2017-03-21 16:55:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንብፁዓን ጳጳሳት ኤል ሳልቫዶር ተቐቢሎም መሪሕ ቃል ለጊሶም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮን ጳውሎን ንምስላምን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምርኻብ ስልጣናዊ መርሕ ቃል ዝልገሰሉ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣብ መንበረ ሓዋርያ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያት ዕለት 20 መጋቢት 2017 ዓ.ም.  ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዉ ናይ ኤል ሳልቫዶር ብፁዓን ጳጳሳት ከምእተራኸቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣሊና ቱፋኒ ሓቢረን።

ብዛዕባ እዚ ርክብ’ዚ ኣመልኪቶም ናይ ሳን ሳልቫዶር ሊቀ ጳጳስን ናይ ኤል ሳልቫዶ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ልዊስ ኤስኮባር ኣላስ ድሕሪ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየድናዮ ርክብ ይብሉ ኣዚዩ ፍሉይ ዝገብሮ ብላቲን ስርዓት ዕለት 24 መጋቢት ዝበዓል ዝኽሪ ሰማዕት ብፁዕ ሮመሮ እዩ። ስለዚህ ዕለት 24 መጋቢት ናይ ኤል ሳልቫዶር ብፁዓን ጳጳሳት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሓብሩ ዓቢይ ሃረርታ ኣሎዎም ቢሎም፥ ዕለት 28 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ብፁዕ ሮመሮ ቅድስና ንኽትእውጀሎም ዘብቅዕ ብኣማላድነቶም እግዚኣብሔር ዝዓደሎ ተኣምረ ፈውስ ዝገልጽ ሰነድ ከምእተጠናቐቐን ፍቓድ እግዚኣብሔር ኰይኑ ቅድስና ክእወጀሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ንናይ ቅድስና ዓዋጅ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ኤል ሳልቫዶር ክሰርዕዎ ናይታ ኣብ ኤል ሳልቫዶር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናን ሃረርታ እዩ። እቲ ተኣምረ ፈውስ ብቕድስቲ መንበር ዝጸድቕ ኰይኑ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 15 ነሐሰ 2017 ዓ.ም. ብፁዕ ሮመሮ ቅዱስና ክእውጅሎም እዮም። እተሓሒዞም ይብሉ እቶም ምስ ብፁዕ ሮመሮ ብሓባር ኣብ 1977 ዓ.ም.  ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ኢየሱሳዊ ካህን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ ሩቲሊዮ ግራንደ ብፅዕና ክእውጅሎም ሃንቀው ንብል። ኣባ ግራንደ ንብፅዕና እዋጅ ዘብቅዖም ብደረጃ ሰበኻ ዝተኻየደ ምርምርን መጽናዕትን ዝሓለፈ ዓመት ተጠናቒቑ ንናይ ቅድስና ጉዳይ ንዝከታተል ቅዱስ ማሕብር ከምእተረከበ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤልሳልቫዶር ዝረአይ ዘሎ ዓመጽ ናይቲ ዝሓለፈ ብረታዊ ግጭት ሳዕቤን እዩ። ብፍላይ ድማ እቲ ፓንዲላስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ገበን ጉጅለ  ዕለት ብዕለ ናይ ብዙሓት ኤል ሳልቫዶራውያን ሕይወት ንሓደጋ ሞት ዘቃልዕ ዘሎ ከም ኣብነት ጠቒሶም ናይ ኤል ሳልቫዶር ብፁዓን ጳጳሳት ዛዕባ ዓመጽ ፍሉይ ሓዋርያዊ መልኽቲ ከምዘውጽኡን፥ ኣብቲ ሰነድ ኣብ ኤል ሳልቫዶር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ዓመጽ መንቀሊኡን ምስ እዋንን ህሉው ኩነት ፍልቀታቱን ትትንትን። ናይቲ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልሲ ታሪኻውን ፍትሓውን ትንተና ተገይሩ ናብ ሰላማዊ ዕርቂ ዘሰጋግር ኩነት ብናይ ፖለቲካ ስልጣን ኣይተፈጥረን። ኩሉ ከምዘይነበረ ኰይኑ ተወናዚፉን እቲ ዝፈጠሮ ምቅሕሓርን ጽልእን ሓዘንን ቁጠዔን ፈውሲ ከይረኸበ ተቐቢሩ እዩ ተሪፉን ዘሎ፡ እዚ ድማ እናወዓለን እናሓደረን ኣብ በዳልን ተበዳልን ምትዕራቕ ዘይኰነስ ተበዳሊ ሕነ ንፍምዳይ በዳሊ ድማ ገዛእ ርእሱ ንምድሓን ካልእ ዓይነት ማሕበራዊ ግጭት ይወልድ ኣሎ። ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኩሉ ብምግላጽ ናብ ዕርቂ ሰሰጋግር መገዲ ብኸመይ ክዝርጋሕን ሁሉ ሕዝቢ ኣብቲ መገዲ ናይ ገዛእ ርእሱ ስጉምቲ ከንብር ትዕድም፡ እቲ ናይ ገበን ጉጅለን ከምኡ እውን ምዝውዋር ኣደንዛዚ እጸዋት (ዕጸ ፋርስ) ዝህሉ ዝገብር ኩነት ክወግዶ ዝኽእል መደብ ሕንጸት ምርግጋጽ የድሊ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ ብሓርዋያዊ ግብረ ኖልዎ ኣቢላ ዓቢይ ኣገልግሎት ትህብ ኣላ።

ብኻልእ መዳይ ዓመጽ ዘንቅሎ ምኽንያ እንታይ እዩ? ዝዀነ ይኹን ዓመጽ ካብ ባዶ ኣይኰነን ዝብገስ። ስለዚህ ድማ ካብቶም ቀንዲ መንቀሊታት ሓደ ድማ ድኽነት እዩ። ኣብ ኤል ሳልቫዶር ኣብቲ ኣዚዩ ብድኽነት ዝተጠቕዔ ከባቢ ዘሎ ዓመጽ እዚዩ ዝለዓለ እዩ። እዚ ኩሉ ብመደብ ሕንጸት ተለልዩ ንመንእሰይ ወለዶ ሕንጸት ምሃብን ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣን ኣገዳሲ ይኸውን። እብዚ መዳይ’ዚ እዩ መንግስቲ ኣጽኒዑ ክዓዪ ዝግብኦ ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያንን ምእመና ወሉደ ክህነትን ጳጳሳትን ኤል ሳልቫዶር ናይ ሰላምን ሕይወትን ባህሊ ኣብ ምንቕቓሕ ዓይቢይ ኣስተዋጽኦ የበርክቱ ኣለዉ። ድኽነትን ዓመጽን ብሕንጸትን ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ፍትሒ ብምርግጋጽ እዩ ዝውገድ እንብክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.