2017-02-23 19:03:00

ወድሰብ ንኣይ ጥራይ ይጥዓመኒ ብዝብል መንፈስ ተታሊሉ ነቲ ብሓደራ ዝተዋህቦ ጽቡቅ ነገራትውን ከይተረፈ ከዕኑ ይርከብ፣


ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! 

ብዙሕ ግዜ ተፈጥሮን ከባቢናን ናይ ግልና ንብረት ገርና ንምውናኑን ከም ድላይና ክንምዝምዞን ብዛዕባ ካልእ ንከይንግደስን ዝደፋፍእ ፈተና የጋጥመና፣ ኮይኑ ግን እዚ ክንበበ ዝሰማዕናዮ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 8.19-27 ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ ኣሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን ኣሎኹ። እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ ኣሎ፡ ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር፡ ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ። ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን፡ ንፈልጥ ኣሎና እሞ፡ ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን፡ ንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቊር ኣሎና። ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን ኣሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘሎና እሞ፡ ነቲ ዚርኤስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን። ነቲ ዘይንርእዮስ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፡ ብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና። መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና። እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።’ ብማለት ምስኡ ርክብ ምእንቲ ክንፈጥርን ነቲ ወደር ኣልቦ መደብ ፍቅሩ ንምፍላጥን ቢሉ እግዚኣብሔር ነቲ  ዘደንቅ ትዕድልቲ ተፈጥሮ  ኣብ ኢድና ሂቡና ኣሎ፣ እዚ ከኣ ኣብ ምሕላውን ምክንኻኑን ዕለት ዕለት  ምሳኡ ክንተሓባበር ዝተጻዋዕና ምዃና የመልክት፣

ወድሰብ ግን ብንኣይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ተታሊሉ ነቲ ብሓደራ ዝተዋህቦ ጽቡቅ ነገራትውን ከይተረፈ ከዕኑ ይርከብ፣ እዚ ከኣ ኣብ ተፈጥሮ ንዕዘቦ ጉዳይ እዩ፣ ጉዳይ ማይሞ ንመልከት፣ ማይ እቲ ዝጸበቅን ኣድላይን እዩ፣ ሕይወት ይህብ ኮይኑ ማዕድናት ክንግሕጥ ክንብል ንብክሎ፣ በዚ ከኣ ተፈጥሮ ይብከል ይዓኑ እውን፣ እዚ ሓደ ኣብነት እዩ፣ ነዚ ዝመስል ብዙሕ ኣብነታት ኣሎ፣ ከም ሳዕቤን ሓጢኣት እቲ ምስ እግዚኣብሔር ዝነበረና ርክብ ተቋሪጹ፣ በዚ ከኣ ነቲ ኣብ መጀመርያ ፍጥረት ኣብ መንጎናን መንጎ እግዚኣብሔር ተፈጥሮን ዝነበረ ውህደትን ሓድነትን ዘሪግና  ንተፈጥሮ በኪልናዮ ባርያ ከምዝኸውንን ኣብ ውድቀትና ከምዝሳተፍን ጌርና፣ ናይዚ ኩሉ ውድቀት ሳዕቤን ከኣ ዕለት ዕለት ንዕዘቦ ኣሎና፣ ወዲሰብ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ርክብን ውህደትን ክበትኽ ከሎ መበቆላዊ ጽባቄኡ ኣጥፊኡ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዝኾነ ነገር የበላሹ፣ ስለዝኾነ ከኣ እቲ ኣብ መጀመርያ ናብ ፈጣሪ ኩሉ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣቦን መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሩን ዘብጽሕ ዝነበረ ዝነበረ ናይ ሰናይ ምዕባለ ባህግን ሃረርታን ንያትን ኣጥፊኡ ናብዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘሕዝን ኩነታት ኣውዲቅና፣ ወዲ ሰብ ንተፈጥሮ ንምምዝማዝ ዘርእዮ ህርፋን ኣዕናዊ ምዃኑ ንዕዘብ፣

ሽሕኳ ኣብ ከምዚ ኩነታት ንረኸብ እምበር ጐይታ ግን በይንና ኣይሓድገናን እዩ፣ ሓዲስ ናይ ሓርነትን ሓባራዊ ድሕነትን ዕድል ይህበና፣ ቅዱስ ጳውሎስ ንእህህታ ተፈጥሮ እናሰማዕና ብተስፋ ንድሕነትናን ሓርነት ተፈጥሮን ክንጽበ ብሓጐስ ይገልጸልና፣ እንተኣስተውዒልና ኩሉ ከባቢና ብእህህታ ተዋሒጡ ኣሎ ንሕናውን ብእህህታ ተዋሒጥና ኣሎና እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ መንፈስ እውን ኣብ ልብና እህህ ይብል ኣሎ፣ ኣጸቢቅና እንተኣስተውዓልና እዚ እህህታ እዚ መኻን ቁዘማ ዘይኮነስ ሓዲስ ናይ ሕይወት መንገዲ ይመጽእ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ፣ ጉዳይና እንተተመልከትናዮ ገና ብሳዕቤን ሓጢኣትና ንልሎ ዘሎና ኰና ኩሉ እቲ ከቢቡና ዘሎ ድኻም ይኹን ጉድልነትን ተዓኒድካ ምትራፍን ሳዕቤን ሓጢኣትና እዩ፣ ማዕረ ማዕረ እዚ ከኣ ከምዝደሓና ንፈልጥ፣ ምስዚኩሉ ብዛዕባ ትንሳኤን ፋሲካን ሓዲስ ፍጥረትን ክነስተንትን ብዓይኒ እምነት እውን ክነስተማቅር ንኽእል፣

ትሕዝቶ ተስፋናኸስ እዚ እዩ፣ ክርስትያን ካብዚ ዓለም ወጻኢ ኣይኮነን ዝነብር፣ ኣብ ሕይወቱ ይኹን ኣብ ከቢብዎ ዘሎ ነገራትን ተፈጥሮን ምልክታት ክፍኣት ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል ሕማቅ መንፈስን ሓጢኣትን ከቢቦሞ ከምዘለው ይፈልጥ፣ ምስ ዝሳቀስ ይኹን ምስ ዝበኪ ምስ ስደተኛስ ይኹን ተስፋ ዝቈረጸ ወዘተ ብሓባር ይነብር ይደናገጽ። ማዕረ ማዕረ እዚ ግን ክርስትያን ዘቦኡ ኩሉ ነዚ ምልክታት እዚ ብዓይኒ እቲ ካብ ሙታት ተፈልዩ ዝተሰንሰኤ ናይ ክርስቶስ ፋሲካ መነጽር የንብቦ፣ ስለዚኸስ ኩልና ኣብ ትጽቢት ኢና ዘሎና ክንዮ እዚ ዘሎና ግዜ ዝኸይድን ናብቲ ፍጽምና ኣምላኽ ዘተኮረ ጠመተ እዩ፣ ብተስፋ ከኣ ጐይታ ብምሕረቱ ንዝቀሰለን ንዝተዋረደን ልቢ ከምዝጽግንን ነቲ ብድርቅናኡን ድፍረቱን ንዘበላሸዎ ባህርዩን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ከምዘዕርዮን በዚ ኣገባብ እዚ ከኣ ብፍቅሩ ምሳኡ ዝዓረቆ ሓዲስ ዓለም ሓዲስ ሰብኣውነትን ክፈጥር እዩ፣

ፍ ኣብ ገዛእ ርእስና ምልስ ምስ ቢልና ምስ እነስተንትን ሓንሳብ ሓንሳብ ናብ ዘይጠቅም ምጉርምራም ንኸይድ ወይውን ኩሉ ጠሪኡና እንታይ ከምንብልን ከምንገብርን ይጠፍኣና እንታይ ከምንትስፎውን ይጠፍኣና፣ ኣብዚ ከምዚ ኩነታት ከሎና መንፈስ ቅዱስ እንደገና ናብ ልብና መጺኡ ነቲ ተስፋና ብሓዲስ ከተንስኦን ኣብ ውሽጥና ኰይኑ ነቲ እህህታ ሕይወት ክዘርእሉን ንትጽቢትና ከምዝኹልዕን ነስተውዕል፣ መንፈስ ቅዱስ ክንዮ ኣሉታ ዝመስል ናይ ዘሎና ግዜ ጸገማት ሰጊሩ ነቲ እግዚኣብሔር ንዘመደ ኣዳም ዘሰናድዎ ዘሎ ሓዲስ ሰማይን ሓዲስ ምድርን  ይገልጸልና፣ ክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.