2017-02-21 16:59:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያን ዝደልዮ እዩ


ቅዱስ ኣቦናር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻ ሮማ ቁምስና ቅዱስቲ ማሪያ ጆሰፋ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ምስ ሕጻናት ተመሃሮ ትምህርተ ክርስቶስ ተራኺቦምን ካብቶም ተመሓሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ታሪኽ ሕይወቶም ዝትንክፍ ኣብ ዝቕረቡሎም ሕቶ ኣመርኵይዞምን ኣብ ታሪኽ ሕይወቶም ተወኪሶም ብዘተ መልክዕ ኣስተምህሮ ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ድላይ እግዚኣብሔር እምበር ርእሰ ሊቕነት ዘውህቦ ሓላፍነት ኣይኰነን

ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ሕጻናት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ እቶም ሕጻናት ብዛዕባ ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ዝምልከት ንዘቕረቡሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ እቲ ዝምረጽ ካብ ኩሎም ብፁዓን ካርዲናላት ንላዕሊ ሊቕ ስለዝዀነን ፈላጥ እውን ስለ ዝዀነ ዘይኰነስ ድላይ እግዚኣብሔር ስለ ዝዀነ እዩ። ጎራሕ ወይ ድማ ኪኢላ እውን ከይከውን ዝከኣል እዩ። ክፍጸሙ ዝግብኦም ነገራት ብቕልጡፍ ከየደናጎየ ዝፍጽም እውን ክኸውን ዝከኣል እዩ። እቲ ዘገድስ ግና እቲ ድላይ ናይ እግዚኣብሔር ኰይኑ ምርኻቡ እዩ፡ ድላይ እግዚኣብሔርን መልሲ እግዚኣብሔርን ነቲ ኣብቲ እዋን ዝቐርብ ሕቶ መልሲ እዩ፡ ዝሓርይ እግዚኣብሔር እዩ። እቲ ጊዜ ዝሓቶ ር.ሊ.ጳ. ባዕሉ እግዚኣብሔር ብጥበቡ ይሓርይ። ብብዙሕ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝስነይ ሕርየት እዩ። ብናይ ብፁዓን ካርዲናላት ድምጺ ኣቢሉ ዝዓዩ መንፈስ ቅዱስ ድላይ እግዚኣብሔር ይኽውን።

ር.ሊ.ጳ. ንምዃን ቅድም ቀዳድም ትጉህ ክርስቲያን ምዃን የድሊ። ር.ሊ.ጳ. ብዕድመ ይደፍእን ካብዚ ዓለም እውን ይሓልፍ ወይ ድማ ከምቲ ዓቢይ በነዲክቶስ መበል 16 ዝገበርዎ  ልሂቅ ብምዃን ይሓልፍ። ብፁዓን ካርዲናላት ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ድማ ሓድሽ ር.ሊ.ጳ. ንኽሓርዩ ቤተ ክርስቲያን ትጽውዖም። ንሳቶም ድማ ይመርጹ፡ ኩሉ መጋበርያ ድላይ እግዚኣብሔር እዩ።

ሓደ ሕጻን ንቅዱስቶም ገና ሕጻን እንከለዉ፡ ምስ ዓቢዩ ክዀንዎ ዝሓስብዎ እንታይ እዩ ኔሩ ቢሉ ንዘቕረበሎም ሕቶ እንክምልሱ። ሕጻን እንከለዅ ዕዳጋ ዝካየድሉ ዝነበረ ቦታ ደስ ይበልንን ምስ ወለደይ ናብ ዕዳጋ ክኸይድ ብዙሕ ደስ ይበሊ ስለ ዝነበረ ኣብ ዕዳጋ ዝሰርሕ ሰብ ንምዃን እመነይ ኔረ ቢሎም ኣተሓሒዞም ድማ ወዲ 20 ዓመት እንክለዉ ብሕማም ለበዳ ሳንቡእ ተጠቒዖምን ኣብ ድነ ሞት ከምዝበጽሑን ብሕክምና ተሓጊዞም ድማ እቲ ልቡድ ክፍሊ ሳምቡኦም ተኣልዩሎም ከምዝሓወዩን ፍቓድ እግዚኣብሔር ድማ ኰይኑ ብሕይወት ኣለኹ ኣብዚ በጺሔ እንክብሉ ገሊጾም። ኣብ ሕይወቶም ሕማቕን ጽቡቕን ኵሉ ከም ኩሉ ሰብ ከምዘጓነፎም ክምዘጓንፎምን እውን ሓቢሮም ጉዕዞ ሕይወት ቀሊል ኣይኰነን። ጸገም የጓንፍ እዩ ኩሉ ዘጓንፍ ጸገም ድማ ብእምነትን ጽንዓትን ኢና እንሰግሮ ከምዝበሉ ዲኒኒ ሓቢረን።

ጁሊያ እትብሃል ሕጻን ድማ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ር.ሊ.ጳ. ብምዃንኩን እንታይ ይስምዓኵም ቢላ ንዘቕረበትሎም ሕቶ እንክምልሱ ብሓቂ ዓቢይ ሓላፍነት ከምዝስምዖም ገሊጾም ስለዚህ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ ዕንቅፋት ከይከውን ክጥንቀቕ ኣለዎ ቢሎም ኣተሓሒዞም ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ኣቡን ካህን ኣቦ ማለት እዩ። ስለዚህ ናይ ኣቦነት መንፈስ ዝስምዖ ክኸውን ኣለዎ። ሓደ ጳጳስ ካህን ኣቦነት ዘይስምዖ እንተድኣ ኰይኑ ዝጎደሎ ነገር ኣሎ ማለት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዲኒኒ ኣስዒበን ቅዱስነቶም ካብቶም ሕጻናት ተሰናቢቶም ብናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካሪታስ ብእተሰምየ ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ሮም ምስ ዝሕገዙ ገለ ገለ ኣባይቲ ስድራ  ኣባላት ቁምስና ተራኺቦም ኣብቲ ሓገዝና ዝሓትት ሰብ ኢየሱስ እዩ ሓግዘኒ ዝብል እሞ ኣብኡ ካልእ ኢየሱስ ርኢና ክንክእል ኣብ ዘብቅዕ እምነት ክንዓይብ ንጸልይ ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፥ ዘድልይ ሓገዝ ዓዲልካ ምኻድ ዘይኰነስ ጽን ምባልን ነቲ ሓገዝ ዝደልይን ዝሓትትን ሰብ ቅርብ ቢልካ ጽን ምባልን ምስማዕ ኣድላዪ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ህልዎት ኢየሱስ ኣሎ ምእንቲ’ዚ ነዚ ኢየሱስ ንኸነለልይ ሓግዘና ንበል። እቲ ሓገዝና ዘድልዮን ሓግዘንን ደግፈንን ዝብል እምነት ዘለዎን ዘይብሉን ቤተ ክርስቲያን ዘይመላለስን ዘይመጽእን ኣባልን ዘይኣባልን ቁምስናን እውን ክኸውን ዝከኣል እዩ። ይዅን ደኣ እምበር ኣብኡ ዘሎ ኢየሱስ እዩ ደግፈንን ሓግዘንን ዝብል። ልብና ኣብ ቁምስናናን ቤትናን ከነጽብቦ ኣይግባእን። ንኹሉ ነቲ በርኣያን ኣምሳልን ቅድስቲ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ምፍቃር ዝኽልእ ልቢ ክኸውንን ዝተፈቐርናን ዘፍቕሩን እዩ መለለይና እንክብሉ ምዕዳኖም ከምዘጠቓለሉ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.