2017-03-04 16:15:00

ሰንበት ዘምኵራብ ጾም ፵ የካቲት 26/ 2009 ዓ.ም. (3/05/ 2017)


ንባባት፡ ሮሜ 5፡12-19፥ ያዕ 2፡1-13፥ ግ.ሓ 23፡1-11፥ ማቴ 4፡1-11። ስብከት፡1.“እስመ ቅንአተ ቤተከ በልዓኒ፥ ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ፤ ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ” ንቤትካ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቅንኢ ከም ሓዊ የንድደኒ አሎ፥ ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻውን አባይ ወደቐ፥ ንነፍሰይ ብጾም አሕሳእክዋ”። መዝ. 69፡9።

ኢየሱስ ብዙሕ ጊዜ አብ ቤተ ጸሎት አይሁድ ይመላለስ ነሩ። ቤተ መቕደስ ዝጽለየሉ መስዋዕቲ ዝዓርገሉ ከምኡ ሰባት አብ ከባቢኡ ንመስዋዕቲ ዝቐርብ እንስሳ፥ እኽሊ ካልእ ከምኡ ዘመሰለ ዝሸጡሉ ቦታ እዩ ነሩ። እንተ ኾነ እዚ ዳሕረዋይ ብዝያዳ አትኩሮ ቀይሩ ቤት ዕዳጋ ዳርጋ ኮይኑ ነሩ እዚ እዩ ኢየሱስ ጨሪሹ ክቕበሎ ዘይክአለ። ቤተይ ቤት ጸሎት ክስመ ይግብኦ እንተ ኾነ ንስኻትኩም ብዓቲ ሰረቕትን ጉሓሉን ገርክምዎ ኢልዎም። አብ ዕዳጋ ዓለም ዝግበር ምጥፍፋእን ምዝመዛን ንኹልና ብሩህ እዩ፥ አብ ዓበይቲ ከተማታት ሮማ ኢየሩሳሌም፥ ሉርድስ ፋጢማ፥ መጂጎሪ ወዘተ አብ ከባብን ገለ እዋን አብ ቤተ ክርስትያን ዝርአ ዕዳጋ የሰክፈካ አብ ሸቐት ተቐይሩ። ኢየሱስ ቀንዲ አትኩሮኡ አብቲ ግዙፍ ህንጻ ቤተ መቕደስ ዘይ ኮነ ንህንጻ ሕይወትና እዩ፥። ብዝተፈላለየ ምኽንያት አብ ኃጢአት ወዲቕና ነቲ ቤተ መቕደስ አምላኽ ዝኾነ ልብናን ሕልናን ዘይናቱ አልቢስና ብጸልማ ሕይወት እንጉዓዝ ውሑዳት አይ ኮናን ስለዚ ሎሚ በዚ ብሩኽ ዘመነ ጾም ካብ ኩሉ ክፍአትና ተመሊስና ልብና ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ክንገብሮ ንጽዋዕ አሎና።

አብ ጉዕዞ ጾም ኢና ዘሎና። ቅዱስ እዋን፥ ናይ ጸጋን በረኸትን፥ ንአርብዓ መዓልታት መላእ ቤተ ክርስትያን ርእሳ ብጸሎትን ጾምን ብምጽዋትን እትሕድሰሉ ናይ ጽድቂ ጊዜ። ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ልበይ ብንስሓ ተመኲሩ አብኡ ንዘሎ ክፍአትን ቂምታን ኩሉ ዕዳጋ ኃጢአት አውጺኡ ሓዲስ/ሓዳስ ፍጥረት እንኾነሉ ዓወት ዘልብስ እዋን ኢና እንጅምር ዘሎና ስለዚ አይዞና ምስ ርእስና ንረባረብ እሞ ንጹሓት ቤት መቕደስ አምላኽ ክንከውን ኢና።

ናይ ሎሚ ሰንበት ንባባትና ብዛዕባ ፈተና እዮም ዝዛረቡ። ቅዱስ መጽሓፍ አብ ቀዳሞት ምዕራፋቱ ብዛዕባ ፈተና ቀዳሞት ወለድና ይዛረብ። አብ ዘፍ 2፡7-9 ቀጺልና አብ 3፡1-7 ዘሎ እንተ አንበብና ብሩህ ርድኢት ፈተና ክህልወና ይኽእል። አብ ገነት ብሰይጣን ተፈቲኖም ወዲቖም ከአ። አብ ወንጌል ኢየሱስ አብ በረኻ ብሰይጣን ተፈቲኑ እንተ ኾነ ብዓወት ወጺኡ። ነዚ ክልተ ፈተናታት ክንሓስብ እንከሎና ቃል ንቃሉ ወይ ከአ ከም ሓደ ታሪኻዊ ፍጻሜ ዘይኮነስ አብ እንገብሮ ምርጫ ብቀጥታት ዘመልክቱ ምዃኖም ክንርዳእይ አሎና። ማለት ምስ አምላኽ ዲና ዘሎና ወይስ አንጻሩ። ቅ. ጳውሎስ አብ ሰብ ሮማ ዝጸሓፋ ነዚ ክልተ ፈተናታት እናአወዳደረ ይጠቕሶ እሞ ብኸመይ አቢሉ ሎሚ ንሕይወትና ከም ዝጸልዎ ይነግረና።

ፈተና ቀዳሞት ወለድና፡

 አምላኽ ጸገም ዘይነበራ ዓለም ፈጢሩ ንሰብ ሂብዎ ሰብ ግን ብዝገበሮ ኃጢአት ሞትን ውርደትን ከም ዝወርድ ገሩ። መጀመርያ ዝገበርዎ ዓቢ ሓሶት እዩ፥ ንሕና ከም ፍጡራት መጠን አብ አምላኽ ጽግዓኛታት ምዃና ምኽሓድ። ሰይጣን ብተመን ተመሲሉ ንአምላኽ ከይ እዘዙን አብኡ ከምዘይ አምኑንን፥ ከም ፈጣሪ ብዘይ ሓደ ጸገም ድላዮም ክገብሩ፥ ርእሶም ዝኽአሉ ከም ዝኾኑ እዩ ነጊርዎም። ሰይጣን ዝገበሮ መላታት እንተ ርኢና ንእና እውን ከመይ ገሩ ከም ዝውድቐናን ዝፍትነናን ክንርኢ ንኽእል። አብቲ ዝገበሮ ሜላ እዚ ዝስዕብ ንርኢ።

ሰይጣን ኩነታትና ይፈልጥ እዩ። ንሱ ጎራሕን መታለልን ስለ ዝኾነ ናይ ሰብ አተሓሳስባን ዝንባሌን አጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። መጀመርያ ናብ ሔዋን እዩ መጺኡ፥ አብታ ብቐሊል ከውድቓ ዝኽእል። ከምዚ እናበለ ክሓታ ጀመረ አምላኽ ካብዚ አብ ገነት ዘሎ ኩሉ አታኽልቲ ድዩ አይትብልዑ ኢልኩም ኢልዋ። ሔዋን ንሕቶ ሰይጣን ክትምልስ እንከላ ካብ ኩሉ አይ ኮነንን ዝኸልከለና ካብዛ ጽቡቕን ሕማቕን እተፍልጥ ኦም ካብአ አይትብልዑ አይትተንክፋው ካብአ ዝበላዕክሙላ መዓልቲ ክትሞቱ ኢኹም ኢሉና ኢላቶ። አብዚ እንርእዮ ሔዋን ምስ ሰይጣን አብ ዘተ ምስ አተወት አብ መጻወድያኡ አትያ። ብቐሊል ክትወድቅ ምኽንያት ኮይንዋ። ሰይጣን ንእሽቶይ አፍደገ ልብና እንተ ኸፈትናሉ ብቐሊል እዩ ዝአቱ፥ ሽዑ ከውድቐና ጸገም የብሉን።
ሰይጣን አብቲ ዝበለቶ መሰረት ገሩ አይክትሞቱን ኢኹም እኳ ድአ ካብአ እንተ በላዕኩም ኩሉ ክትፈልጡ፥ ከም አምላኽውን ከም እትኾኑ፥ ጽቡቕን ክፉእን ከአ ክትፈልጡ ኢኹም ኢልዋ (ዘፍ 3፡2-5)። ሽዑ ሔዋን ነታ ኦም ክትርእያ ስለ ዝጀመረት ጽብቕቲ ፍሬአ ንምብላዑ ጥዑም፥ ጥበብ ብምሃብውን ዜብህግ ምዃና ርእያ። ሰይጣን ሓንሳብ ልብና ምስ ሰለበ አብ ዝደለዮ ውድቀት እዩ ዝመርሓና።
ካብ ፍረ እታ ኦም ወሲዳ በልዐት፥ ንሰብአያ ድማ ሃበቶ ንሱውን በልዐ። ሽዑ ንሽዑ አስተውዓሉ ጥራዮም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። አብ ቅድሚ ሓድሕድ ደው ክብሉ ሕፍረት ተሰመዖም ብቆጽሊ ሕፍረቶም ክኽውሉ ጀመሩ። ካብ እግዚአብሔር ፈሪሖም ከአ ክሕብኡ አብ መንጎ አእዋም አተዉ። ኃጢአት ገበሩ በዚ ኸአ አብ ዓለም ኃጢአት አተወ። ሰይጣን ሓንሳብ ምስ አውደቐና ንካልኦት ክነውድቕ ልኡኻቱ ይገብረና ሽዑ ብዘይ ደሞዝ ክነገልግሎ ባሮቱ ኮና ንነብር።

አብዚ ውድቀት ቀዳሞት ወለድና እንርእዮ እታ ትእዛዝ አምላኽ ብምፍራስ ዝጀመረት ፈተና ከም መርዚ አብ ምሉእ ሕይወት ደቂ ሰብ አትያ ንኹሉ በኪላ እዚ እንርእዮ ስቓይን ሞትን ወርደትን አምጺአትልና። ብሰንኪ ዝተፈጸመ ኃጢአት አብ ርክባትና ፍልልይ ተፈጢሩ። ምስ አምላኽን ሰብን ዝግበር ርክባትና አብ ክንዲ ግልጺ እንኸውን ክንሕባእ ክንክወል ጀሚርና። ንኹሉ ድኽመታትናን ኃጢአትናን ኩሉ ምኽንያታት ክንፈጥረሉ ንደሊ። እዚ እዩ ታሪኽ ደቂ ሰብ ድሕሪ ወድቀት ካብ መጀመርያ ዝነበረ ሕጂ እውን ዘሎ። ነዚ አለሊና ካብ ኃጢአት ክንርሕቕ ንጽድቅን ሓቅን ክንሕዝ ይግብአና። ጸጋ አምላኽ ዝተቐንጠጠ ሕይወት መለልይኡ ክፍአትን ጭካኔ አድሕድ እዩ ስለዚ አብዚ ብሩኽ ጾም ንዝዓረቐ ሕይወትና ጸጋ አምላኽ ከልብሰና ግላዊ ተበግሶ ክንገብር ንጽዓር።

ፈተና ኢየሱስ፡

ናይ ሎሚ ወንጌል ማቴዎስ ወንጌላዊ ኢየሱስ አብ በረኻ ዝገጠሞ ፈተና የዘንትወልና። ነዚ ምስቲ ናይ ቀዳሞት ወለድና ፈተና ማዕረ ማዕረ ገርና ክንርእዮ።

መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ ብድያብሎስ ንኪፍተን ናብ በረኻ ወሰዶ። ኢየሱስ ድሕሪ ጥምቀቱ ብመንፈስ ተመሪሑ አብ በረኻ ከደ አብኡ ብጾምን ብጸሎትን ንአርብዓ መዓልቲ ጾመ። እቲ ፈተና ብአምላኽ ዘይኮነ በቲ ፈታኒ ሰይጣን እዩ ኮይኑ። እቲ ፈተና አብ መንጎ ኢየሩሳሌምን ምዉት ባሕርን አብ አጻምእ ቦታ እዩ ኮይኑ። እዚ ፈተና እዚ ሓደ ጊዜ ጥራሕ ዝኾነ ዘይኮነ አብ ብምልኡ አብ ተልእኮ ኢየሱስ ዝገጠመ እዩ ዘጠቓልል። ነዘአን ሰለስተ ፈተነታት አብ ሓደ እዋን በብሓደ ዝኾነ ገርና አይንርአየን ኩሉ ዝገጠሞ ፈተናታት አብዘን ሰለስተ ተጠቕሊሉ ክርአ ይክአል። ሓደ ጊዜ ምስ ተፈተና ድሕሪኡ ከም ዘይተፈተነ ገርና ክንሓስብ የብልናን ፈተና ብዝተፈላለየ መልክዕ ብተደጋጋሚ አብ ተልእኮኡ ይገጥሞ ነሩ እዩ።
ወዲ አምላኽ እንተ ኾንካ. . . . . . ።  ቅ. ማቴዎስ ንፈተና ኢየሱስ ክነግረና እንከሎ ሰይጣን ወዲ አምላኽ እንተ ኾንካ እናበለ ብመለኮቱ ክፍትኖ ከም ዝጀመረ እዩ ዝነግረና። እዚ ድሕሪ ጥምቀቱ ሰማያዊ አብኡ እዚ እቲ ዘፍቅሮ ወድይ ብአኡ ደስ ዝበለኒ ዝብል ምስተ ሰምዐ ዘቕርቦ ዘሎ ፈተና እዩ። አብ ሰለስቲኡ ፈተናታት እቲ ዝቐረበ ፈተናታ ንመለኮቱ ዝትንክፍ ንሱ ወዲ አምላኽ ከም ዝኾነ ዝፈታተን እዩ። እቲ ፈታኒ ወዲ አምላኽ እንተ ኾንካ እናበለ ይጅምር እሞ አነ ዝብለካ ግበር ይብሎ። ኢየሱስ ግን አብ ትሕቲ ዓንከል እቲ ፈታኒ ምእታው ይአቢ። ኢየሱስ ንሱ መን ምዃኑ ከረጋግጽ አየድልዮን እዩ። ገለ ሰባት ኢየሱስ ወዲ አምላኽ እንተ ድአ ኮይኑ ስለምንታይን ብኸመይን እዩ ዝፍተን እናበሉ ይሓቱ። ሓደ ከም ዝበሎ አይተፈተንካ ምኽንያቱ ክፉእ ስለ ዝኾንካ፥ ተፈቲንካ ምኽንያቱ ሰብ ስለ ዝኾንካ ይብል። እቲ ፈተና ዘተኩሮ አብ ትስብእቲ ኢየሱስ እዩ። ኢየሱስ ብዘይካ ኃጢአት ብኹሉ ንአና መሲሉ እዩ። ስለዚ ከማና አብ ኩሉ ተፈቲኑ እዩ።
ሰለስተ ፈተናታት ኢየሱስ፡ ሰለስተ ቀንዲ ክዙን መሳርያታት ሰይጣን ንደቂ ሰብ ክጥፍእ ዝጥቀመለን እየን።

ሸውሃት/ስሳዐ/አብ ንብረት ጥራሕ ዝዘንበለ መንፈስ፥ ንአእማን አብ እንጌራ ምቕያር። እዚ ተአምራት ክገበር ዝተደለ መሰረታዊ ነገር (ግዙፍ) ክቕርብ ንማለት እዩ። ሰይጣን ኢየሱስ ጠምዩ ከምዘሎ ይፈልጥ እዩ ንአርብዓ መዓልቲ አይበልዐን። ስለዚ ንስኻ ብሓቂ ወዲ አምላኽ እንተ ኾንካ ነዚ አእማን አብ እንጌራ ለውጦ ይብሎ። ኢየሱስ ነዚ ክምልሰሉ እንከሎ ሰብ ካብ አፍ አምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቃል እምበር ብእንጌራ ጥራሕ አይነብርን እዩ። አብዚ ኢየሱስ ዝሕብሮ ዘሎ ተልእኮኡ ዝፍጸም ቃል አምላኽ ብምስባኽ ደአ እምበር ዝብላዕ እንጌራ ብምቕራብ ከምዘይ ኮነ እዩ።
ህርፋን  (ንስልጣን/ንስም/ንኵርዓት) ካብ ጫፍ ላዕለዋይ ቤተ መቕደስ ምጽዳፍ። አምላኽ ከም ዝኾነ ዘረጋግጽ ምልክት ክህብ ሽዑ ክአምን ከምዝኽእል ዝገልጽ ፈተና እዩ። ሰይጣን ኢየሱስ ነዚ እንተ አድለየ ክገብሮ ከም ዝኽእል ይፈልጥ እዩ። ኢየሱስ ግን ካብ መጽሓፍ ዘዳግም (ዘዳ 6፡16) እናጠቐሰ ንእግዚአብሔር አምላኽ አይትፈታተኖ ይብሎ። ንአምላኽ ብዘይጠቅም ነገራት ክንፈታተኖ ከም ዘይብልና እዩ ዝነግር ዘሎ። ንሱ አብ ተልእክኡ አብቲ ሰማያዊ አብኡ ዝሕብሮ ጥራሕ እዩ ዝአምን ዝገብርን።
ትዕቢት፥ (ከንትነት አምላኾ ጣኦት) ንሰይጣን ምምላኽ እሞ ስልጣንን ሃብትን ምርካብ። ሰይጣን ንግስነቱ አርእይዎ እንተ ሰገድካለይ እዚ ኩሉ ክህበካ እየ ኢልዎ። ኢየሱስ ንእግዚአብሔር አምላኽካ ጥራሕ ስገድ ንበይኑ ድማ አምልኽ ዝብል አሎ እናበለ ኪድ ሰይጣን በሎ። ኢየሱስ አብ መልሱ ሕጂ እውን ካብ ዘዳግም (ዘዳ 6፡4-5) እዩ ዝጠቅስ። ንአምላኽ ጥራሕ እምበር ንኻልእ ክነምልኽ ከም ዘይግብአና ይነግረና። በዚ ኸአ ንኹሉ ፈተና ስዒሩ ወጺኡ።

ኢየሱስ ነዚ ሰለስተ ፈተናታት በብመገዱ መሊስሉ። ሰይጣን አብ ተልእክኡ ከሰናኽሎ ከምኡ አብ ቅድሚ አብኡ ዘይእሙን ክገብሮ እዩ ፈቲኑ። ኢየሱስ ግን ንሰለስቲኡ ፈተናታት ስዒሩ አፍሺሉ ተልእክኡ ፍሉይ ከም ዝኾነ አርእዩ። አብ ዓለም ፈተና ክህሉ ግድን እዩ ከመይ ንወጽኦ እዩ እቲ ሕቶ። ንፈተና ክንዕወተሉ ቃል አምላኽ ክንሰምዕን ክነተግብርን አሎና። አብ ቃል አምላኽ መሰረት ገርና ንዝጓነፈና ፈተና ክንምልሰሉ ክንክእል አሎና።

እዘን ሰለስተ ፈተናታት ናተይን ናታትኩምን ፈተናታት እየን፥ ምስአን ኩሉ ዝጓነፈና ፈተናታት ክንተሓሕዞ ንኽእል። ሰይጣን መጀመርያ ዝፍትነና አብ ርእስና ጥራሕ ከም እንሓስብ እንምርኮስ ይገብረና። ኢየሱስ ግን አብ አምላኽ ገጽና ክንምለስ ይነግረና። እዘን ሰለስተ ፈተናታት ብርግጽ አብ ምሉእ ሕይወት ኢየሱስ ንርእየን ኢና። ሰለስትአን አብ ጥመት ህርፋን፥ ሃረታ ስልጣን ወይ ትምክሕቲ ዝጥቕለላ እየን ወይ አብ ምቾት፥ ስልጣን፥ ትዕቢት ዝጥርነፋ እየን። ክንፈልጦ ዘሎና ፈተና ጽቡቕ ተመሲሉ እዩ ዝመጽአና ከየስተውዓልና ክንወድቕን ስለ እንኽእል ምጥንቃቕ የድልየና። ጥዑይ ሰብ ክፉእ ዓይኑ እናረአየ እዝኑ እናሰምዐ አይመርጽን እዩ።

ቅ. ጳውሎስ አብ ቀዳመይቲ ንባብና ናብ ሰብ ሮማ ዝጽሓፋ ቀዳማይን ዳሕረዋይ አዳምን እናአወዳደረ አብ ሕይወትና ዘምጽእዎ ሳዕቤን ይገልጽ። ጳውሎስ ቀንዲ መልእኽቱ አብ ኃጢአት ወይ ሞት ከተኩር ኢሉ አይ ኮነን አብ መንጎ አዳምን ክርስቶስን ዘሎ ፍልልይ ክገልጽ ኢሉ እዩ። ክልቲኦም ናይ መጀመርታን መወዳእታን ፍሉያት መለክዒ መወዳእታና እዮም። ኢየሱስ ከመይ ገሩ ሓዲስ ሕይወት ከም ዘምጽአልና ክገልጽ እንከሎ ቀዳማይ አዳም ኃጢአት ስለ ዝገበረ ሞት አምጺእልና ብዳግማይ አዳም ግን ትንሣኤን ሕይወትን ተዋሂብና ወረስቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኮና። ብዘይምእዛዝ ቀዳማይ አዳም ሞት አብ ዓለም አትዩ፥ ብዳሕራይ አዳም ግን ምልአት ጸጋን ሓዲስ ሕይወትን ተዋሂቡ። ቅ. ጳውሎስ አጸቢቑ ዝጸቕጠሉ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብነጻ ዝተዋህበ ጸጋ እዩ። እዚ ጸጋ እዚ አዝዩ ካብቲ ዝወረደ ኃጢአት ንላዕሊ እዩ። ስለዚ ጸጋ አምላኽ ምስቲ ዝተፈጸመ ኃጢአት ጨሪሽና ክነወዳድሮ አይግባእን።

አብ ቅዱስ እዋን ጾም ኢና ዘሎና። እዚ ጊዜ እዚ ዘዘኻኽረና ነቲ ደቂ አዳም ዝተጎዓዝናዮ ጉዕዞ ኃጢአትን ድሕነትን እዩ። ከም አዳምን ሔዋንን ኢየሱስን ኩልና ፈተና ይገጥመና እዩ። ኃጢአት አዳም ኩልና ደቂ ሰብ አብ ፈተና ዝንባሌ ከም ዘሎና ገሩ። አደን አቦን ዓለት ደቂ ሰብ ገሮሞ ንሕና ኸአ ንገብሮ አሎና። ክንፍተን አንከሎና አብ ርእስና ወይ ኃይልና ክንአምን የብልናን ምኽንያቱ ንሕና ካብ ምንጭና ኃጢእና ኢና። አብ ኢየሱስን ሓይሉን ጥራሕ ክንአምን አሎና ምኽንያቱ አምላኽ ካብ መጀመርያ ጸጋዊ እዩ። ሰብ ክወድቕ እንከሎ ኢየሱስ የተባብዕ።  ፈተና ክገትመና እንከሎ ንሱ ዝመርሓና ክንስዕብ ንአኡ ጥራሕ ክንሰምዕ አሎና። ኢየሱስ ከመይ ገሩ ንፈተና ከም ዝስዓሮ ጥራሕ ክንሓስብ አሎና። ካብ አብነቱ ክንምሃር አሎና፥ ሽዑ ፈተና ምስ ገጠመና ተቢዕና ክንዋጽኦ ኢና አብ መወዳእታ ኸአ ብዓወት ክንዛዝሞ ኢና።

አብዚ ቅዱስ እዋን ጾም እምብአር ከምቲ ኢየሱስ መምህርና ዝመሃረና ተጊህና አብ ሰማይ እትነብር አቦና እናበልና ክንጽሊ አሎና። አብ ፈተና አይትእትወና ካብ ፈተና አድሕነና እናበልና ንጸሊ። ቤተ መቕድስ አምላኽ ዝኾነ ልብና ክነጽሕ ሓግዘና ንበሎ ሽዑ ከምብርሃን ክንኩላዕ ኢና ንመገዲ ሰማይ ከአ ናተይ ኢልና ክንትሓሓዞ ኢና። ጉዕዞ ጾምና ብጸሎት፥ ጾም ምጽዋት ዝተሰነየ ይኹን ከምኡ እንተ ገበርና ጥራሕ ኢና አብ ደምበ አምላኽ እንምለስ።

ጸጋዊ አምላኽ ንዝጓነፈና ዝተፈላለየ ፈተና እንስዕረሉ ጸጋን ኃይልን ይሃበና።

ብሩኽ ጾም።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.