2017-02-04 19:16:00

፫ ሰንበት ዘአስተርእዮ ጥሪ 28 2009 ዓ.ም. (2/05/2017)


ንባባት፡    ፩ቆሮ 1:10-13፥ ይሁ 1፡14-ፍ፥ ግ.ሓ. 13፡44-14: 4፥ ማቴ. 4፡12-23።    ስብከት፡ “ትሴብሖ ኢየሩሳሌም ለእግዚአብሔር፥ ወሰብሕዮ ለአምላክኪ ጽዮን፥ እስመ አጽንዓ መናግስተ ኆኀትኪ።” “ኦ ኢየሩሳሌም ንእግዚአብሔር አመስግንዮ፥ ኦ ጽዮን ንአምላኽኪ ወድስዮ፥ ከመይ ንሱ ንመሃርሃር መዓጹኺ ዜጽንዕ፥ ንህዝብኺ ዚባርኾም እዩ”(መዝ.147፡12)።

አብ ሓደ ዝንገር ታሪኽ ሓንቲ ጎርዞ ጓል ብብርቱዕ ቍሪ እናአንቀጥቀጠት ብጎደና ክትከይድ እንከላ ጽቡቕ ድሙቅ መብራህቲ ቤተ ክርስትያንን ጥዑም ድምጺ መዝሙርን ሰሚዓ አላገሰት እሞ ቅዳሴን መዛሙርን እናሰምዐት በቲ ጽቡቕ ሙቐት ደስ ኢልዋ እና አስተንተነት እንከላ ካህን አብ ስብከቶም አነ ብርሃን ዓለም እየ ዝብል መሰረት ገሮም ክሰብኩ ሰምዐት። ቅዳሴ ምስ ተወድአ በቲ አርእስቲ እናተደነቐት አብቶም ዝሰበኹ ካህን ቅርብ ኢላ አብ ስብከትኩም አነ ብርሃን ዓለም እየ ዲኹም ዝበልኩም እናበለት ሓቲታቶም። እቶም ካህን ከምኡ አይ ኮንኩን ዝበልኩ ጓለይ ክርስቶስ እዩ ብርሃን ዓለም አነ ካብቲ መብርሃትታት ሓደ እየ እናበሉ መለሱላ። እዛ ጽግምቲ ጎርዞ ጓል ግን አብኦም አተኲራ እናጠመተት ከምዚ በለቶም እሞ አባቴ መብራህቲ እንተ ኾንኩም ድአ አብቲ መሽጎራጉር ጸልማት ዝኾነ ቦታና/ዓድና ዘይትመጽኡ እሞ ዘይተብርሁልና ኢላቶም ይብሃል።

ክርስትያን ከምቲ እቶም ካህን ዝበልዎ መብራህቲ ኮና አብ ዝተፈላለየ ጸልማት ንዝነብሩ ክነብርህ እዩ ጸዋዕታና። ክርስቶስ ብርሃንኩም አብ ኩሉ ይብራህ እናበለ ንነፍስወከፍና አብዚ እንነብሮ ዓለም ብርሃን ኮና ሓቂ ፍትሒ ሰላም ክነንግስ ሕሩያት ገሩና።

ካብ ማቴዎስ ወንጌላዊ ዝሰማዕናዮ ምስቲ ቅድሚ 800 ዓመት ብኢሳያስ ነብዩ ዝተባህለ አሰማሚዑ ይዛረበና (ኢሳ 8፡23-9፡3)። ማቴዎስ ነዚ ብቐጥታ ይጠቕሶ እዚ ኸአ እቲ መሲሓዊ ትጽቢት ብዓወት አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተፈጸም ንኽገልጽ ዝገብሮ እዩ። ንሱ እቲ ብኢሳያስ ነብይ ዝተባህለ ኩሉ አብኡ ዝተፈጸመ እዩ፥ ቤተ ክርስትያን ነዚ ናይ ኢሳያስ ትንቢት ከም መቀራረቢ ስብከት ኢየሱስ ጌራ ተቕርበልና።

ክልተ ቃላት አብ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ተደጋጊመን ንረኽበን ንሳተን ከአ ብርሃንን ሓድነትን። አብ ትንቢት ኢሳያስ አቐዲሙ ቀጺሉ አብ ወንጌል ማቴዎስ ብአምሳል ብዛዕባ መብራህቲ፥ አብ ጸልማት ከም ዝበርህ፥ ተስፋ ከም ዝህብ፥ ነጻነትን ሓጎስን ከም ዘውርድ፥ ካብ ተጽዕኖ ነጻ ከም ዝገብር፥ ወይ ካብ ማእሰርቲ ነጻ ከም ዝገብር ይነግር። እግዚአብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ንጸልማት ካብ ዓለም ዝቕንጥጥ ንኹሎም ደቂ ሰብ ከድሕን ድላዩ እዩ። ኢየሱስ ብርሃን አብ ዓለም ዘንጸባርቕ ኮይኑ ዝሕድስ ተስፋ፥ ሓጎስ፥ ሕድገትን ሰላምን የምጽአላ። አብ ቀዳመይቲ ንባብ ካብ ፩ቆሮ ቅ. ጳውሎስ ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ኴንኩምውን ክትሠምሩ እምበር ምፍልላይ ከይህልወኩም አማጽነኩም አሎኹ እናበለ አብ መንግኦም ንዘሎ ዘይምርድዳእ ክአልይዎ እናተማሕጸነ ሓድነትን አብ ነነድሕዶም ከምኡ ተገዳስነት ብቀዳምነት ክሰርዑ ይነግሮም።

አብ ኢሳ 8፡23-9:3 ከምኡ ማቴዎስ ወንጌላዊ ጠቒስዎ ዘሎ መሲሓዊ ዝኾነ ትንቢት ይነግረና እዚ ኸአ ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን መገዲ ባሕሪ ማዕዶ ዮርዳኖስ አሕዛብ ዝነብሩሉ ገሊላ አብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረአየ ነቶም አብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረአየ ይብለና። ዛብሎንን ንፍታሊን ክልተ ካብቶም ቀንዲ 12 ነገደ እስራኤል ብእያሱ ክቕመጥወን ዝወሰኔነን አብ ሰሜናዊ ክፍሊ እቲ ሃገር ዝርከባ እየን። ዛብሎን ሰሜናዊ ምዕራብ ገሊላ ንፍታሌም ከአ ሰሜናዊ ምስራቕ። አብ 800 ዓ.ም. መጀመርያ አብ ትሕቲ ቍጽጽር አሲርያን መግዛእት ዝወደቓ ተቐማጥኦን ንስደት ተወሲዶም ካብቶም ዝጠፍኡ ዓለታት እስራኤል እዮም። ንቡዙሕ ዓመታት እዚ ቦታ አረመናዊ ገሊላ ብዝብል ይጽዋዕ ነሩ። ብዙሓት ካብ ነብያት ቦታ ሞት ይብልዎ ነሮም። ኢሳያስ ግን ብአንጻሩ ራእይ ተስፋ ዘልኦ ገሩ የቕርቦ እዚ ኸአ ብመንጽር እቲ አምላኽ ክገብሮ ዘለዎ ብምርአይ እዩ። አብ ትንቢቱ እቲ ሕማቕ መሬት ክቕየር እዩ፥ ብርሃንን ሰላምን ክመጽኦ እዩ ይብል። እዚ ትንቢት ነቲ ልዕሊ ኩሉን ቀንዲ አርአያ ኩሉ ዝኾነ ንጉሥ አብ ኵሉ ዘምጽኦ ሓጎስ እዩ ዘመልክት።

ማቴዎስ ወንጌላዊ ነዚ ክትርጉም እንከሎ እቲ መስሕ ካብኡ ክመጽእ እዩ። ኢየሱስ ናይ እቲ ትንቢት ምልአት እዩ። እዚ እተን ቀዳሞት ግዝአታት አብ ትሕቲ አሲርያውያን ዝወደቓ መጀመርያ ምሉእ ብርሃን ተልእኮ ክርስቶስ ክርእያ እየን ዝብል ፍሉይ ነገር አልኦ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ምጅማር ተልእኮ ኢየሱስ ይነግረና። ማቴዎስ ዮሓንስ መጥምቕ ብሄሮዱስ አንጢጳስ ምስ ተአስረ ተልእኮኡ አብቂዑ ድሕሪኡ ድምጹ እውን አይተሰምዐን። ኢየሱስ ከምቲ ብነብያት ተባሂሉ ዝነበረ ንዓደብኡ ሓዲጉ ናብ ገሊላ አብ ቅፍርናሆም አልጊሱ ስብከቱ ጀሚሩ። ወላ እኳ ዝርዝር ሓበረታ ብዛዕባ ማእሰርቲ ዮሓንስ መጥምቕ አይውሃበና ኢየሱስ ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ተልእኮ አብ ፍጻሜ ከብጽሕ እዩ መጺኡ እዚ ኸአ ተልእኮኡ አብ መንግስቲ አምላኽ እዩ።

ሀ. አብ ጸልማት ዚነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረአየ።

ቅ. ማቴዎስ ኢየሱስ ንናዝሬት ኃዲጉ አብ ምድሪ ዛብሎንን ንፍታሌምን አብ ጥቓ ባሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም መጺኡ ከም ዝተቐመጠ ይነግረና። እዚ ዘዘኻኽሮ እቲ ብኢሳያስ ነብይ ተባሂሉ ዝነበረ ትንቢት አብ ኢየሱስ ከም ዝተፈጸመ ንምሕባር እዩ።

እዚ ኸአ ኢየሱስ ናይ እቶም አብ ጸልማት ዝነብሩ ዝነበሩ ብርሃኖም ከም ዝኾነ እዩ። አብ ትንቢት ኢሳያስን አብ ወንጌል ማቴዎስን እንረኽቦ ጽሑፍ ነቲ አብ ስርዓተ ሉጡርግያና አብ ጊዜ ልደት እነንብቦ ንባባትን እንፍጽሞ ስርዓተ ዋዜማን ጸሎታትን ጸልይዎ ንረኽቦ። ብርሃን መጽአ ውስተ ዓለም እናበልና ንጽሊ።

ቅፍርናሆም ኢየሱስ አብአ ስብከቱ ክጅምር እትስሕብ ዓዲ አይነበረትን ምኽንያቱ ገጠርን ብዙሕ ዘይማዕበለት እያ ነራ። ኩሉ ጊዜ ዕግርግር ዝበዝሓ ወላ አይሁድ እውን ሕጎም ብምሕላው ዘይፍለጡላ እያ ነራ። እዚ ኹሉ ከሎ ግን እቲ ብርሃን ዓለም አብ ገሊላ አብዛ ንእሽቶይ ከተማ ኢየሱስ እቲ መስሕ አገልግሎቱ ጀሚሩ።

ለ. መንግሥተ ሰማይ ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑ።

እዚ እዩ እቲ ቀንዲ አርእስቲ ስብከቱ አብ ጊዜ ምጅማር ተልእኮኡ። ከም ቅ. ዮሓንስ መጥምቕ ተነስሑ ዝብል ቃል እዩ አብ መጀመርያ ዘተምብሆ እዚ ኸአ ከም ቀጻልነት ተልእኮም ዝሕብር እዩ። ዮሓንስ ንምጽአት መስሕ እናተነስሑ ክቀራረቡ ክነግር እንከሎ ኢየሱስ ግን መንሥተ ሰማይ ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑ ይብሎም። ንስሓ መልሲ ነፍሲ ወከፍና ንመጸዋዕታ ኢየሱስ እዩ። ብዙሕ ጊዜ ተነሳሕ ዝብል አብ ዝሓለፈ ጊዜ ንዝገበርካዮ ጌጋ ምጥዓስ ወይ እቕረታ ምሕታት እዩ ዘስምዕ። ኢየሱስ ዝሓቶ ግን ልዕሊዑ ዝኸይድ እዩ። እቲ መጸዋዕታ አብ ዝሓለፈ ኃጢአት ምጥዓስን ንኸይትደግሞ ቃል ምእታውን አይኮነን። መገድኻ ካብ ሕጂን ንድሕሪ ሕጅን ክትቅይር ዝጽውዕ እዩ። ነዚ ዝሰማማዕ ቃል ግሪኽ metanoia ዝብል እዩ፥ ትርጉሙ ኸአ ቅጽበታዊ ለውጢ አብ አተሓሳስባ ናይ ሓደ ሰብ፥ ንሕይወት ጨሪሽካ ብኻልእ መገዲ ርኢኻ ምኽአል እዩ። ነዚ ዓይነት ሕይወት ክንክተል እንከሎና ጥራሕ እዩ አባላት ናይ እዚ መንግሥቲ እንኸውን ሽዑ አብ ሕይወትና ብመንፈስ አምላኽ ተማሪኽና ውጽኢት ዘለዎ ሕይወት እንነብር። ንነገራት ከምቲ አምላኽ ዝርእዮም ገርና ክንርኢ ንጅምር እሞ ብመጠኑ ጠባያትና ክልወጥ ይጅምር።

መንግሥተ ሰማይ ዝብል ዘደናግር ቃል ክኸውን ይኽእል እዩ። ንብዙሓት መንግስተ ሰማይ አብ ላዕሊ ዝርከብ ድሕሪ ሞት ጽቡቅ እንተ ገበርና እንኸዶ እዩ። ከምኡ መንግሥቲ ክንብል ከሎና አብዚ ዓለም ብሓደ ንጉሥ ዝግዛእ ከስምዕ ይኽእል። ብሓቂ ክንርእዮ እንከሎና አብቲ ስልጣን ንሓደ ክገዝእ ዝዋሃቦ እዩ ዘስምዕ። አብቲ መንግስት ምህላው ክብል እንከሎ አብ ሓደ ውሱን ቦታ አይ ኮነን ዘስምዕ ወላ እውን አብዚ ሕይወት ወይ አብ ዝመጽእ ይኹን። አብ ዝሃለ ሃልዩ እቲ ሓደ ዝነብሮ ሕይወት አብ ትሕቲ ፈቃር ንጉሥን አባታዊ ስልጣን አምላኽን ምንባር እዩ። አብ ፍቕሪ መሰረት ገርካ እትፈጥሮ ርክብ ምስ አምላኽን ጎይታን እዩ፥ ከምኡ አብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ሓቂ፥ ፍቕሪ፥ ርሕራሐ፥ ፍትሒ፥ ነጻነትን ሰላምን ብግብሪ ክትነብሮን እንከሎኻ ዝርአየሉ ኩነት እዩ።

ሐ. አነ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ ንዑ ስዓቡኒ።

ኢየሱስ ተልእኮኡ ምስ ጀመረ ሓደ ካብቲ ብቀዳምነት ዝገበሮ ምስኡ ኾይኖም አብ ተልእኮኡን ስርሑን ዝሳተፉ ሓዋርያት/አርድእት ምሕራይ እዩ። ንሶም ፈሪሳውያን ወይ ጸሓፍቲ ወይ እውን ምሁራት ሰባት ወይ እውን ዓቢ ተራ አብ ሕብረተሰብ ዘልኦም አይኮኑን እንታይ ድአ ገፈፍቲ ዓሣ ምናልባት እውን ዘይተማህሩ እዮም። አብዚ እንርእዮ እቲ መጸዋዕታ አብ ስራሕ እንከለዉን ብኢየሱስ ምጅማሩን ፍሉይ ትርጉም አልኦ። ኢየሱስ ብርግጽ አብ ስራሕ እንከለዉ ይዕዘቦም ነሩ እዩ። አብ ምስባኽ መንግስቲ አምላኽ ሓገዝቲ ከምዘድልይዎ ይፈልጥ ነሩ እዩ ስለዚ ነዞም ዓይኑ ዘንበረሎም ሓርዩ።

ወንጌላውያን ሉቃስን ዮሓንስ ሓዋርያት ቅድሚ ንኢየሱስ ምኽታሎም ብዛዕባ ኢየሱስ ብዝያዳ ክፈልጡን ክርድኡን ጊዜ ከምዘድለዮም ክገልጹ እንከለዉ አብ ማቴዎስ ግን ከምኡ አይ ኮነን። ኢየሱስ በብክልተ ብሓንሳብ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሣ ብቐጥታ ክስዕብዎ ጸዊዕዎም፥ ስምዖን (ድሓር ጴጥሮስ) ምስ እንድርያስ ሓዉ፥ ያዕቆብን ምስ ዮሓንስ ሓዉ ብሓንሳብ እንከለዉ ክስዕብዎ ጸውዖም። ብዘይካ ንዑ ስዓቡኒ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ ዝብል እንተ ዘይኮይኑ ንእኡ ምስዓብ እንታይ ምዃኑ ዝገልጽ፥ አበይ ከም ዝኸዱን እንታይ ከም ዝገብሩን ወላ ሓንቲ አይነገሮምን። ማቴዎስ ብዛዕባ እዚ ነገራት አይግደስን እዩ። ንማቴዎስ ዝግድሶ ኢየሱስ ተልእኮኡ ክጅምር ከም ዝኾነ እሞ አብ ተልእኮኡ ሓገዝቲ ከም ዘድልይዎ እሞ ንሱ እቲ ዝዓበየ መብራህቲ ንህዝቢ ዘብርህ ከም ዝኾነ ምግባር እዩ። 

እዞም አርባዕተ ቀዳሞት አርድእት ንመጸዋዕታ ኢየሱስ ከመይ ገሮም መሊሶሞ። ብቃላት ማቴዎስ ብኡብኡ መርበቦም ኃዲጎም ሰዓብዎ ይብለና። ወላ እኳ ብዛዕባ ኢየሱስ አቕዲሞም ዝፈልጥዎ አይንበሮም አብኡ ምሉእ እምነት ገሮም ንኹሉ ንድሕሪት ሓዲጎም መርበቦም ስድርኦምን ወለዶምን አበይ ከምዝኸዱ ከይፈለጡ ስዒቦሞ። ኢየሱስ ንርእሱ ካብ ናዝሬት ስድርኡን ዓዱን ምእንቲ ተልእኮኡ ክፍጽም ክሓድግ እንከሎ ፈጺምዎ እዩ። ካብ ሕጂ ንድሓር ሕይወቶም እንታይ ከም ዝረኽቡን ዝዕቅቡን ዘይኮነ ነሕዋቶም ከገልግሉ ብፍላይ ነቶም ጽጉማት እዩ።

መጸዋዕታ ንኢየሱስ ምኽታል ዝፈጥሮ ርክብ አብ መንጎ እቶም አርድእቲ ሕጂ ዘለውዎን አብ መጻኢ ዝኾንዎን እዩ። ኢየሱስ ገፈፍቲ ሰብ ከምዝኾኑ ይነግሮም። እቲ መዓልታዊ አብ ጸልማት ዝገብርዎ ዝነበሩ ምግፋፍ ዓሣ ዓሚቕ ትርጉም ወሲዱ ንሰብኡትን አንስትን ካብ ጸልማት ኃጢአት ምውጻእ እዩ። ዓላምኡ ነቶም ንምጽአት መንግስተ ሰማይ ዝጽበዩ ዝነበሩ አብ ሓደ ምጥርናፍ እዩ። እዞም ሕሩያት ሰባት አብቲ ኢየሱስ ወፊርዎ ዘሎ አገልግሎት ይጽመዱ ንሱ ኸአ አብ ምምሃር ምስባኽን ምሕዋይን ነቶም አብ መንግስቲ አምላኽ አብ ምንዳይ ንዘለዉ ይሕግዝ። ንግዚኡ ኢየሱስ ብርሃን ናይ እቶም አብ ጸልማት ዝነብሩ ዝሕጎሱሉ እዩ ግን ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቶም አርድእቱ ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም ክብሎም እዩ፥ እዚ ኸአ እዩ ምኽንያት ዝሓረዮም።

አብ ቀዳመይቲ ንባባ ናብ ፩ቆሮ. ቅ. ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ አብ መንግኦም ንዘሎ ፍልልይ ክአልዩ፥ ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ክኾኑ ይነግሮም። አብ መንግኦም አነ ናይ ጳውሎስ አነባ ናይ አጵሎስ አነባ ናይ ከፋ እናበሉ አብ ክንዲ መልእኽቲ ወንጌል ዝወስዱ ይመቓቐሉ ነሮም። አብዚ ጊዜ አብ ቆሮንጦስ አርባዕተ ዝተፈላለያ አብያተ ክርስትያን ነረን አብ መንግአን ውድድር ስለ ዝነበረ ጳውሎስ አብ መንግኦም ዝፍጠር ምምቕቓል ወይ ናይ እምነት ፍልልይ ከይፍጠር አጥቢቝ የጠንቅቖም። ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ጥራሕ ክትህሉ ኡግባእ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ ሓደ አካል፥ ዝሓመመ፥ ዝሞተን ምእንቲ ኩሉ ዝተንሥአ እቲ ብስሙ ኩሎም ዝተጠምቁ ክመቓቐል አይ ክእልን እዩ።

መደምደምታ፡

ንኢየሱስ ክንክተል ዝተጸዋዕና ኢና። ኩነታትና ብዘየገድስ ወይ እውን ንንመነባብሮ እንታይ ከም እንገብር ብዘየገድስ መልእኽቲ ወንጌል አብ ኩሉ ክነበጽሕ ዝክአለና ክንገብር ብፍላይ አብቶም ምሳና አብ ጥቓና ምሳና ዝሰርሑ መዓልቲ መዓልቲ እንረኽቦም ግዱዳት ኢና። ስለዚ ነፍሲ ወከፍና አብ ምዝርጋሕ ቃል ወንጌል እነበርክቶ ግደ አሎና።

አብ ጥምቀትና ብርሃን ክርስቶስ ተቐቢልና ሽዑ ንሓዋርያነት ተጸዊዕና። በዚ ኸአ ንብርሃን ክርስቶስ አባና ከንጸባርቕ እሞ ካልኦት ከም ዝርእዩ ክንገብር መብጽዓ አቲና። ነዚ ክንገብር ግን መጀመርያ ነቲ አባና ዘሎ ጸልማት፥ ንአይ ይጥዓመኒ፥ ድኽመታት፥ ዝተጎዳእናዮን አብ ስሳዕን አብ ስልጣንን ዘሎና ህርፋን ክንአሊ ይግብአና። እዚ እናገበርና እንከሎና ነቲ ብርሃን አብ ካልኦት ከምዝመጽእ ክንገብሮ ኢና። ኢየሱስ ከም ዓቢ መብራህቲ ኮይኑ አባና እንተ መጸ ንሕና እውን ንአሽቱ መብራህቲ ንኻልኦት ክንከውን ኢና። አብ ዓለም ዘሎ ጸልማት ከአ ብቐጻሊ ክንቅንጥጥ ኢና። ብኸምዚ ሕይወትና እንተ መራሕና ኢና ተኸተልቲ ክርስቶስ ክንብሃል እንኽእል።

አብ ግብሪ ከም እንዕዘቦ መብራህትና ብሰንኪ ምምቕቓል፥ ወገነይ ወገንካ ወይ አብ ውሽጥና ባእስን ዕግርግርን ጽልእን ክነእቱ እንከሎና እቲ ብርሃን ክነምጽእ ዝበልናዮ ወይ ብርሃን ክንከውን ዝበልናዮ ይመቓቐልን ይብተንን። ስለዚ ሓደ ልቢ ሓደ ዓላማን ኮና ሓድነትን ሰላምን አብ መንጎና ነማዕብል። ነቲ ኢየሱስ ዝሃበና ዕድመ ተቐቢልና በቲ እንነብሮ ሕይወት ንኻልኦት ንስበኮም። እግዚአብሔር ብርሃነይን መድኃኔይን እዩ፥ ሎሚ እውን ናተይን ናትኩምን ክኸውን ይደሊ እዩ፥ እዚ እዩ እቲ ሰናይ ዘና ሎሚ በዚ ብሩኽ ሰንበት እንሰምዖ።

እሞ ብርሃን ክርስቶስ ተቐቢልና ንኻልኦት ብርሃን እንኾነሉ ጸጋን ክእለትን ይዓድለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.