2017-02-26 19:23:00

ክብረ በዓል ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት


፲፮ የካቲት ፳፻፱ ዒ.ም ግዕዝ (23 ሇካቲት 2017) ዓመታዊ ክብረ በዓል ርእሰ ኣድባራት ካቶሊካዊትቤተክርስቲያን ደብረ ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ: ከምቲ ዝሓለፉ እዋናት ሎም ዘመን እውን ካብ ከተማታትን
ገጠራትን ዝመጸ ብኣሽሓት ዝቁጸር ሕዝብን: ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ዘበኤርትራ:ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ: ኣበምኔት ሲታውያን፡ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ኣባ ዑቕባጋብር ወልደጊዮርጊስ፣
ኣሕሉቅ ገዳማት ካልኦት ካብ ኩለ ሰበኻታትና ዝመጹ ብዘሓት ውለደ ክህነትን ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡለ ብዓቢይ ዓጀብን ድምቀትን ከቢሩ ውዒሉ።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.