2017-03-11 15:59:00

ኢየሱስ ኩሉ ክርደኦ ብዝኽእል ቀሊል ነገራት ይዛረበና! ር.ሊ.ጳ


እቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዝጀመረ ዓመታዊ ሱባኤ ር.ሊ.ጳጳሳትን መሳርሕቶምን ትማሊ ተዛዚሙ፣ ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ከምዝገለጽናዮ ሰባኼ ናይዚ ሱባኤ ዝነበሩ ፍራንቸስካዊ ካህን ኣባ ጁልዮ ሚቸሊኒ ትሽዓተ ስብከታት ኣስሚዖም፣

ናይ መጨረሻ ስብከቶም ብዛዕባ እቲ ባዶ መቃብር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ትንሳኤን ዝምልከት ነበረ፣ ነዙ ኣስተንትኖ ኣብ ትርካ ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ተመስሪቶም እንክገብርዎ ‘እዛ ብዛዕባ ትንሳኤ እትዛረብ ናይ መወዳእታ ታሪኽ ቅዱስ ማቴዎስ ሎሚ ኣብ መደምደምታ ሱባኤና ቊሩብ መስተርሆት ትህበና፣ እዚ ከኣ ንምስጢር ክርስትያን ይገልጽ፣ ድሕሪ ስቃይን ሕማማትን ኩሉ ኣባኡ ኣይድምደምን፣ ሓዲስ ተበግሶ ሓዲስ ምጅማር ኣሎ እዚ ከኣ ትንሳኤ እዩ፣ ኮይኑ ንናይ ሎሚ ሰብ ነዚ ዓቢ ምስጢር ከመይ ቢልካ ትሰብኮ ቢሎም ይሓቱ እሞ ናብቲ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ዝኾነ ክርስቶስን ናብ መልእኽቱን ምምላስን ካብኡ ምጅማርን የድሊ ይብሉ፣ ትንሳኤ ናይ ክርስቶስ ምስቲ ታሪኻዊ ኢየሱስ እንክተነጻጽሮ ሓዲስ ፍጻሜ የመልክት፣ እቲ ቅድሚ ትንሳኤ ዝነበረ ኣካል ክርስቶስ ድሕሪ ትንሳኤ ተለዊጡ፣ ስለዚ እቲ ዝተንሰኤ እቲ ኣብ ገሊላ ዝመላለስ ዝነበረ ኢየሱስ ኮይኑ መልእኽቱ ከኣ እቲ ዝኣወጆ ናይ ሓርነት መልእኽቲ እዩ፣ ስለዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ነዚ ሓርነት እዚ ከምቲ ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ዘመልክትዎ ንቃሉ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብምንባብን ሓዲስ መግለጺ እናሃበን ከምኡ እውን ንጽጉማት ኣሕዋቱ እናረድኤን ብምግባረ ሰናይ ክረኽቦ ይኽእል፣’ እንክብሉ ከመይ ገቢርካ ሓርነት ክርስቶስ ከምዝልበስ ምስ ኣመልከቱ ናብ ትረኻ ማቴዎስ ምልስ ይብሉ እሞ ትንሳኤ ክርስቶስ በመልኣኽ ምብሳሩን ክርስቶስ ነቶም ክሒዶሞ ፋሕፋሕ ዝበሉ ሓዋርያት ንክረኽቦም ንገሊላ ሓሊፎም ክጸንሕዎ ከመልክትን ኣሕዋተይ ቢሉ ምሕረቱን ፍቅሩን ክገልጽ ዓቢ ትምህርቲ እንክኸውን እታ ዝዓበየት ተልእኾን ኪድ መሃሩ እትብል ከኣ በታ ዓባይ መጸናንዒት ሓረግ ‘ኣነ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም ኣሎኹ’ እትብል ክንዮ ኩሉ ምጥርጣራትናን ሓጢኣትናን ከምዝኾነትን በዚኣ ተጸናኒዕናን ተበራቲዕናን ንቅድሚት ንገስግስ ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣    

ኣብ ምዕጻው እቲ ሱባኤ ቅዱስነቶም ከምዚ ክብሉ ንሰባኺ ኣመስጊኖም፣

‘ስለቲ ዝገበርኩምልና ጽቡቅ ነገርን ንሕና ክንገብሮ ዘሎና ጽቡቅ ነገር ብምሕባርኩምን ከምዝስግነኩም እፈቱ፣ ልዕሊ ኩሉ ብዘይ ምንም ምስትምሳል ከምዘሎኹሞ ኰንኩም ብምቅራብኩም እንከመስግን ኣስዒበ ድማ ንስብከት ምስንዳው ቀሊል ከምዘይኮነ ብምርዳእን ነቲ ብሰፊሑ ንኩሉ ዝኸውን ብዙሕ ትምህርቲ ስለዝሃብኩምና ኣመስግነኩም፣ እግዚኣብሔር ብናኣሽቱን ቀሊል ብዝኾነ ነገራትን ስለዝዛረብ ነፍስወከፍና ዝጠቅመና ነገር ሒዝና ክንምለስ ተስፋ እገብር፣ ከምቲ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘሎዮላ ዝብሎ ኣብ ሱባኤ ኩሉ ሰብ ሓደ ነገር ይረክብ እዚ ከኣ ወይ ዘጸናንዕ ወይውን ንኩሉ ገዲፍካ ብሓዲሽ ክትጅምር ዝብል ኮይኑ ሱባኤ እንክትዛዘም ወትሩ ደው ቢልካ ምስትንታንን ገለ ነገር ከትረክብ ይገብረካ፣ ኣብዚ ሱባኤ ከኣ ከምኡ እዩ፣ እንክብሉ ኣመስገኑ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.