2017-02-25 16:33:00

ጻውዒት ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንምኽባርን ምክልኻልን ናይ ስደተይና ሰብኣዊ መሰልን ክብርን


ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ስደተይናታት ሓልዮ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጆኤ ቫስከዝ እቲ ናይ ሃገሮም መንግስቲ ብዛዕባ ናይ ስደተይናታት ብፍላይ ድማ ናይቲ ኣብ መሬት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ሕጋዊ መንበሪ ፈቓድ ዘይብሉ ስደተይና ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ መቕጽዒ ሕጊ ዓበይቲ ቢሉ ዝዝርዝሮም ገበናት ሓደ ዝፍጽም ዘይሕጋዊ ስደትይና ይባረር ንዝብል ዝነበረ ሕጊ ዝትክእ ብጠቕላላ ናይ መቕጽዒ ሕጊ ዝጠሓሰ ብቐጥታ ናብ ዝመጻሉ ሃገር ክጥረዝ ብዝብል ዓቀጽ ከምዝተከኦን ኣብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መክሲኮን ዘዳብው ከባቢ ድማ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓይሊ ምክልኻል ብብዝሒ ክሰፍር ምስ ተግበረ ዝረአይ ዘሎ ዝጥረት ዝተመልኦ ኣሰራርሓ ሓደጋ ምዃኑ ጠቒሶም ናይ ስደተይና ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ጻዋዒት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

እቲ ናይ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ መንግስቲ ዘውጽኦ ሓድሽ ናይ ስደተይና መቆጻጻሪ ሕጊ ስደተይና ኣባይቲ ስድራን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ናይ ዘይብሎም ስደተይናታት ሕይወት ንዝኸፍኤ ሓደጋ ዘቃልዕን ንገዛእ ርእሱ ናይ ውሽጢ ሃገር ጸጥታን ድሕነትን ዝህውኽ እዩ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ቫስከዝ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጻውዒት መልኽቲ ገሊጾም እቲ ሓድሽ ሕጊ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝህውኽን ኣባይቲ ስድራ ዝፈላልይን ናይቶም ንኡሳት ሕይወት ንሓደጋ ዘቃልዕን ኣብ ማሕበረሰብ ስደተይና ፍርሒ ዘተኣታትውን ሰላምን ቅሳነትን ዝነስእ እዩ ከምዝበሉ ፒሮ ኣፍሊጠን።

ብዘይ ወለዳቶም ዝስደዱ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሐተትን ምክንኻን

ብፁዕ አቡነ ቫስከዝ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጻዕዊት መልእኽቶም፥ እቲ ሓድሽ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ስደተይናታት መቆጻጸሪ ሕጊ ነቶም ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ዝሓቱን ብዘይ ወለዳቶም ንዝስደዱ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ፍሉዩ ቆላሕታ ክግበር ዘየመላኽት ብምዃኑ እዞም ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሎም ዝግብኦም ስደተይናታት ንሓደጋ ተቓሊዖም ከምዝርከቡን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ዝሓቱ ንሃገሮም ምምላስ ሕይወቶም ንዓቢይ ሓደጋ ምቅላዕ ከምዝኸውንን ነቶም ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዘይምሕላይ ድማ ንዝተፈላለየ ኢሰብኣዊ ሓደጋታት ምቅላዕ ከምዝኸውን ገሊጾም ዶባትካ ብሓይሊ ምክልኻል ዘዕለቕልቕ ምስ ዝኸውን ብዙሕ ምስሕሓባት ዝፈጥርን ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ መንነት ወረቐት ዘይብሎም ስደተይናታት ብዙሕ ጸገም ዘኸትል እዩ ከምዝበሉ ኢዛበላ ፒሮ ገሊጸን።

ናይ ስደተይና ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባርን ምክንኻንን

ስለዚህ ይብሉ ብፁዕነቶም እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መንግስቲ ዘውጽኦ ሓድሽ ናይ ስደተይና መቆጻጸሪ ሕጊ እቶም ኣብ ውሽጢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ ስደተይናታት ንዝተፈለየ ሓደጋ የቃልዕ ምህላዉ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገሊጾም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃገሮም ናይ ስደተይናታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብምሕያል እቲ ስደተይና ሕጋዊ ይኹን ዘይሕጋዊ ብዘየገድስ ሰብ ብምዃኑ ኣብ ክንክን ናይ ስደተይና ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ደው ብምባል ሰብ ከም ፍጡር እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጡ ዘለዎ ልዕሉ ሰብኣዊ ክብሪ ብምቅላሕ ስደተይና ኣሕዋትን ኣሓትን ምሉእ ሰብኣዊ ፍጡርነቶም ክኽበርን ንሓደጋ ከይቃልዑን ስሌኦም ከምእትሟገትን ኣብዚ መዳይ ብፍሉይ ከዓዩ ምዃኖም ከምዘረጋገጹ ፒሮ የመልክታ።








All the contents on this site are copyrighted ©.