2017-02-02 16:59:00

ንቐታሊኦም ኣቐዲሞም ምሕረት ዝሃቡ ካህን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ


ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ጆርጂያ ዕለት 20 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ብኢድ ሓደ ካብቶም ባዕሎም ዝኣልይዎም ናይ ኣእምሮ ጸገም ብዘለዎ ዝተቐትሉ ኣባ ረነ ዋይነ ሮበርት ኣብ 1995 ዓ.ም. ብኢድ ሰብ እንተድኣ ተቐቲለ ሓደራ ቀታልየን ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ መሰረት ንሞት ከይፍረድን ኣነ ድማ ድሮ ምሕረት አገብረሉን ይቕረ እውን ይብሎን ዝብል ጽሒፎምዎ ዝነበረ ቃል ከምእተረኽበ ኣብ ጆርጂያ ናይ ሳይንት ኣጉስቲነ ሰበኻ ብፁዓን ጳጳሳት ብወግዒ ብምቕራብ ናይ ነፍሰ ሄር ኣባ ሮነ ዋይነ ሮበርት ቃል ኑዛዜ ክኽበር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሲሚሊያኖ መኒከቲ ገሊጾም።

ናይቲ ሰበኻ ሳይንት ኣጎስቲነ ብፁዓን ጳጳሳት ነፍሰ ሄር ኣባ ሮበርት ገና ወዲ ሓምሳ ዓመት እንከለዉ ኣብ 1995 ዓ.ም. ጽሒፎምዎ ዝነበረ ቃል ኑዛዜ መሰረት እቲ ዝቐተሎም ስተቨ ሙራይ እተሰምየ ኣመሪካዊ 28 ዓመት ዝዕድሜኡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ከምዝዀነ ነቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዘውዓሎ ቤት ምፍርዲ ዝገለጸ እውን እንተዀነ እቲ ዝተፈጸመ ገበን ከቢድ ብምዃኑ ናይ ሞት ፍርዲ ክቕበል እንክብል ንሞት ፍርዲ ከምዝበየኖ ክምልከት እንከሎ ናይ ሳይንት ኣጎስቲነ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሕይወት ውሳኔ ብዝብል ኣርእስቲ ሙራይ ካብ ሞት ፍርዲ ናጻ ክኸውን ዝሓትት ድሮ 7,400 ናይቲ ሰበኻ ምእመናን ክታም ዘንበርሉ ናይ ክታም መእከቢ ሰነድ ከምዘውጽኡን ናይ ኣባ ሮበርት ድላይ ክኽበር ድማ ንቤት ፍርዲ ሕቶ ከምዘቕረቡ ክፍለጥ እንከሎ። እዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሕይወት ባህሊ ዳግም ኣብ ሕዝባዊ ጉዳይን ኣብ መላእ መራኸቢ ብዙሃንን ቀንዲ ዜናን ርእሰ ጉዳይን ኰይኑ ከምዘሎ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና መኒከቲ ኣስዒቦም፥ ኣባ ሮበርት እቲ ኣብ 1995 ዓ.ም. ጽሒፎምዎ ኣብ ዝነበረ ቃል ኑዛዜ “ዝዀነ ይኹን ንሞት ዝዳርገኒ ቀታሊየይ ክሳብ ክንደይ ጨካንን መዳርግቲ ዘይብሉ ዘየናሕስይ ኣውን እንተዀነ ኣነ ገና ብዓንተውኡ ይቕረ ይብሎን ብሕጊ ድማ ንሞት ፍርዲ ከይወሃብ እላበው” ዝብል ቃል ዘንበርሉ ከምዝነበረ ገሊጾም ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሰበኻ ቅዱስ ኣጎስቲነ መንግስትን ቤት ፍርድን ቃል ኑዛዜ ነፍሰ ሄር ኣባ ሮበርት ከኽብር ሓደራ ከምዝበሉን እቲ ጉዳይ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ዋና ዳይና ገና ርእይቶ ከምዘይሃቡ ክምልከት እንከሎ ሙራይ መቕጻዕቲ ይግብኦ እዩ ኰይኑ ግና ካብ ሞት ፍርዲ ናጻ ክበሃል ናይ ኩሉ ካቶሊክ ምእመን ድላይ እውን እዩ። መሰረት ናይ ሕይወት ባህሊ ናይ ሞት ፍርዲ ከምዘይከውን ቤተ ክርስቲያን ወትሩ እተቕርቦ ትምህርቲ ምዃኑ ብፁዓን ጳጳሳት ከምዝገለጹ ሓቢሮም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.