2017-03-23 18:31:00

ክርስትያን ተስፋ ይዘርእ!


‘እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፡ ንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ። ከምቲ ጽሑፍ፡ ጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ዚብል፡ ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኺሃንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ። ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ። ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኸተኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም፡ ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሃብኩም።’ (ሮሜ 15.1-6)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ካብ ዝሓለፈ ሓያለ ሳምንታት ኣትሒዝና ሓዋርያ ጳውሎስ ተስፋ ክርስትያን ብምንታይ ከምዝቆመ ንምርዳእ ይሕግዘና ኣሎ፣ እዚ ከኣ ተሓጒስካ ንምሕዳር ዝግበር ከንቱ ሃቀነ ዘይኮነስ ካልእ ነገር ምዃኑ ርኢና ኣሎና ሓዋርያ ጳውሎስ ከኣ ነዚ ንምርዳእ ይሕግዘና ኣሎ፣ ሎሚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ንተስፋ ክርስትያን ብክልተ ኣዕኑድ ማለት ጽንዓትን ምጽንናዕን ዝብላ ቃላት ኣብ ሕይወትናን እምነትናን ክሳብ ክንደይ ከምዘድልያ እውን ገሊጹልና፣  ክልተ ግዜ ተጠቂሰን ንረኽበን፣ መጀመርያ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቂሰናሉ ዘለዋን ተኣመንቲ ምዃነንን ብካልኣይ ደረጃ ከኣ እግዚኣብሔር ዘተስፈወን ምዃነንን እግዚኣብሔር እሙን ስለዝኾነ ሓቂ ምዃነንን ከምዝፍጸማን ይገልጽ፣ እዘን ክልተ መንገድታት እዚኤን ማለት ጽንዓትን ምጽንናዕን ኣየናይ እዩ እቲ ዓሚቊን ሓቀኛን ትርጉመን! በየናይ መንገዲ ንክውንነት ተስፋ የብርሃ ቢልና እንተሓተትና፣ ጽንዓት ከም ትዕግስቲ ቢልና ክንገልጻ ንኽእል እዚ ከኣ ተጻዊርካ ምኽኣል ኣብ እንግድዓኻ ጸርካ ምጒዓዝ ክሳብ መወዳእታ እሙን ኮንኳ ምጒዓዝ ወላውን እቲ ክብደት ልዕሊ ዓቅምናን ክትጻወሮ ዘይከኣልን እንተመሰለን ወላውን ብኣሉታዊ መንገዲ ክንፈርዶን ንኩሉ ጥንጥን ኣቢልካ ናይ ምሕዳግ ፈተና እንተኣንጸላለወናን፣  ምጽንናዕ ግን ጸጋን ትዕድልትን ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ንነገራት ተረዲእካን ተቀቢልካን ምኽኣል ወላውን ኣብቲ ኩሉ ዝተጸንቀቀን ዝመስለሉን ስቃይ ዝብርተዓሉን ሁመት እግዚኣብሔር ምሳና ከምዘሎን ከምዝሰርሕን ኣሚንካ ምጽንናዕ የስምዕ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኊልቊ 4 ብፍሉይ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዝተመሓላለፈልና ክብል እንከሎ ናይ ኢየሱስ ገጽታ ዝኾነ  ቃል ኣምላኽ ንኢየሱስ ክንፈልጥን ምስኡ ክንወሃሃድን ክንመስሎን ይዕድመና፣ ብካልኣይ ደረጃ ቃል ኣምላኽ ‘እግዚኣብሔር ብሓቂ ኣምላኽ ጽንዓትን ምጽንናዕን ከምዝኾነ’ ኣብ ኊልቊ 5 ይገልጸልና፣ እግዚኣብሔር ወትሩ ኣብ ቃሉን ኪዳኑን እሙን ኮይኑ ኣብቲ ኣባና ዘለዎ ፍቅሪ ጸኒዑ ከምዝንበርን ከምዘይሓድገናን ከምዘይስልችዎን ይገልጸልና፣ እወ እግዚኣብሔር ወትሩ የፍቅረና እዩ፣ ይሓልየልና ንቊስልታትናን ስቃይናን ብዓቢ ርሕራሔን ብምሕረቱን ተጠንቂቁ ይፍውስ የጸናንዓና፣ ካብ ምጽንናዕና ዓዲ ኣይውዕልን! ኣይደክምን ኣይስልቹን ኣይፍንፍነናን፣

እታ ኣብ ኊልቊ 1 ‘‘እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፡ ንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ።’ ዝብል በዚ መንገድዚ ክንርደኣ ንኽእል፣ እታ ‘ንሕና ብቱዓት ዝኾና’ ትብል ኣገላልጻ ቁሩብ ናይ ምዕባይ ክትመስል ትኽእል ኮይኑ ግን ብኣታሓስስባ ወንጌል ከምኡ ምዃና ንፈልጥ ከመይ እቲ ብታዔና ካባና ኣይኮነን ዝምንጩ እንታይ ደኣ ሓይልናን ብርታዔናን ጽንዓትናን ካብ ጐይታ እዩ ዝመጽእ፣ ኣብ ሕይወቱ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ምጽንናዑን ዘስተማቀረ ኣብ ጐድኒ ድኹማትን ጽጉማትን ኣሕዋቱ ኰይኑ ክጸንዕን ከጽንዕን ትሑዝ እዩ፣ እንተደኣ ብሓቂ ጥቃ እግዚኣብሔር ኣሊና ኣብ ጐድኒ ድኹማትን ጽጉማትን ኣሕዋትና ኰና ክነጸናንዖምን ብርታዔን ከነስንቆምን ጽንዓት ክህልወና እዩ፣ ነዚ ብዘይ ረኣዩለይ ስምዑለይ ወይውን ከምዚ ገረ ቢልካ ብዘይ ምንያት ክንገብሮ ንኽእል፣ ከምዚ ብምግባርና ከኣ ዘራእቲ ተስፋ ንኸውን፣ እግዚኣብሔር ካባባ ዝደልዮ ከኣ ብጽንዓት ነቂልና ነሕዋትና ከነጸናንዕ ክንክእል እሞ ዘራእቲ ተስፋ ክንከው እዩ፣ ሎሚ ሽሕኳ ቀሊል እንተዘይኮነ ዘድልየና ከኣ እዚ እዩ ዘራእቲ ተስፋ ምዃን እዩ፣

ፍረ ናይዚ ሕይወት እዚ ንማሕበረክርስትያን ቀዳሞትን ዳሕረዎትን ቢልካ ኣብ ክልተ ጉጅለ ምክፍፋል ማለት ዝሓሰሞምን ዘጸናንዑን ብርቱዓትን ድኹማትን ቢልካ ምክፍፋል ዘይኮነስ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኊልቊ 5  ዝብሎ ‘እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም፡ ከተዘውትሩ’ እዩ፣ ቃል ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ነንሕድሕድካ ንምግልጋል ዝደፍእ ጭቡጥ ተስፋ ኮይኑ ይቀርብ፣ ምኽንያቱ ወላውን እቲ ብርቱዕ ኮይኑ ዝስምዖ ድሕሩ ቀልጢፉ ድኻምነት ክስምዖን ናይ ካልኦት ምጽንናዕ ከድልዮን ይኽእል፣ ከምኡ እውን እቲ ሎሚ ደኺሙ ናይ ካልኦት ሓገዝ ዘድልዮ ብግዲኡ ደልዲሉ ንካልኦት ክረድእ ይኽእል፣ ከምዚ ምስ ኮነ ከኣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኊልቊ 6 ዝብሎ እታ ማሕበር ክርስትያን ‘ሓደ መንፈስን ሓደ ድምጽን ኰይና ንእግዚኣብሔር ክብሪ ተቅርብ’፣ ኮይኑ ግን እዚ ኩሉ ክውን ዝኸውን እታ ማሕበረ ክርስትያን ንክርስቶስ ዓንዲ ማእከላ ጌራ ብቃል ኣምላኽ ክትምራሕ ምስ እትውስን እዩ፣ በዚ ከኣ ከምቲ ንሱ ሓያል ዝኾነን ብትዕግስቲ ዘጸናንዓንና ንሕናውን በርቲዕና ክነጽንዕን ክነጸናንዕን ንኽእል፣ ኩልና ከምታ ንጥፍእቲ በጊዕ ኣብ መንኩቡ ተሸኪሙ ዝቅበል ንሕናውን ኣብ መንኩብ ናይቲ ሕያዋይ ጓሳ ክንከውንን በቲ ሓላይን ፈቃርን ዝኾነ ህላዌኡ ክንክበብ ንደሊ፣

ዝተፈቶኹም ኣዕሩኽ! እግዚኣብሔር በቲ ብቅዱስ መጽሓፍ ጌሩ ዝህበና ቃላቱ ዚኣክል ምስጋና ክንቀርበሉ ኣይክንክእልን ኢና፣ ከመይ ኣብዚ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ኣምላኽ ጽንዓትን ምጽንናዕን’ ኮይኑ ይቀርብ፣ ኣብዚ ከኣ ኢና ተስፋና ኣብ ኣብ ክእለትናን ሓይልናን ዘይኮነ ኣብ ተኣማንነት ደገፍ እግዚኣብሔር ኣብ ፍቅሩን ሓይሉን ጽንዓቱን ከምዝኾነ ንርዳእ፣ እግዚኣብሔር ይሃበለይ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.