2017-03-18 16:24:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ሓበሬታ ሓቂ፡ ዘስምር እምበር ዝገማምዕ ክኸውን የብሉን


ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 16 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ኣብ ምረቓ ስነ ስርዓት ናይ ጋዜጠይናታት ማሕበር ሓድሽ ሕንጻ ተረኺቦም፥ ሓበሬታ ብዘይ ምቁጽጽራን ኣጠማዚዝካ ካብቲ እቲ ሓበሬታ ከመሓላልፎ ዝደልዮ ወጻኢ ንጥቕምኻን ረብሓታትካን ኣሚትካ ዘይኰነስ ሓቀይናን ዘዋህድ እምበር ዘይገማምዕ ከይኑ ብትኽክል እተመሓላልፉ ጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን ምዃን ወሳኒ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዘረብ ከምዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ፥ “ሓበሬታ ብትሕቲ ሓደ ሰላሕታውን ውዲታውን ሥልጣን ሜላ ንምቁጽጻርን ንምምዝማዝን ንናይ ገዛእ ርእስኻ ረብሓ መሳለጢ ንምግባር ብዙሕ እዋን ዝረአይ አሰራርሓን ብስምዒታዊ መስህብነትን ቁልጡፍን ዘይዓሚይቕ ኣሰራርሓ ከም መጋበሪያ መጸለምን ስም ምጥፋእን እናዀነን እቲ ሰናይ ሓበሬታ ናይ ከም ዘይ ሓበሬታ ብዝትክእ ኣሰራርሓ ዝምራሕ ኰይኑ ኣሎ”  ቢሎም ነዚ ዓይንት ኣስራራሓ’ዚ ነቒፎም ብመጋበርያ ብዙሓንን ብጋዜጠይናታትን ዝወሃቡ ሓበሬታ “ዘይምግዳስን ሸለልተይናነትን ንኸይሰፍሕ ናይ መራኸቢ ድልድል ዘቕውም መጋበሪያ ዘተን ክኸውን እምበር ዘይምክእኣክልን ዝገልጽ ዓመጽን ግጭትን ዘጓሃህር ፈተና”  ዘነቓቕሕ ክይኸውን ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ምሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስሞዎ ዘረባ ዕለት 16 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ናይ ሊባኖስ ርእሰ ብሔር ሚሸል ኦውን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ ምብጻሕ ዘኪሮም፡ ሊባኖስ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ንምምራጽ ዘካየደቶ ጉሉሕ ጻዕርታት ኣብ መወዳእታ ናይ ረፓብሊካዊት ሊባኖስ ርእሰ ብሔር ክህልዉ ከምዝገበረን ብፍላይ ኣብ ናይ ሊባኖስ ኵለ መዳያዊ ኩነት ዓቢይ ኣስተዋጽኦን ወድዒ እውን ዘለዎ ናይታ ሃገር ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ መረጻ ርእሰ ብሔር ነቲ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ንምውጋድ ዘርአዮ ስምረት ምዃኑ ንኢዶም ርእሰ ብሄር ኣውን እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝተበጽሔ ስምምዕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዓቢይ አስተዋጽኦ ከምዝህልዎ ዘለዎም ተስፋ ከምዝገለጹ ሓቢሮም ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.