2017-03-04 16:59:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ማህሌት ውዳሴ ንእግዚኣብሔርን ናይ እምነት ውህበትን ውበትን መግለጺ እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተቛም ማህሌት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ምኽንያት ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ሓልዮን ካቶሊካዊ ሕንጸት ዝከታተል ቅዱስ ማሕበርን ጳጳሳዊ ናይ ማህሌት ተቛምን ጳጳሳዊ ኣንሰልሚያኑም ተቛም ሊጡርጊያን ብምትሕብባር “ሙዚቃን ቤተ ክርስቲያንን፡ ኣምልዀን ባህልን ድሕሪ ቅዋሜ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ናይ ማህሌት ተቛም” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለውዎ ካብ ዕለት 2 መጋቢት ክሳብ ዕለት 4 መጋቢት 2017 ዓ.ም.  ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ተጋባእያን ተቐቢሎም መርሕ ቃል ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎ ሞናኰ ሓቢሮም።

ቅድም ቀዳድም ነቶም ተጋባእያን ኣብ ቅድሚ ቅዱስነቶም ብምቕራብ ዘረባ ንዘስምዑ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ኣመስጊኖምን ኣብቲ ካብ ዕለት 2 መጋቢት ክሳብ ዕለት 4 መጋቢት 2017 ዓ.ም. እቲ ጉባኤ ማህሌት ብፍላይ ድማ ናይ ማህሌት ባህላውን ስነ ጥበባውን ጐድኑ ንማሕበረ ክርስቲያን ፍርያማነት ዝድግፍ ምዃኑ ዝገልጽ ዝነበሮ ናይ ርክብን ዘተን ተመክሮ ጠቒሶም፤ እቲ ተቛም ማህሌት ቅድሚ 50 ዓመት ከምዝቖመን እቲ ዓውደ መጽናዕት ንዝሓለፉ ናይ 50 ዓመታት ተመክሮ ናይቲ ተቛም ዳህሱሱ ማህሌት ብመንጐ ዓውደ ፍልጠታዊ መዳይ ተመልኪቱን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ንዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዘለዎ ግደ ዘዕሞቐን፤ ኣብ እነብረሉ ዘሎና እዋን ኣብ መንጐ ማህሌትን ባህልን ናይ ስነ ሙዚቃ ባህልን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህልን ትውሳኤኡን ከምኡ ኣውን ማህሌት ብውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናንን ማህሌታውያንን ብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣቢሉ ውበቱን ውህበቱን ደሚቑ ዝርአይ ምዃኑ ብምስውዓል ውህበትን ውበትን ማህሌት ዘዕሞቐ ዓውደ ጉብኤ ምንባሩ እውን ኣዘካኺሮም፡

እቲ ፈለማ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘድጸቖ ኣብቲ ቅዱስ ጉባኤ ኣብ ዝብል ውሳኔኡ ዘንበሮ ብዛዕባ ሊጡርጊያ ንምሕዳስን ንምስፋሕን ዝምልከት ውሳኔ ቀዳማይ ዛዕባ ሊጡርጊያ ዘማእከለ ዓንቀጽ ቀዳማይ ሰነድ ምዃኑ ዝጠቐሱ ቅዱስ ኣቦና ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ሊጡርጊያ ሱታፌ ዝነበሮ ጸገምን ሊጡርጊያ ዝጥቐመሉ ቋንቋን ምልክትን ቃላትን ኣብ ምርድእ ዝነበሮ ጸገምን ኣብ ግምት ብምእታው፤ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ሊጡርጊያ ክሳተፍን ምልክታን ቋንቋን ቃላትን ሊጡርጊያ ንኽርዳእ ዘብቅዕ ድጋፍ ብምቕራብ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ኣብዚ መዳእይ ማህሌት ዘለዎ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ብምስትውዓል ሰፊሕ ትንተና እውን ከምዝሃበሉ ካብኡ ንደሓር ብመልክዕ ስልጣናዊ ትምህርትታት ብዙሓት ሓደስቲ ሰነዳት እውን ዝወጸ እንተዀነ እዚ ኹሉ ቅዱስ ሊጡርጊያ ብመሰረት ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህልን ትውፊትን ቅዱስ መጽሓፍን ትምህርቲ ኣበውን ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዛዕባ ሊጡርጊያ ዘዕምቑን ዝተፈፈላለዩ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርታት በቢ መዳዮም ዝሃብሉን ዝህብሉን ዘለዉ ዓቢይ ትርጉምን ሓሳብን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝወሃቦ ትንተና ዓሚይቕ እዩ ከምዝበሉ ሎሞናኮ ሓቢሮም።

ሊጡርጊያ ብማህሌት ዝተሰነየን ናይ ኩሉ ሱታፌ ዘጠቓልል ክኸውን እንከሎን ኩሉ ከከም ቅብኣተ ሓላፍነቱን ከከም መስርዓ ማዕርጋቱ ዘሳትፍ ክኸውን እንከሎን ዘለዎ ልዑልን ቅዱስን ክብሩ ይጐልሕ ፍስሃ ይለብስ፡ ስምረትን ውህድ ቅንይት እምነትን ድምጽን ዝንበሮ ምስ ዝኸውን ኣብታ ኵላትና እንጓዓዘላ ቅድስቲ ኢየሩሳሌም ዝፍጸ ሊጡርጊያ ብድሮ ተሳትፍቲ ንኸውን።

እቲ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ስርዓት ሊጡርጊያ ሱታፌ ምእመናን ዘለዎ ኣገዳስንት ኣብ ቍጽሪ 11 ውሳኔ ቅዱስ ጉባኤ “ሊጡርጊያ ምሉእ ውጽኢት ንኽህብ ምእመናን ብቕኑዕ መንፈስ ተዳልዮም ሓሳባቶም ምስቲ ካብ ኣፎም ዝወጽእ ቃል ኣሰማሞዖም ንመለኰታዊ ጸጋ ንኸንቱ ከይቅበሉ ምስኡ ብምትሕብባር ክሰረሑ የድሊ” እንክብል ይገልጾ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ሊጡርጊያ ዝኽወን ምስጢረ እግዚኣብሔርን ግልጸት እግዚኣብሔርን ጐይታ ኣብ መንጐ ህዝቡ ኣብ ዝኽውኖ ሓቂ ብዕምቆት ክሳተፉ ይምዕድ። ሱታፌን ኣስተውዕሎን ተተሓሒዞም እዮም ዝኸዱ፡ ኣብ ሉጡርጊያ ብዛዕባ እቲ ዝኽወን ምስጢር ምስትውዓል ብዘለዎ መንፈስ ምስታፍ።

ኣብዚ መዳይ ድርብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ይቃላሕ፡ እቲ ቀዳማይ ዕቃቤ ክኸውን እንከሎ ኣቲ ካልኣ ድማ ሊጡርጊያን መላእ ከይድታት ሊጡርጊያ ዘለዎ ክብሪ ምድማዕ ዝብል እዩ። ኣብዚ ቅዱስ ኩነት’ዚ ስርዓት ሊጡርጊያ ናይ ምንፋቕ ራእይ ወይ ድማ ብቤተ መዘክራዊ መንፈስ ክርአይ ዝክእል ሓደጋ ከምዘሎ ኣስተውዒላ ቤተ ክርስቲያን ሊጡርጊያ ዘለዎ ልዑል መንፈሳዊ ሃብቱ ህልው ክብሩን ህላዌ ክርስቶስ ብቐጻልነት ዘረጋግጽ ከምዝዀነ እናመርሔት ማህሌን ሊጡርጊያን ምስ ናይ ሕዝቢ ባህሊ ብምውሳእ ባህልን ልምድን ብወንጌል ትሰብኽ። ቃል እግዚኣብሔር ብማህሌንትን ናይ ሕዝቢ ባህልን ንዋየ ሙዚቃታት ምስ ቅዱስ ማህሌት ብምርኻብ ህልው ኩነት እናነበረት እምነት ተበራብርን ሕዝብን ባህሉን ኩሉ ኣብቲ ዝበዓል ምስጢር ተዋስእ።

ኣብ እዋናዊ ዓለም ህልው ኩነታትን ባህልታትን ሙዚቃን ኣብ ሊጡርጊያ ምስታፍ ብዙሕ ጸገማት ኣለዓዒሉ እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት ድማ ሓዲግነትን ብቑዕ ክእለት ዘይምህላውን ኣገዳስነት ዘይብሎም ጉዳያት ዝኣመሰሉ ናይ ሊጡርጊያ ውህበትን ውበትን ዘኽፍሉ ነገራት ተራእዮም እያቶም። ስለዚህ ከምዚ ከይከውን ኩሎም ናይ ሊጡርጊያን ሙዚቃን ወረብትን ደረስቲ ሙዚቃን ብጥልቂ መንፈስ ሊጡርጊያ ተሰንዮም ማህሌትን ዝዝመይ ሊጡርጊያን ዘለዎ ልዑል ክብሪ ምንቕቓሕ የድሊ። ምእንት’ዚ ኩሉ ኣብ ሊጡርጊያ ዝሳተፍ ካብ ካህን ክሳብ ምእመን ብዛዕባ ማህሌት ኣፍልጦ ክህልዎ ምድጋፍ የድሊ። ውሉደ ክህነት ከከም ሊጡርጊያዊ ስርዓቱ ብቑዕን ግቡእን ማህሌታዊ ሕንጸት ክረክብ ይግባእ ከምዝበሉ ሎሞናኮ ኣፍሊጦም።

ፍቱዋት ኣሓዋተይ ኣብ መዳይ ሊጡርጊያን ማህሌትን እተርእይዎ ህርኩት ኣገልግሎት አመስግነኩም እታ ብማህሌት ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ ብዝብል ዜማ ቅድስና እግዚኣብሔር መዳርጊት ብዘይብሉ ቃላዊ ኣገላልጻ ዝወደሰት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ኣገልግሎትኩም ትደግፈኩም፤ ማኅበረሰብ ክርስቲያን ከም ማሕበረሰብ ሊጡርጊያ እናደገፍኩም ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ምስጢር ተሳታፍነቱ እናመራሕኩም ትርጉም ናይ እግዚኣብሔር ምስጢር ከስተውዕል ግበሩ። ማህሌትን ዝዩም ሊጡርጊያን ከምቲ ንጹርን ብርሃንን ጸሓይ ኰይኑ ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ክብርን ጽባቔን ቅድስናኡን መግለጽን ትርጉም ክብሩን ዘብርህን እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ምዕዳን፥ ሓደራኹም ስለይ ጸልዩ። ብልቢ ሓዋርያዊ ቡራኬይ ኣብ ልዕሌኹም አንብር እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኮ ሓቢሮም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.