2017-02-16 17:08:00

ቤት ምኽሪ ተስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት፥ ብጋሴ ናይ ሃገረ ቫቲካን መዋቕር ቤት ፍርዲ ሕዳሴ


እቲ ትሽዓተ ብፁዓን ካርዲናላት ብኣባልነት ዝሓቁፍ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣካያዳ ቅዋማዊ ሕዳሴ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቢሎም ዘቖምዎ ቤት ምኽሪ ዕለት 13 ለካቲት 2017 ዓ.ም. መበል ዓሰርተ ሾሞንተ ናይ ዕዮ ኣኼባኡ ብናይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ሓልዮ ሕዳሴ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባባርቲ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ብሓፈሻኡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓንጸጽዎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ ኣወሃሃዲ ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ኣንድረስ ሮድሪጒዝ ማራዲያጋ፥ ኣብ ዘስሞዎ ዘረባ ኣብቲ ኣኼባ ንዝተረኽቡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብስም ኩሎም ትሽዓተ ብፁዓን ካርዲናላት ዕለት 22 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ልደት ነቶም ናይ ሮማዊት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ዋና ሓለፍቲ ብፁዓን ጳጳሳት ካርዲናላትን ኣባላትን ዘስምዕዎ ዘረባ ናይቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ ፈጻሚ ቤት ምኽሪ ትስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት ዘካይዶ ዕዮ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘረድእ ዝሃብዎ ምዕዳን ብምዝካር ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ እቲ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተግባር ሕቡር ምዃኑን ገሊጾም ኣተሓሒዞም ድማ ምሉእ ስዕበትን ድጋፍን ተኣዝዞን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣንን ንስልጣናዊ ትምህርቶምን ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝሃቦ ሓበሬታ ቅድም ክብል ኣዘካኺርና ከምዝነበርና ዝፍለጥ ኰይኑ፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ካብ ወርሒ መስከረም 2013 ዓ.ም. ዘቖምዎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ምሕደራውን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳትን ቅዱሳት ማሕበራትን ቅዋሜ ሓዳሲ ቤት ምኽሪ ትስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብ ዘካየዶ መበል 18 ኣኼባኡ ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪ ፓሎማ ጋርሲያ ኦቨኸሮ ዕለት 15  ለካቲት 2017 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንዝተርኽቡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዕለታውያን ጋዜጣታትን ናይ ድምጸ ራእይ ማዕከናትን ልኡኻት ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መደብ ሕዳሴ ኣሳላጢ ቤት ምኽሪ ትስዓቱ ብፁዓ ካርዲናላት ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዋም ንምሕዳስ ዘካይድዎ ዘለዎ ዕዮ ይቕጽል ከምዘሎን ኣብቲ መበል 18 ኣኼባ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበርን ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበርን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሕዳሴ ዝምልከት ዝክረ ነገር ከምዝዘተየን። ቀጺሉ እውን ብዛዕባ ኣካይዳ ሕርየት ብፁዓን ጳጳሳት ዝምልከቱ መምርሒታት ዛዕባ ዘድልዮም ዝተኣመተን ሕዳሴ ኣማእኪሉ ከምዝመኸረን ኣብ መወዳእታ እውን ብዛዕባ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓዋርያዊ ከታማይን ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ፍርድን ኣብ ዝምልከቱ ቅዋመኣዊ ሕዳሴ ምይይጥ ከምእተኻየደ ፓሎማ ጋርሲያ ኦቨኼሮ ከምዝገለጻ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተላ ልኡኽቲ ጋዜጥይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ዝምልከትን ናይ ሰብኣዊ ሃብትን መደብ ሕንጸትን ኣብ ዝምልከቱ ነጥብታት ንቤት ምኽሪ ትስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት መብርሂ ከምዝሃቡን ቀጺሎም እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ቤት ጽሕፈት ህየንተ የኔታ ዳሪዮ ቪጋኖ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግባረ ዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃንን ቤት ማሕተምን ቤተ መጻሕፍት ቫቲካን መዋቕራዊ ሕዳሴ ከይዲ ኣሞርኵይዞም መግለጺ ከምዝሃቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ መግለጺ ፓሎማ ጋርሲያ ኦቨኼሮ ጠቒሰን የመልክታ።

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መደብ ሕዳሴ፥ ቤተ ምሕደራ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓ ጳጳሳትን ቅዱሳት ማሕበራትን መዋቕራዊ ሕዳሴ ኣብ ምሕረትን ብሉጽ ብኽርስቶስ ተኣማንነት ኣብ ዝብል ራእይ ዝቖመ ምዃኑ የኔታ ቪጋኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሕዳሴ ትስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ናይ ተጉቺጋልፓ ሊቀ ጳጳስ ናይቲ ቤት ምኽሪ ትስዓቱ ብፁዓ ካርዲናላት ኣወሃሃዲ ብፁዕ ካርዲናል ኣንድረስ ሮድርገዝ ማራዲያጋን፡ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎን ናይ ሳንቲያጎ ዘቺለ ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቺስኮ ኻቪየር ኤራዙሪዝ ኦሳን፡ ናይ ቦምባይ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስን ኣብ ጀርመን ናይ ሞናኮን ፍሪሲንጋን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ናይ ኪኒሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ላውረንት ሞንሰንግዎ ፓሲንያን ናይ ቦስቶን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦመለይን ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳይ ኤኮኖሚ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ከምዝዀኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ልእኽቲ ጂሶቲ የዘኻኽራ።








All the contents on this site are copyrighted ©.