2017-02-25 16:22:00

ከይዲ መጽናዕታዊ ምርምር ንምእዋጅ ብፅዕና አገልጋሊ እግዚኣብሔር ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 13


ኣብ መንጐ ሕዝቢ ምዃንን ፈታው ተራን ትሑት ሕይወትን ተባሂሎም ዝግለጹ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 13 ብሰበኻ ሮማ ደረጃ ብፅዕና ንኽእወጀሎም ዘብቅዕ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ክካይድ ዝጸንሔ ከይዲ መጽናዕታዊ ምርምር ተጠናቒቑ ንናይ ቅድስና ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ከምእተመሓላለፈ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 13 ብፅዕና ደሓር ድማ ቅድስናን ንኽእወጀሎም መሰረተ ሓሳብ ኣቕራቢ ዶክተር ፓውሎ ቪሎታ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ብመጸውዕ ስሞም ፒየርፍራንቸስኮ ኦርሲኒ ብናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስሞም ድማ በነዲክቶስ መበል 13 ካብ 1600 ክሳብ 1700 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ብሕይወት ዝነበሩ፡ ነቲ ደረት ሰገር መለኰት እናማዕደዉ ኣብ ጭቡጥ ኩነት እግሮም ዘንበሩን ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ፑሊያ ኣብ 1650 ዓ.ም. ካብ ልኡላን ቤተሰብ ዝተወልዱን ኣብ ሮማ 1730 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዱ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንጵጵስና ንዝተፈላለዩ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ሓላፍነት ከየማዕደዉ ኣብ ገዳመ ዶመኒካውያን ክኣትዉ ዝነበሮም ድላይ ምስቲ ናይ ልኡላን ስድራ ቤት ኣባል ምዃኖም ዝገራጨውን ወለዶም እውን ዘይድግፍዎ እውን እንተነበረ ናይቲ ናይ ተመጽወትቲ ማሕበር ተባሂሉ ዝፍለጥ ገዳመ በነዲክታውያን ኣባል ኰይኖም ካብቲ ኣብቲ እዋን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝርአይ ዝነበረ ህርፋን ሽመት ርሒቖም ኣብ መንፈሳዊ ሰቂለ ህልናን ተጋድሎን ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣብ መጽናዕቲ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ተጸሚዶም ገዳማዊ ሕይወቶም ዝነብሩ ምዃኖም ቪሎታ ሓቢሮም።

ከም ገዳማዊ በነዲክታውያን ናይቲ ማሕበር ደቂ ውሽጢ ናይ ፍልስፍና መምህርን ናይቲ ማሕበር ናይ ፍልስፍና መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ኰይኖም ከምዘገልገሉን ፈታው ድኻ ምንባሮም እውን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ከዘመልክቶን ናይ በነቨንቶ ጳጳስ ኰይኖም እውን ምስ ተሾሙ ከም በነዲክታውያን ናይ ምንባር ጸዋዕታዊ ምርጫኦም ከይሰሓቱ ድኽነት መሪጾምን ድኻታት ብምፍቃር ድማ ኣብ መንጐ ሕዝቢ ዝነብሩን ጓሳን ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ እናተባብዑ ኩሉ ዕለታዊ መግቡ ውሑስ ክኸውን የበራትዑን ተመሳሳሊ ደገፍ ድማ ኣብ ሰበኻ ቸዘናን ማንፍረዶኒና ከምዘቕረቡ እውን ኣፍሊጡ፡ ፍልዩ ጳጳስ ተባሂሎም ብሕዝቢ ዝግለጹ ከምዝነበሩ ዝሓበሩ ቪሎታ እውን ኣስዒቦም፥ ከባቢ በነቨንቶ ኣብ 1688 ድሓር እውን ኣብ 1702 ዓ.ም. ብከቢድ ርእደ መሬት ኣብ ዝተጠቕዓሉ እዋን ሕዝቢ ኣብ ምድጋፍ ተጸሚዶም ከምዘገልገሉን ገና ኣብ 22 ዓመት ዕድሜኦም ካርዲናል ተሰምዮምን ድሓር ድማ ኣብ 1674 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ከምእተሓረዩ ገሊጾም።

እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተቐበልዎ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ካብቲ ዝነበሮም ልዑል መንፈሳውነትን ኣገልጋልን ፈታው ድኻን ተግባራት ግብረ ሰናይ ከይኣለዮም ብቓልን ሕይወትን ኣብነት ኰይኖም ዘርአይዎ ኣብነት ዘመናት እውን እንተሓለፈ ንሶም ኣብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓላፍነት ዘተኣታተውዎ መንፍሳውን ሰብኣውን ለውጢ ሎሚ እውን ዝንጸባረቕ ምዃኑ ቪሎታ ገሊጾም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ምስ ሕዝብን ንሕዝብን ዝነበርዎ ምዃኑ ገሊጾም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.