2017-02-18 16:59:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበረ ሰብ ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት


ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ካሊፎርንያ ኣብ እትርከብ ከተማ መደስቶ ካብ ዕለት 16 ለካቲት ክሳብ ዕለት 18 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ናብ ዝተኻየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ማሕበረሰብ ሕዝባውያን ምቅስቃሳት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሪርን ልቢ ዝትንክፍ ዓጽሚ ዝሰብር፥ ከምቶም ነቲ ማሕበራዊ ስቓይን መከራን ኣግባብ ብዝለዎ መልክዕ ዘይግደሱን ነቲ ስቓይን መከራን ርእዮም ከምዘይረኣዩ ዝኾኑ ነቲ ርኡይ ከምዘየሎ ክትሓስቦን ክትኽውሎን ዘይከኣል ከቢድ ዝዀነ ስቓይን መከራን ንምቁጽጻር ዝፈታተኑ ምስሉያት ዘይኰኑ፡ እቶም ከም ሕያዋይ ሳምራዊ ማለት ድማ ንናይ ሰባት ስቓይን መከራን መስረታውያን ሰብኣውያን ድላያት ንምርዋይ ቀረባ ዝዀኑ ቅኑዓት ዝኾኑ ሰባት እያቶም ዓለም ዘድሕኑ። እቶም ምስሉያት ብዙሕ ጊዜ ከም መዛተይቲ ዝሓርዮዎም እቶም ናይቲ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን በሃራት ሰባት ስለ ዝዀኑ እቶም ማሕበራውያን ምንቅስቓሳት በዚ ምኽንያት’ዚ ነቲ ናይቶም ምስሉያት ኣብ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ኣብ ድልያ መኽሰብን ሕርፋን ገንዘብን ዝቖመ ንብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ፍጥረ ሰብ ንዓበይቲ ስቓያት ዝዳርጉ መርአያ ሕግን ስርዓት ኤኮኖምን የቃልዑ።

ወትሩ ሕያዋው ሳምራዊ ምዃን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም እቲ ኣብ ወንጌል ዝተነብረ ታሪኽ ሕያዋይ ጓሳ (ሕያዋይ ሳምራዊ)፡ ኣብ መንጐ እቲ ነቲ በጐሓሉን ፈያታውያንን ዝተዓመጸን ዝተጠቕዔን ሰብ ኣብራኹ ኣጺፉ ንድጋፉን ክንክኑን ዝገዪ መጻእተይናን ረሲእን ዘይንጹሕን ዝበሃልን ክኸውን እንከሎ እቲ ፍንትት ቢሉ ነቲ ዝወደቓ ሰብ ኣቝሳል ሸለል ቢሉ ዝሓልፍ ናይ ቤተ መቕደስ ተሓላቒ ሌዋውን ካህንን ዝነበረ ጨካንን ዘይየናሕስ ነቲ ንዝተግድአ ሰብ ድጋፍካ ኣቕርብ ዝብል ቃል እግዚኣብሔር ሕቝኡ ሂቡ ዝሓልፍን ዘሎ ፍልልይ የብርሁ።

ናይ ዘይምግዳስ ምስሉይነት

እቲ ገንዘብ ጣዖቱ ዝገብር ኤኮኖሚ ዘስዕቦም ኣቝሳልን ልክዕ ካብቲ ኣብቲ ናይ ሕያዋይ ጓሳ ዝተጠቕሰ ፈገር ንላዕሊ ማሕሰይቲ ዘውርድ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ውርዙይ ኣግባብ ዝበሃል ምርኣይካ ብትኽክለይና ኣገባብ እሩም ፖለቲካ መሰረት ወይ ድማ ብፖለቲካዊ ርእየት ነቲ ዝቖሰለ ብዘይ ምቕራብን ምትካፍን ብምስማዐ ርእየት ብመራኸቢ ብዙሃንን እናረኣኻ ምርኣይን ብስምዒት ተደፋፊእካ ምትሕብባርን ምክእኣልን ምስባኽን እንተዘይኰይኑ ብትኽክልን ብጭቡጥን ኣግባብ ብዘለዎ መገዲ ነቲ ማሕበራዊ ቍስሊ መንቀሊዑ ኣለሊኻ መፍትሒ ንኽረክብ ዘይጽዕርን ብዙሓት ኣቝሳል ኣብ ፈቐዶ ጎዳናታት ዝሓድ እዩ።

እዚ ዓይነት ግብረ ገባዊ ምዝምዛ ይውዓል ይሕደር ተቓላዓይ እዩ። ማሕበራውን ሰብኣዊ ኣቝሳል ርኡይን ጭቡጥን እዩ፡ ስእነት ስራሕ ዓመጽን ምግባረ ብልሽውና ብላዕን ቅልውላው መንነትን ባዶነትን ምዕርቃን ስርዓት ዴሞክራስን ቅልውላው ምህዳርን ዝኣመስሉ ከም ኣብነት ጠቒሶም ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ሽግራት’ዚ እቶም ወልደ መሬት (ቀዳሞት ደቂ ሃገር/ደቀባት) ብጉስና ኤኮኖሚ ዝመሓደሩን መንግሥታትን ተፈጥሮን ፍጥረትን ኣብ ዘይጸግዓዊ ዝበሃል ሳይንስ እምነት ብዘይምንባር ክከናኸኑ ምዕዳኖም የቕርቡ።

ይውዓል ይሕደር እቲ ብዚ (ቝስሊ) ክቃላዕ እዩ

ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነት ናይ ዝዀነ ይኹን ኣግባብ እቲ ብዚ (ቝስሊ) ይውዓል ይሕደር ክትኽሕዶ ዘይከኣል ሰለይ እናበለ ድማ ክጨኑው ስለ ዝዀነ  ንዘለዓልም ክትኽውሎ ኣይከኣልን እዩ። ስለዚህ እቲ ነቲ ኩነት ብዚ ዝፈጥር ፍርሕን ዘይውሕስነትን ቁጣዔን ንቑኑዕ ምረት ሕዝብን ዝነቅፍ ነቲ ሓላፍነት ናብ ሓደ ዘይቀረባ እዋን ዘሰጋግር መፍትሒ ዘይኰነ ብዚ ዝፈጥር ኣግባብ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ድማ ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ዓለም ሕዝባዊ  ሕጋዊ መጸዋዕታ ዝበራታዕ ዘሎ። ስለዚህ እዚ ኹሉ ድማ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዓቢ ስግኣት እዩ ዘቕውም፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ንሕዝቢ ቀረባን ዘይቀረባ እናበልካ ንኽትገማምዖ ናብ ዝድርኽ ፈተና እውን ይንውንው ኣሎ።

ናይ ሓልዮት ምርጫ

በንጻሩ ኢየሱስ ካልእ ዓይነት መገዲ እዩ ዘስተምህረና። ነቲ ዝተሸገረን ኣብ ሕማቕ ኩነት ንዘሎን ቀረባ ምዃንን ምስቲ ዝሳቐይ ብልብን ብዅለንተናን ናይ ስቓዩን መከራኡን ተኻፋሊ ምዃን ዝብል ሓልዮ እዩ ዝምህረና። ቤተ ክርስቲያን ድማ ልክዕ ከምቲ ሕያዋይ ጓሳ ነቲ ዝቖሰለን ዝወደቐን ክእለይ ቢሉ ብሓደራ ዘንብረሉ መእንገዲ ቤት እያ ክትኸውን ዘለዋ። ክርስትያንን ኩሉ ፍጥረት ሰብን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ድሮ ነቲ ኣዕናዊ ኣግባብን ጭቡጥ ኩነትን መፍትሒ ንምርካብ እናተባህሉ ክስርሓሉ ዝግብኦ ብዙሕ ክቡር ጊዜ ሓሉፉን ተኸሲሩን እዮ፡ ስለዚህ ስጉምቲ ዝወሰደሉን ዝንበረሉን እዋኑ በጺሑ እዩ፡ ጊዜ ምብኻን ኣየድልን ቢሎም ምእንቲ’ዚ ናይ ኩሉ ንጡፍ ኣስተዋጽኦ ዘጠራንፍ ናይ ኩሉ ተሳታፍነት ዝሓትት ዓይነት ኣገባብ ኣድላዪ እዩ እሞ እዚ ኣብ ምፍጻም ኩሉ ክተግህ ብምትብባዕ። ማንም ሕዝቢ ኣሸባርን ገበነይናን ማንም ሃይማኖት ኣሸባሪ ኣይኰነን። ኣሸባሪ ክርስትያን ድዩ ኣሸባሪ ሃይማኖት ኣይድሁድን ኣሸባሪ ሃይማኖት ምስልምናን ዝበሃል ይልቦን። ግብረ ሽበራ ብፍቕሪ ብምግጣም ስለ ሰላም ሓቢርና ንዕየይ ሓድራ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቶም እንከጠቓልሉ፥ ኢሰብኣውነት ዝገልጹ ዘይተገዳስነትን ምስሉይነትን ዘይምክእኣልን ዝኣመሰሉ ተግባራት እምቢ ኣብ ምባል እዩ እወነተይና ሰብኣውነት ዘሎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.