዎ ነብይ እዩ ኢልዎም። አብ መጨረሻ ኢየሱስ ጎይታይ (ንአግዚአብሔር ጥራሕ ዝብሃል) ከም ዝኾነ የረጋግጽ። እዚ ኹሉ መልእኽቲ አልኦ ንሕና ከም ደቂ ብርሃን አብዚ ጊዜ ጾም ክንጉዓዞን ክንኮኖን ዘሎና ዝነግር እዩ።

እዚ ክውልደ እንከሎ ብዕዉሩ ዝተወልደ ዝብል ታሪኽ አምሳል እቲ ኩልና ሰባት ክንውለድ እንከሎና ዝወረስናዮ ናይ አቦና አዳም ኃጢአት እዩ ዘመልክት። እዚ ዕዉር ብዘይ ዝኾነ ናይ ባዕሉ ኃጢአት ብዕዉሩ አብ ጸልማት ኃጢአት አብ ዝመልኦ ዓለም ተወሊዱ ንሕና እውን ከምኡ አብ ኃጢአት አቦና አዳም ተወሊድና። ካብቲ ዝወረስናዮ ኃጢአት ክነጽሕ ክርስቶስ የድልየና። ቅ. ዮሓንስ ርድኢትና ዕምቆት ዘልኦ ክኸውን ኢሉ እቶም ናይ ብሓቂ ዕዉራት ዝብሃሉ ብትዕቢቶምን ድርቅናኦም ንኢየሱስ ነቲ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ምቕባል ዝአብዩ ምዃኖም ይገልጽ። ኃጢአት አዳም መበቆል ኩሉ ክኸውን እንከሎ ግላውን ማሕበራውን ባዕልና እንውስኾ እውን አሎ እዩ። ሓባራዊ ኃጢአት ሓደ ከም ናይ አቦና አዳም ኃጢአት አይኮነን ግን ካብኡ እዩ ዝፍልፍል፥ ኩሉ ሰብ ብምርጭኡ ካብ ብርሃን ክርሕቕ ዝመረጾ እዩ። ክንርኢ ክንሓዊ ውልቀ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነ ኩሉ ዓለምና ካብ ኃጢአት ክነጽሕ እሞ ነቲ ብርሃና ዝኾነ ክርስቶስ ርእዩ ክኽእል ጸጋ ክርእቶስ ናይ እቲ ሓኪምና ዝኾነ የድልየና።

ቅ. ጳውሎስ አብ ቀዳመይቲ ንባብና ናብ ሰብ ኤፈሶን ዝጸሓፋ ቀደም አብ ጸልማት ኔርኩም ኢኹም ሕጂ ግና ብጎይታ አብ ብርሃን ኢኹም ዘሎኹም፥ እምብአር ከም ደቂ ብርሃን ኮንኩም ንበሩ (ኤፍ 5፡8) ይብለና። ቅ. ጳውሎስ ነዚ ክብል እንከሎ ቅድሚ ጸጋ ጥምቀት ዝነበረ ጸልማትን ድሕሪ ጥምቀት እንቕበሎ ብርሃን ክገልጽ ኢሉ እዩ። ከምቲ ንሰብአ ኤፈሶን ዝበሎ ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና ቅድም አብ ጸልማት ትነብሩ ነርኩም ብጸጋ ጥምቀት ግን አብ ብርሃን ጎይታ ተሳቲፍኩም ኢኹም ይብለና አሎ። ስለዚ ከም ደቂ ብርሃን ክነብር ይግብአና። አብዚ እዋን ንዘርኢ ብርሃን ክንዘርእ እሞ ከም ዝዓቢ ክንገብር ሽዑ ፍረ ብርሃን ክንሓፍስ እዚ ኸአ አብ ኩሉ ሓቅን ቅኑዕን አብ ዝኾነ ጥራሕ እዩ ዝርከብ። አብ ሕይወት ብርሃን ክርስቶስ ዘሎና ሱታፌ አብ መዓልታዊ ሕይወትና እንገብሮ ከንጸባርቕ አልኦ። አብ ሕይወትና ናይ ጸልምአት አንጎሎታት ክህልዉ አይግባእን። ደቂ ብርሃን ካብ ግብረ ጸልማት ክርሕቁ ጥራሕ አይ ኮኑን ዘልኦም ነቲ ሰፊኑ ዘሎ ጸልማት ከቃልዕዎ ብርሃን ክኹልዑሉ ይግባእ። ሓደ ሓውና ወይ ሓፍትና አብ ክፍአት አብ ምፍልላይ አብ ጽልኢ ጥራሕ ወፊሩ ክንርእዮ ከሎና ደፊርና ክንቋወሞ ክንግስጾ ይግባእ እምበር ዘርኢ ሰይጣን እናዘርአ ሱቕ ኢልና እንተ ረአናዮ አብ ግብሩ ንሳተፍ አሎና።

አብ መውዳእታ ንባብ ጳውሎስ ከምዚ ይብል አታ ደቂስካ ዘሎኻ ተበራበር፥ ካብ ምውታትውን ተንሥእ፥ ክርስቶስ ከአ ኬብርሃልካ እዩ ይብል። እዚ ምናልባት ናይ ቀዳሞት ክርስትያን ጸሎት ምስ ጥምቀት ዝተተሓሓዘ እዩ ዝመስል። ሓደ ክርስትያን ከመይ ገሩ ካብ ጌጋ ናብ ቅኑዕ መገዲ ከም ዝምለስ እዩ ዝገልጽ፥ ካብ ድቃስ አብ ምብርባር፥ ካብ ሞት ናብ ሕይወት፥ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ክርስቶስ ከአ ናይ እዚ ኹሉ ምኽንያት እዩ።

አብ ናይ ሎሚ ሰንበት አስተንትኖና እምብአር ብርሃን፥ ጸልማት፥ ምርአይን፥ ዕውረትን ዝብሉ ቀንዲ አርእስትና እዮም። ቀንዲ ሕመረት መልእኽቲ ክርስቶስ መንፈሳዊ ዑረትና አብ ጥምቀት አሕውዩ ንሓቂ ከም እንምስክር ይገብረና። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ንኹሉ ዘጠቓልል አነ ብርሃን ዓለም እየ፥ ኩሉ ዝኽተለኒ ዘበለ ኸአ ናይ ሕይወት ብርሃን ክህልዎ እዩ እናበለ ጽሚቑ የቕርበልና። ብምልኡ ናይ ሎሚ ስርዓት ልጡርግያና እምብአር አብ ምስጢር ክርስቶስ፥ ብርሃን ዓለም፥ አብ አእምሮናን ልብናን ዘሎ ጸልማት ዝቕንጥጥ ምዃንይ ዝገልጽ እዩ። ካብ ጽላሎት ኃጢአትና አውጺኡ ብርሃን ከም እንጕዓዝ ዝገብር እዩ። ምስ ኢየሱስ ምስ ኮና ናብ ሓዲስ ሕይወት ኢና እንአቱ ወይ እንሰግር። ከምቲ እቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ክርኢ ምስጀመረ ሓዲስ ክእለትን ሓዲስ ተመክሮ አብ ዓለም ዝረኸበ ንሕና እውን ሓዲስ ክእለት ንዝበለጸ ሕይወት አብ ከባቢና ምስ ዘሎ ዓለም ንጅምር እዚ ኸአ ዓለም ዘይፈልጦ ሓድስ ብርሃና ዝኾነ ኢየሱስ እዩ።

እምብአር አብ ሕይወትና ዘሎ ጸልማት አብኡ ክንርእዮን ክንክውሎን ዝንደልዮ ነገራት ሓቢእናሉ ከይንህሉ ክንርኢ ንሕተት አሎና። ንስቓያትን ድለት አሕዋትናን ዕዉራዶ ኮና አሎና? ምስ ሰባት አብ ዘሎና ርክብ አቐዲምና ዝሓዝናዮ ፍርዲ ወይ ጽልዋ ሒዝና ዲና እንቐርቦም? ንሰባት ከይንሕግዝ ወይ ነቲ ክንሕግዝ ዘኽእለና ነገራት ብምሕባእዶ ቀሪብናዮም? ወልእኳ ንርእስና ብርሃን ንኹን ንካልኦት ንርእሶምን ንኻልኦትን ብርሃን ዝኾኑሉ መገዲ ክንሕግዝ ትሑዛት ኢና። አብ ሕብረተስብና አብ ቍምስናና አብ ስድራና ኮታስ አብ ኩሉ አብ ፍቕሪ ተጠሚርና ብሓባር ከም እንጉዓዝ ዘሎና ክንርኢ አሎና። ነዚ ክንገብር ከሎና ጩራ ብርሃን አብ መንጎና አትዩ አሎ ማለት እዩ።

አብዚ ብሩኽ ጊዜ ጾም ፵ እምብአር አብ ሕልናና ብርሃን ክርስቶስ ክአቱ አሞ ካብቲ አጸልሚቱ ጎልቢብና ዘሎ ኃጢአትን አብ መንበረ ኑዛዜ ቀርቢና እንንስሓሉ ጸጋ ክዕድለና ሎሚ ብምሉእ ልብና አምላኸይ ብርሃን ዓድለኒ ክፍአተይ ርእየ ዝኽእለሉ ንጸገም አሕዋተይ ተረዲአ ብርሃንካ ከብርሃሎም ፍቕርን ሕውነትን ክነግስ ብዝክአለኒ ክሕግዝ ብርሃንካን ጸጋኻ ሃበኒ ንበሎ።

ቅዱስ ጉዕዞ ጾም ፵ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.