2017-02-10 17:13:00

ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ተስፋ ዝምህሩና ድኻታትን ኣብ ስቃይ ዝነብሩን እዮም! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ትማሊ ሮቡዕ ዕለት 8.2.2017 ዘስተምሃርዎ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ተስፋ ንዝጀምርዎ መስመር ብምቅጻል ‘ተስፋ ብቀሊሉ ዝጠፍኦ ሰብ ናብ ተስፋ ቊርጸት ይወድቅ እሞ ሕማቅ ነገራት ይገብር፣ ካብቶም ሕሰም ናብራ ከቢድዎም ኣብ ድኽነትን ተገሊሎምን ዝነብሩ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ብፍቅሪ እንተቀሪብናዮም ተስፋ ክምህሩና ይኽእሉ` እንክብሉ ተስፋ ክርስትያን ኣብቶም ክህልዎም ኢልና ዘይንግምቶም ከምዝርከብን ካብኦም ክንመሃርን ኣዘኻኺሮም፣

መንቀሊ ትምህርቶም ክኸውን ዝመርጽዎ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ካብ 1ተሰ 5.14-8 ዝተወስደ ኮይኑ ‘ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዚመላለሱ ግንሕዎም፡ ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ኣፋጥንዎም፡ ነቶም ድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅላቶም ተዓገስዎም ኢልና ንምዕደኩም አሎና። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኽፉእ ከይፈድዮ፡ ተጠንቀቑ። ግናኸ ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ። ኵሉ ሳዕ ተሐጐሱ። ከየባተኽኩም ጸልዩ። እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ ኢየሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ። መንፈስ ኣይተጥፍኡ። ትንቢት ኣይትንዓቑ። ንዅሉ ተዓዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ። ካብ ክፉእ ዘበለ ዅሉ ርሐቑ።’ ዝብል ነበረ።

ኣብ ዝሓለፈ ሮቡዕ እውን ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ተመርኲሶም ‘ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ተሰሪትና ወትሩ ምስ ጐይታ ክንህሉ ምዃና ኣሚና ንጽናዕ’ ቢሎም ነበሩ፣ ኣብ ናይ ሎሚ ንባብ ከኣ ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ንግለሰባት ዝበሎ ናብ ደረጃ ማሕበርን ቤተክርስትያንን ክብ ብምባል ኩልና ሓባራዊ ተስፋ ክህልወና ይምሕጸን፣

ንሕና ኩልና ሓባራዊ ተስፋ ከምዘሎና ብምርግጋጽ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ሓደ ምእንቲ ካልእ ክጽልን ክድግፍን ነንሕድሕዶም ክተሓጋገዙን ብተስፋ ክጐዓዙን ይምሕጸን፣ ነዚ ግን ብቀንዲ በቶም ሓላፍነትን ጒስነትን ዝተዋህቦም ይጅምሮ ምኽንያቱ ንተስፋ ከደንፍዕዋ ዘለዎም ስለዝኾኑ፣ እዚ ግን ብሓይሎምን ብክእለቶምን ዘይኮነ በቲ ዝተዋህቦም መልዕልተ ባህርያዊ ጸጋ እዩ፣ ነዚ እንክገብሩ ከኣ ካብ ካልኦት በሊጾም ክረክቡ ኣለዎም ከመይ ካልኦት በዚ እዮም ዘኽብርዎም።

ካብዚ ብምቅጻል ቅዱስነቶም ዝገልጽዎ እዚ ሓባራዊ ተስፋ እዚ መዕለቢ መንበሪ ከምዘድልዮን እዚኣ ከኣ ቤተ ክርስትያን ከምዝኾነትን እዛ ኣካል ክርስቶስ ዝኾነትን ናይ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን መሕደር ዝኾነትን ነዚ ተስፋ እዚ ሕያው ብምግባር ካብ ዘመን ናብ ዘመን ተሰጋግሮ ኣላ፣ ቀንዲ ናይ ተስፋ ክርስትያን ፈለጥትን ምንጭን ከኣ ናኣሽቱን ድኻታትን ገርሀይኛታትን ኮይኖም ምናዳ ከኣ እቶም ምንም ግምት ከይሃብና እንገልሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዮም፣ ከመይ እቶም ተስፋኦም ኣብ ጣዕሚ ናብራን ምቾትን ሃብትን ዝገብሩ ንተስፋ ኣይፈልጥዋን፣ ውዒሉ ሓዲሩ ስለዝበርስ፣ እቲ ሓቀኛ ተስፋ ክርስትያን ኣብቶም ዕለት ዕለት ኣብ ብርቱዕ ፈተነን ጸገምን ዝርከቡ ኮይኑ ግን ተስፋኦም ኣብ ፈጣሪ ዝገብሩ እያ ትርከብ፣ እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን እዚኦም ንኩሉ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ስለዘወፍዩን ኣባኡ ስለዝውከሉን እታ ዝሓየለትን ካብ ኩሉ ናይ ዝበለጸትን ተስፋ ክርስትያን ምስክርነት ይህቡ፣ ክንዮ ዘለውዎ ናብራን ተጽዕኖ ናይ ድኽነትን ምረትን ወላውን ኣብታ ዘይትተርፍ ሞት ናይ መጨረሽታ ቃሎም እታ ናይ ምሕረት ኣምላኽ እትገልጽ ሕይወትን ሰላምን እተመንጩ ቃል ኣምላኽ እያ፣ ተስፋ ዝገብር ኩሉኸስ ነታ ‘ነዓ ነዓ ናባይ ንዒ ንዒ ናባይ ኣብ ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ጐይታ እቶ-ተዊ’ ዝብል እዩ ክኸውን። ቤተክርስትያን ከኣ ወትሩ ምስቶም ትሑታትን ድኻታትን ጽጉማትን ብምቋምን ኣብ ጉድኖም ብምዃንን ከተጸናንዖምን ከተተባብዖምን ነታ ዘላቶም ተስፋ ከተዕብየሎምን ክትርከብ ኣለዋ፣ እንክብሉ ተልእኮ ቤተ ክርስትያን ምስ ገለጹ ተስፋ ቊርጸት ንዘስዕቦ ኩነታት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

‘ዕለት ዕለት ኣብ እንሰምዖ ዜናታት ብዙሓት ሰባት ኣብ ተስፋ ቊርጸት ከምዝበጽሑን ሕማቅ ነገራት ከምዝገብሩን ንሰምዕ፣ ርግጽ እዩ ተስፋ ቊርጸት ሕማቅ ነገራት ኣብ ምግባር ይደፋፍእ፣ እዚ ከኣ ነቶም ብሕመቅ ይኹን ዝተሸነፉ እንክመስሎም ሽንፈቶም ንዘይምቅባል ብዘርእይዎ ሕመቅን ንዝገበርዎ ጌጋ ንምእራም   ዓቅሚ ብምስኣን ተጽዕኖ ይፈጥረሎም እሞ ናይ ተስፋ ቊርጸት ምድፍፋእ የጥቅዖም፣ ነዚኦም ከምዝኦም ዚኣመሰሉ ንምሕጋዝ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብቲ ከም መእተዊ ዘንበብናዮ ሓደራ ዝብለና፣ ነንሕድሕድና ብመንፈሳውን ስጋውን ነገራት ክንደጋገፍ ኣሎና፣ ተስፋ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ከምዝሕይል ተረዲእና ከኣ ንመንፈስ ቅዱስ ከብርሃልናን ክሕግዘናን ንለምኖ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.