2017-02-11 16:57:00

ኣባ ስፓዳሮ፥ ቅዱስ ኣቦና ዝምዕዱና ኣብ ዓለም ሩህዋትን ነጻን ክንከውን እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ናይቲ ቅድሚ 167 ዓ.ም. ክሕተም ዝጀመረ Civiltà Cattolica-ካቶሊካዊ ስልጣኔ እተሰምየ ብኢየሱሳያን ማሕበር ዝተመስረተን በቲ ማሕበር ዝሕተምን ዝመራሕን ዝመሓደርን ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት መበል 4000 ቁጽሪ ሕትመቱ ምኽንያት ናይቲ መጽሔት ኣሰናዳእንቲ ማሕበረሰብ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ተቐቢሎም ምዃናዊ ሃወጽን ዘይምልኡነትን (ዘይፍጹምነትን) ስእለ ኣእምሮን (ዓይነ ሕልና-ሓሳበ ሰፊሕ) ዝብሉ ሰለስተ ቃላት ዝትንትን ምዕዳን ከምዝለገሱ ነቲ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን አለሳንድሮ ጂሶ ሓቢሮም።

ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ርክብን ምዕዳንን ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣማኪሎም ናይቲ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ከምቲ ልሙድ ዘይኰነስ ከምእንፈልጦ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳያን ብምዃኖም ኩለንተናኦም ዘውሰጥሉ ምዕዳን እዩ ኔሩ። ኣብ መንጐ እቲ ናይ ኢየሱሳውያን መጽሔትን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮን ዘሎ ጥልቂ ምትእስሳር እንታይ ከምዝመስልን መሰረተ ትርጉም እውን ገሊጾምዎ እዮም። እቲ ምትእስሳር ካብ ር.ሊ.ጵጵስና ፒዮስ ታሽዓይ ዝተበገሰ ክኸውን እንከሎ እቲ መጽሔት ኣብ 1850 ዓ.ም. ዝመስረቱዎ ድማ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኩርቺ ክዀኑ እንከለዎ። ኣባ ኩርቺ ወንጌላዊነቶም በቲ መጽሔት ኣቢሎም ዝነበሩ እዮም ስለዚህ እቲ መጽሔት ክትርእን ከተንብብን ክተስተንትን ብሓቂ ኣባ ኩርቺ ዓቢይ ወንጌላዊ ልኡኽን ርህው መንፈስ ዝነበሮምን ኣማቲ መጻእን ምዃኖም ትርዳእ።

ቅዱስነቶም ኣብ ምዕዳኖም ናይ ቤተ ክርስቲያን ትኵርነትን በሊሕነትን ጥልቂ ኣስተውዕሎነትን ዳግማይ ርኽበት ወሳኒ ምዃኑ የነጽሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ጽሑፍ ንምቕራብ ናይ ህልው ህሞት ምቕባልን ናይ እዋናዊ ውስጠዘኣዊን ምድንጋራትን ዘይንጹርነንትን ፈንጺግካ ምእታው ኣገዳሲ ምዃኑ የተሓሳስቡ፡ እዚ ማለት ከኣ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣክንዲ ኣራኻቢ ድልድል ፈላላይ መናድቕ ኣብ ምህናጽ ኣብ ዝርከብ ዓለም እቲ ዓለም ኣብ ቅድሜና ዘደውቶ ዝተሓላለኸን ክትግምቶን ከተኾምስዖ ዘይከኣል ብድሆ ምቕባልን ብዓቢይ ናይ ጽን ምባል ብቕዓት ዝስነይ ዘይድሩቕ ተዓጻጻፊ ውሽጣዊ ነንጻነትን ተዋዛይነንትን ዘጉልሕ ሕሳበት ክህልወና ይግባእ። እዚ ድማ በላሕትን ንቑሓትን ንምኻን መሰረት ክኸውን እንከሎ ኣስተውዓሊ ንዝዀነ ርህወት ድማ መሰረት እዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምዕዳኖም እውን እቲ መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣኔ ካቶሊካዊ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ። እዚ ክበሃል እንከሎ ድማ ካቶሊካውነት ልክዕ ከም ሓደ ፍልስፍና ከምዝዀነ ዘምስል ዓይነት ጠበቓ ካቶሊካዊነት ንምዃን ዘይኰነስ ኩነታትን ኩነትን ፍጻሜታትን ብዓይኒ ክርስቶስ ምስትውዓልን ምርኣይን ማለት እዩ ናይ ጊዜ ምልክታ ምንባብ ማለት እዩ። ቅዱስቶም ፍልይ ብዝበለ መገዲ ድማ ነቲ ዘሎ እዋናዊ መልክኣ ምድራዊ ፖለቲካን (ናይ መሬት ኣቀማምጣ ስነ ፖለቲካ) ብተርእዮ ጽኣት ስደተይናታን ብተርእዮ ናይ እዋንና ማእከላውያን ፖለቲካን ብምስትውዓል ነቶም ዝረአዩን ዝቀላቐሉን ዓበይቲ ብድሆታት ርህው ናይ ምዃን ድላይ ክህልው ግቡእ ምዃኑ የነጽሩ። እዚ ማለት ድማ እቲ መጽሔት ካቶሊካዊ እዩ። ማለት ምስ ኵሉ ሰብኣዊ ነገር ናይ ምውራብ ብቕዓት ዘለዎ ማለት እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ መጽሔት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ናይ ምሕታም ዓቢይ ድላይ ኣሎ። ከምእንፈልጦ ብስፓንይና ኢንግሊዘይናን ኮረያን ፈረንሳይናን ቋንቋታት እውን ዝሕተም ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ጠቒሶምዎ እዮም። ብዛዕባ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ናይ ምሕታን ሓሳብ ከምዝነበረ ዝገልጽ ሰነድ እውን ኣብ ናይቲ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ዝነበሩ ደሓር ብፁዕ ካርዲናል ዝዀነ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ቱቺ ቤተ መዝገብ ተረኺቡ እዩ። ስለዚህ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝሕተም መጽሔት ክኸውንን በዚ መገዲ’ዚ ድማ እቲ መጽሔት ዘራኽብ ድልድል ንምግባር እዩ። ኵሉ ከምዝፈልጦ ኣብቲ መጽሔት በቲ መጽሔት ኣቢልካ ጽሑፍ ንምቕራብ ኢየሱሳዊ ማለት ኣባል ማሕበር ኢየሱሳዊ ምዃን ዝብል ሕጊ ኣሎ ሕጂ እውን ተግባራዊ እዩ። ስለዚህ  ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን በቢ ቋንቋኦም ክዋስኡ ኣገዳሲ እዩ። ካብኡ ሓሊፍካ እውን እቲ ብጣልያንይና ዝወጽእ መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣኔ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ንምትርጓም ዝብል ውጥን እውን ከም ሓሳብ ኣሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.