2017-02-02 16:47:00

ሰላምታ ቅዱስ ኣቦና ንኣባላት ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሓልዮ ኩነታት ነባሪ ኣየር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 01 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቕዑ ኣብቲ ኣስተምህሮ ንዝተረኽቡ ንኣባላት ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሓልዮ ኩነታት ነባሪ አየር ሰላታኦም ኣቕሪቦም ነታ ናይ ሓባር ቤትና ዝዀነት መሬትን ከባብን ብጠቕላላ ተፈጥሮ ንምክንኻን እተካይድዎ ጐስጓስን ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው ስናይ ርክብ ማሕበረ-ከባብን ክተኻኸል ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝፍጸም ግብረ ብከላ ክወገድ እተርእይዎ ባህላዊ ጻዕሪ ዝምስገን እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ጻዕርኹም ድማ በርትዑ፡ እቲ ናይ መሬትን ድኻታትን እዋውያት ክውገድ ኣብ ዝፍጸም ጻዕሪ ኩሉ ድማ ናይ ከባቢ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያን ብትብዓት ክሓብራ ሓደራ እብል ከምዝብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።

እቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሓልዮ ኵነታት ነባሪ ኣየርን ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ብከላ ተፈጥሮን ነባሪ ኣየርን ሳዕቤናቱን ኣብ ዝምልከቱ ጉዳይ ከይተሓለሉ ዘቕርብዎ ጻውዒት ምክንኻን ተፈጥሮን ፍጥረትን ብፍላይ ድማ እታ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ማእከል ገይሩ ዝቖመ  ሓድሽ ዓለም ለኻዊ ካቶሊካዊ ተቛም ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ናይዚ ማሕበር ኣባላት ሰላምታኦም እንከቕርቡ ኣስዒቦም፥ “ብካቶሊካዊ እምነትን በቲ ክገሃስ ዘይብሉ እወታዊ መልሲ ክወሃቦ ግቡእነትና ዝመልክት ግብረ ገባዊ ትእዛዝ መሰረት ሕቡራት ኢና። ምስ ስርሓት እግዚኣብሔር ዝዀነ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝተሓደሰ ሰናይ ርክብ ክህልወናን ንህልውን መጻእን ወለዶ ብምስትውዓል ብትግሃት ነገልግል” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ናይቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሸቶ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ጠመቕ ትምህርቲ መሰረት ዝገበረ ብዛዕባ ተግባር ስነ ምህዳርን ከባብን ህልው ኩነታትን ብምስትውዓል ኣብ ክንክን ተፈጥሮን ፍጥረትን ምግልጋል ዝብል ምዃኑ ቅዱስነቶም ከምዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።

እቲ ካቶሊካዊ ተቛም ኣብ ዓለም ዝረኣይ ዘሎ ቅልውላው ስነ ምህዳር (Ecology) ብምግላጽን ናይዚ ቅልውላው ስነ ምህዳር ኣዚዩ ዝጉዳእ ድማ ድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምዃኑ ብምትሕስሳብ ምስ ተፈጥሮ ዘሎና ውልቃውን ማሕበራውን ርክብ ክተኻኸልን ነቲ ተፈጥሮን ከባብን ዝብክል ኣነባብራና ክንዕይርን ናይ ስነ ምህዳር ምልዋጥ ዘለዎ ኣገዳስነት ብምምልካት ፖለቲካን መንግስታትን ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ብኢደ ሰብ ዝወርድ ብከላ ክውገድ መጠን ዋዕይ መሬት ንምንካይ ዝድግፍ ቅቡልን ፍትሓውን ዝዀነ መደብ ልምዓትን ዓይነት ኣነባብራን ኣብ ምንቅቃሕ ዘገልግል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.