2017-03-18 16:28:00

ሕብረት ኤውሮጳ፥ ናይ ውግእን ዓመጽን ምኽንያት ዝበሃሉ ማዕድናት ንግድ ዝቆጻጸር ሓድሽ መምርሒ ኣጽዲቑ


ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ንናይ ውግእ ኣጽዋር መደለቢ ዝጥቐምሉ ንግድ ማዕድናዊ ሃብትታት ንምቁጽጻር ዘብቕዕ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ካብተን ውግእን ዓመጽን ዝረኣየለን ናይ ማዕድን ሃብቲ ንምቁጽጻር ብዝብል ዕላማ ንሕድ ሕድ ውግእ ካብ ዝተቓልዓ ሃገራት ዘካይዶ ናይ ማዕድን ሃብትታት ምእታው ዕዳጋ ዝቆጻጸር አባላት ሃገራት ኤውሮጳ ክኽብሮኦን ግልጽነት ዝሓትት ኣሰራርሓ ክህሉ ዝእዝዝ ሕጊ ከምዘውጽኤ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብርኤላ ዘራዞ ሓቢረን።

እቶም ናይ ውግእን ግጭትን ምኽንያት ተባሂሎም ዝግለጹ ማዕድናት ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ወጻኢ ጥረ ሃብቲ ማዕድን ካብ ዘእትዉ ክፍለ ዓለማት ቀዳማይ ምዃኑ ዝንገረሉ ክኸውን እንከሎ፡ ብፍላይ ብድሕሪ እቲ ምእታው ጥረ ማዕድን ናይ ብዙሓት ሕዝብታት ሞትን ደም ፍሰትን ዓመጽን ስደትን ከይህሉ ኣገዳስነት ጥንቃቔ ዘተሓሳስብ እቲ ሕብረት ዘውጽኦ ሕጊ ኣመልኪቶም ናይ ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ማሕበር መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ናይ ስነ ኣፍሪቃ ሊቅ ኣባል ማሕበር ኮምቦናውያን ኣባ ጁሊዮ ኣልባነዘ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ብዙሓት ሃገራት እቲ ዝተዓደለኦ ሃብቲ ማዕድን ሕዝበን ካብ ተጠቃምነት ዘርሕቕ ብዝገደደ እውን ናይ ስደትን ሞትን ምኽንያት ኰይኑዎ ምርአዩ ዘሕዝን እዩ። ብዙሓት ናይ ወጻኢ ኅብረ ትካላት ኣብ ድኻታት ሃገራት ዘካይድኦ ምዝመዛ ሃብቲ ማዕድን ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ከይተረፉ ኣብ ምውጻእ ሃብቲ ማዕድን ብምውፋር ጸረ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተግባራት ክፍጽማ ዝረአይ እዩ፡ ስለዚህ ካብተን ውግእን ግጭት ዝረአየለን ሃገራትን ዘለወን ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንሕድ ሕድ ውግእ ምኽንያት ካብ ዝዀነለን ሃገራት ምዕቡላት ሃገራት ዘእትወኦ ሃብቲ ማዕድን ምቁጽጻር ዘድልዮ እዩ ቢሎም እቲ ዘሕዝን ሕብረት ኤውሮጳ ምቅጽጻር ዘልድዮም ሃብቲ ማዕድናት ቢሉ ዝጠቐሶም ኣርባዕተ ዓይነት ብረታውያን ማዕድናት ጥራሕ እያቶም፡ ስለዚ ስለምታይ ነዞም ኣራባዕተ ብረታውያን ማዕድናት ጥራሕ ዝቆጻጸር ሕጊ ምጻድቕ ከምዝደለየ ዝገርም እዩ። ብጠቕላላ እቲ ንውግእን ግጭትን ንድለባ ኣጽዋር ውግእን ዝውዕሉ ሃብቲ ማዕድናት ዝምልከት እዩ ክኸውን ዝነበሮ ኢሎም።

ድኻታት ሃገራት ዘለወን ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንውግእን ግጭትን ዝዳርገንን ኣብ ውሽጠን ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይሊታት መፈጠሮም ምኽንያት ዝኸነ ናይ ሃገር ሃብቲ ተፈጥሮ ንምቁጽጻር ዝብል ድላይ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቲ ማዕድን ንመደለቢ በጽዋር ውግእ እዩ ዝውዕል ምስ እዚ ተተሓሒዞም ዝተኣታተዉ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ጸገማት እውን ምፍትሒ ክረኽቡ ኣብ ዓለም ዘሎ ንግድ ማዕድናዊ ሃብትታት ዝቆጻጸር ግልጽን ፍትሓውን ዝዀነ ሕጊ አገዳሲ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.