2017-03-16 18:35:00

ብዙሕ መንግድታት ናይ ጥቅሚ ፍቅርታት ኣለው እቲ ሓቀኛ ምፍቃር ግን ጸጋ ኣምላኽ እዩ! ር.ሊ.ጳ


‘ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ። ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ንምትጋህ ኣይትተሃከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። ብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ። ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ፡ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ።’ (ሮሜ 12.9-13)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገደፈልና ዝዓበየ ሕጊ ምፍቃር ምዃኑ ኣጸቢቅና እንፈልጦ ጉዳይ ኮይኑ። ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ምፍቃርን ንብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ገርካ ምፍቃርን (ማቴ 22.37-39 ተመልከት)፣ ብኻልእ ኣዘራርባ ንፍቅርን ንሰናይ ግብርን ዝተጸዋዕና ኢና፣ እታ ክንዮኣ ምንም ዘየለ ዝለዓለት ጸዋዕታና እዚኣ እያ፣ ናይ ተስፋ ክርስትያን ታሕጓስ ከኣ ምስኣ ዝተኣሳሰረት እያ፣ ዘፍቅር ታሕጓስ ተስፋ ኣለዎ! ናብቲ ዝዓበየ ፍቅሪ ዝኾነ ጐይታና ንምብጻሕን ምሳኡ ንምርኻብን ዘኽእል ተስፋ!

ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ ላዕሊ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ናብ ሮማውያን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ፍቅርናን ሰናይ ተግባርናን ግብዝ ዝመልኦ ከይከውን የጠንቅቀና፣ መኣስ እዩ ግብዝ ዝኸውን ቢልና ክንሓትት ንኽእል፣ ፍቅርናን ሰናይ ተግባርናን ልባውን ሓቀኛን ምዃኑ ከመይ ገቢርና ክንፈልጥ ንኽእል፣ ፍቅርና ንረኣዩለይ ስምዑለይ ዝግበር ኮይኑ ከም ናይ ተዋስኦ ተለቪዥን ከይከውን እንታይ ምግባር የድሊ፣

ግብዝና ንኩሉ ክብል ይኽእል ንኩነታት ፍቅርና ከይተረፈ ክብክል ይኽእል፣ ንጥቅሚ ገዛእ ርእስና ጥራይ ቢልና ክነፍቅር ከሎና ገለ መኽሰብ ክንረክብ ክነፍቅር ከሎና እቲ እንወፍዮ ግብሪ ሰናይ ንጃህራን ኣንታ ክንደይ ይልግስ ክብሉናን ስምና ከነዕብን ክንገብሮ ከሎና ግብዝና የጥቅዓና፣ ከምኡውን ክእለትና ክነርእን ክንነኣድን ዘሎና ጽቡቅ እንብሎ ነገራት ካልኦት ክፈልጡልናን ክነፍቅር ከሎና ድሕሪ መጋረጃ ሓደ መርዛብ ግጉይ ኣተሓሳስባ ኣሎ፣ እዚ ከኣ ኩሉ ኣብ ገዛእ ርእስና መሊስና እነፍቅር ብሩኻትን ሕያዎትን ስለዝኾና ንካልኦት እንሕግዝ ለውሃትን ለጋሳትን ስለዝኾና ብማለት ፍቅሪ ከም ናይ ደቂ ሰባት ፍረ ወይ ሞያ ገርና ንሓስብ፣ እዚ ግን ጌጋ እዩ፣ ፍቅሪ ጸጋ እዩ እግዚኣብሔር ዝዕድለና እዩ ስለዚ ክንልምኖ ኣሎና፣ ፍቅሪ ሃበና ክንብሎ ንሱ ከኣ ተሓጒሱ ይዕድለና፣ ግብረ ሰናይ እውን ጸጋ ኣምላኽ እዩ፣ ነቲ እግዚኣብሔር ብነጻ ዝዕድለና ንካልኦት በነጻ ክንዕድል ጽውዓት ኢና፣ ቅድሚ ንካልኦት ምርካብናን ምሕጋዝን ምስቲ ምሕረት ዝመልኦ ትሑት ገጽ ኢየሱስ ምርኻብ የድሊ፣ ከመይ ባዕሉ እቲ ንናኣሽቱ እንገብሮ ንኣኡ ከምእንገብሮ ስለዝገለጸልና ንኣኡ ከይፈለጥካን ከይረኸብካን ንካልኦት ክትሕግዝ ዘይከኣል እዩ፣

እንደገና ቅዱስ ጳውሎስ ንሕና ሓጢኣተኛታት ስለዝኾነ ፍቅርና እውን ብሓጢኣትና ይትንከፍ እዩ ይብል፣ ኮይኑ ግን ብማለት ነቲ ዘሐጒስ ዜና ናይ ተስፋ ብምእዋጅ ጐይታ ሓራ ናይ ምዃን ጐዳና ከምዝኸፍተልናን ንሕናውን ተኻፈልቲ ናይቲ ንሱ ዝእዝዞ ፍቅሪ ክንከውንን ናቱ ናይ ምግባረ ሰናይ መጋበሪ ክንከውን ከምንኽእልን ይገልጽ፣ ነዚ ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ከሕውየናን ልብና ከሐድሰልናን ምስ እነፍቅድ ይገሃድ፣ እቲ ካብ ሞት ተንሲኡ ኣብ ማእከልና ዝነብር ኢየሱስ ንልብና ከሕውዮ ይኽእል እንተለሚናዮ እወ ይፍውሶን የሕውዮን፣ ከምዘሎና ምስ ድሩት ዓቅምናን ድኽነትናን እንከሎና ንርሕራሔ እግዚኣብሔር ኣቦ ከነስተማቅርን ነቲ ዘደንቅ ፍቅሩን ክንሳተፍ የኽእለና፣ በዚኸስ እቲ ነሕዋትና ክንገብረሎምን ምሳኦም ክንሳተፎን እንኽእል መልሲ ናይቲ እግዚኣብሔር ንዓና ዝገበረልና ገናውን ይገብረልና ናይ ዘሎ ፍቅሪ ምዃኑ ንርዳእ፣ ከም ሓቁ እንተኾይኑ ከኣ  ኣብ ልብና ብምሕዳርን ንሕይወትና ብምምራሕን ነቶም ኣብ ጉዕዞ ዕለታዊ ሕይውትና ዘጓንፉና ካብቶም ዝተሓቱን ኣጸቢቆም ዝተጸገሙን ጀሚርካ ንክንፈቅርን ንክንሕግዝን ዘኽእለና እግዚኣብሔር ባዕሉ እዩ፣

ሐዋርያ ጳውሎስከስ በዘን ቃላት እዚአን ገቢሩ ሕመቅና ክገልጸልና ዘይኮነስ እታ ተስፋ ኣባና እንደገና ሕያው ንክንገብራ ከተባብዓና ቢሉ እዩ፣ ኩልና ነዛ ናይ ፍቅሪ ትእዛዝ ብምልኣት ከምዘይንነብራ ወትሩ ዘጋጥመና እዩ ኮይኑ ግን እዚ እውን ሓደ ጸጋ እዩ ከመይ በይንናን ባዕልናን ብሓቂ ክነፍቅር ኣይንኽእልን፣ ጐይታ ነዚ ፍቅሪዚ ወትሩ ኣብ ልብና ክሕድሶን ኣብዚሑ ክህበናን በታ መወዳእታ ዘይብላ መለኮታዊ ምሕረቱ ነስተማቅራ፣ ከምዚ ምስ እንገብር ከኣ ነቲ ዘይነስተውዕለሉ ናኣሽቱ ነገራት ዋጋን ግምትን ክንህቦም ንጅምር ነቲ ዕለት ዕለት ዘጋጥመና ግምት ንህቦ ዘይነበርና ነገራት ኩሉ ከምቲ እግዚኣብሔር ዘፍቅሮም ክነፍቅሮም ንምጅር ምናዳ ከኣ ከምቲ ኢየሱስ ካብኡ ምስ እንርሕቅ ምስ ነፍሲ ወከፍና ዝገብሮ ናብቶም ትሑታትን ድኻታትን ቅርብ ቢልና ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ድንን ኢልና ከምቲ ንሱ ዘርኣዮ ርሕራሔን ምሕረት ክነርኢ ንጅምር፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋት! እዚ ነገራት እዚ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ‘ብተስፋ ሕጉሳት’ (ሮሜ 12.12) ምስጢር የካፍለና ኣሎ፣ ብተስፋ ሕጉሳት ምዃን እንክንብል ወላውን ኣብቲ ዝሓሰመ ግዜ ናይ ውድቀትን ጸገምን ከይተረፈ ፍቅሪ እግዚኣሔር ወትሩ ምሳና ምዃኑ ርጉጻት ምዃን ስለዝኾነ በታ እንኽእላ ንእሽቶይ ዓቅምና በቲ ዕለት ዕለት ካብ ጐይታ ንቅበሎ  ምስ ኣሕዋትና እናተቋደስና ኣብ ታሕጓስ ናይ ተስፋ ንንበር፣ እግዚኣብሔር ይሃበለይ፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.