2017-03-02 17:10:00

ምስሪ፥ ጸኣት ማሕበረ ክርስቲያን


ኣብ ምስሪ ናይ ሰሜናዊ ሲናይ ርእሰ ከተማ ኣል ኣሪኪ ተቐማጦ ማሕበረ ክርስቲያን  ይስደድ ምህላዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝፈነዎ ዜና ጠቒሰን ክሕብራ እንከለዋ፡ ናይቲ ጸኣት ምኽንያት ድማ እቲ ነቲ ናይቲ ምስራቓዊ ከባቢ ምስሪ ተቐማጢ ናይታ ሃገር ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ዒላማ ዝገበረ ዳዒሽ ሽበራዊ ሓይሊ ዝፍንዎ ዘሎ ጸረ ክርስትያን  መጥቃዕቲ ከምዝዀነን እቶም ዝስደዱ ዘለዉ ማሕበረ ክርስቲያን ብዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን እንገዳ ይቐርበሉ ምህላውን ካብ ካይሮ 120 ኪሎ ሜትር ርሑቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኢስማኢልያ ዘላ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ብዙሓት ዝተሰዱ ማሕበረ ክርስቲያን እንገዳ ከምእተገበረሎምን ካልኦት ድማ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራኦምን  ኣባይቲ ኣዝማዶምን ከምእተኣንገዱ ገሊጸን።

ኣብ ሰሚናዊ ከባቢ ሲናይ ኣብ ዓሰርተ መዓልታት ውሽጥ 7 ምእመና ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ከምእተቐትሉ ዘዘካኸራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዘንጋሪኒ፥ ሰሜናዊ ከባቢ ሲናይ ንመጥቃዕቲ ጅሃዳውያን ተቓሊዑን ብፍላይ ድማ ጅሃዳውያን ብሰፊሕ ጸረ ናይቲ ከባቢ ሓይሊ ምክልኻ ምስሪ መጥቃዕቲ ዝፍንውሉ ከምዝዀነን ኣብ 2014 ዓ.ም.  እቲ ከባቢ ግዝኣት እስላማዊ መንግስቲ ተባሂሉ ምስ ተኣወጀ ኣብት ከባቢ ንዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ህልውና ኣዚዩ ሓደገይን ከምዝዀነን፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ጥራሕ ሽዱሽተ ኣባላት ማሕበረ ክርስቲኢያን ከምእተቐትሉን ብዙሓት ብሓዊ ክነዱ እንከለዉ ገሊኣቶም ድማ ክሳዶም ተቐንጺሉ ብዘስካሕክሕ ኣቀታትላ ንሞት ከምእተዳርጉን ገሊጸን እቲ ቅትለት ፈጻሚ እየ ዝብል ምስ ዳዒሽ ምትእስሳር ዘለዎ ናይቲ ከባቢ ማሕበረ ክርስቲያን ኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዒላማኡ ዝገበረ ጅሃዳዊ ሓይሊ ከምዝዀነ እቲ ጅሃዳዊ ሓይሊ ብምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ሓቢሩን እቲ መልእኽቲ እቲ ዕለት 11 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ኣብ ቦትሮሲያ ቤተ ክስቲያን ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ዝፈነወን 29 ሰባት ንሞት ሓደጋ ንዘቃልዔ ኣቡ ኣብዱላህ ኣል ማስሪ እተባህለ ግብጻዊ ዝፈጸሞ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዝውድስ መልእኽቲ ዘጠቓልል ምንባሩ ሓቢረን።

ናይ ምስሪ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ተቛማት ነቲ ዝፍጸም ዘሎ መጥቓዕና ብሓደ ድምጺ ይኹንና

እቲ ኣብ ግብጺ ዝርከብ ዳር ኣል ኢፍታ ኣል ሚስሪያሕ እተሰምየ ብዓቢይ ናይ ግብጹ ሙፍቲ ዝምራሕ እስላማዊ ማሕበርን ካልኦት ናይ ግብጺ እስላማውያን ማሕበራት እውን ነቲ ዝተፈነወን ጸረ ማሕበረሰብ ክርስትያን ምስሪ መጥቃዕቲ ከምዝኾነኑን ናይ ምስሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማውን ናይ ምስሪ መራሔ መንግስቲ ሸሪፍ ኢስማኤል ብስልኪ ተራኺቦም ብዛዕባ እቲ ዝፍጸም ዘሎ ጸረ ክርስትያን መጥቃዕትን ኣማእኪሎም ከምዝዘተዩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ዜና ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዜንጋሪኒ ኣመልኪተን ቀጺለን እውን፥ ኣብ ግብጺ ማሕበረሰብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ  ምስሪ 10 ሚእታዊ ዝሽፍን ከምዝዀነ የዘኻኽራ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.