2017-03-11 16:56:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ፍክሊ ማሕተምን መግለጺ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪ ፓሎማ ጋርሲያ ኦቨኸሮ ዕለት 9 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ናይ ኮሎምቢያ ርእሰ ብሔር ዅዋን ማኑኤል ሳንቶስን ናይ ኰሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ኰሎምቢያ ምብጻሕ ነኸካይዱ ናብ ቅድስቲ መንበር ብዘመሓላለፍዎ ናይ ዕድመ መልእኽቲ መሰረት ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 6 መስከረም ክሳብ ዕለት 11 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ኰሎምቢያ ርእሰ ከተማ ቦጐታን ቪላቪሰንሲዮን መደሊንን ካርታጀናን ዘጠቓልል መደብ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ከምዝወሰኑ ሓቢረን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፖላንድ ሰበኻ ስዊድኒካ ካቴድራልን ቅዱስ ስፍራን ውሽጢ ንዝርከብ ቅድስቲ ማርያም ረዳኢተ ህሙማን ቅዱስ ሓወልቲ ብምኽንያት መበል 100 ዓመት ግልጸተ ማርያም ዘፋጢማ ዕለት 13 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ዝፍጸም ናይ ድፍኣተ ዘውድ ስነ ስርዓት ንኽመርሑ ብስሞም ናይ ካቶሊካዊ ስነ ትምህርቲ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ልሂቅ ህየተ ብፁዕ ካዲናል ዘኖን ግሮቾለውስኪ ከምዝሰመዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.