2017-01-31 17:04:00

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከባቢ ባልካን፥ ጸኣት ስደተይናታትን ዕርቅን


ናይ ቅዱሳት ቀርሎስን መጠዲዮስን ሰበኻታት ዓለም ሓቆፍ ናይ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ማለት ናይ ሰርቢያን ሞንተነግሮን መቀዶኒያን ኮሶቮን ዘጠቓልል ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ad limina apostolorum- ማለት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኵኺት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ንምስላምን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምርኻብ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ሰበኻታቶምን ሃገሮምን ህዝቦምን ብምዝታይ ምዕዳንን መርሕን ቃል ዝቕበሉሉን መደብ ምኽንያት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ዕለት 30 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተራኸቡ ልኡኽ ጋዘጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይቲ ናይ ቅዱሳት ቀርሎስን መጠዲዮስን ሰበኻታት ዓለም ሓቆፍ ናይ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኣብ ሰርቢያ ናይ ዝረኑጃኒን ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ላዲስላቭ ነመት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ርክብ ኣብ እምነት ዘጽንዕን ውህደትን ሱታፌን ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ምስ ናይ ሮማ ቤተ ክርስቲያን ጳጳስን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዘሎ ሱታፌ ዘበርትዕን ዝምስክርን እዩ ምስ በሉ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ናይ ሰርቢያ ርእሰቐፋል ምስ ዝዀነት ባዕላ ብመንፈሳዊ ላዕለዋይ መራሒ ርእሰ ሓዋርያዊ ምሕደራ እትምራሕ  ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ ሰናይ ክኸውን እንከሎ ካብዚ ትሕት ቢልካ ምስ ምእመናን ዘሎ ርክብ ብዙሕ ጸገም ዝረአየሉ እዩ፡ እቲ ምስ እዛ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ሰርቢያ ዘሎ ርክብ ናይ ግሊ እዩ፡ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያ ሰርቢያ ወግዓዊ ርክባት የሎን።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሰርቢያ ኣብ መዳይ ስደተይናታትን ዝተነጸሉን ዓቢይ ኣገልግሎት እያ እተቕርብ ብፍላይ ምስ ቱርኪ ብዝተገብረ ስምምዕ ምኽንያት ጸኣት ስደተይናታት ዳርጋ ጐዲሉ እዩ። ኣብዚ እዋን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተይናታት እዮም ዘለዎ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ግና በሸሓት ዝቝጸሩ ከምዝነበሩ ሓቢሮም።

ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ሰርቢያን ሞንተነግሮን መቀዶኒያን ኮሶቮን ናይ ቅዱሳት ቀርሎስን መጢዶስን ሰበኻታት ዓለም ሓቆፍ ናይ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝብል ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ተሪፉ ነናይ ገዛእ ርእሰን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘለወን ክዀና ፍቓድ ከምዝሓተታን ዘኪሮም ኣብ ሰርቢያ ጥራሕ እዩ ብሕጊ ትምህርተ ሃይማኖት ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ማለት ኣብ መባእታውን ካልኣይ ደረጃን ከነምህር ዝፍቀድ ኣብ ሞንተንገግሮን መቀዶኒያን ኮሶቭን ግና ኣይፍቀድን እዩ። 90% ዝሽፍን ካብ ዘን ሃገራት ጠቕላላ ብዚሕ ካቶሊካውያን ኣብ ሰርቢያ እዩ ዘሎ። መንግስቲ ሞንተነግሮ ምስ ቅድስቲ መንበር ኣብ መሰረታውያን ጉዳያት ናይ ሓባር ስምምዕ ገይሩ እዩ። ኣብተን ካልኦት ግና ገና ዝተበጽሔ ስምምዕ የሎን። ስለዚህ እዚ ኵሉ ርኢኻ ኣብዘን ኣርባዕተ ሃገራት ብዙሕ ፍልልይ ከምዘሎ ትርዳእ።

ኣብ መንጐ እዚ ብሓደ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝጥርነፋ ሃገራት ውሽጢ ሽሕ’ኳ ናይ ገዛእ ርእሰን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ከህልወን ንቕድስቲ መንበር ናይ ፍቓድ ሕቶ ኣቕሪበን ካብ ቅድስቲ መንበር መልሲ ዝጽበያ ኣውን እንተዀና እቲ ቀደም ዝነበረ ብሓደ ምስራሕ ብምቕጻል ዘለወን ምትሕብባር ነባሪ እዩ። ኣብ መንጐ ናይዘን ሃገራት ሕዝቢ ዕርቂ ክወርድ ተስፋ ንገብር ብፍላይ ኣብ መንጐ ክሮኣዚያውያን ሰርቢያውያንን ከምኡ ድማ ኣብ መንጐ ሰርቢያውያንን ኣልባናውያንን ሕጂ እውን ዓቢይ ጽልእን ቅርሕትን ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ዓቢይ ብድሆ እዩ። በቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓለምን ሃገራትን ሰላም ክወርድ ዝህብዎ ምዕዳን መሰረት ኣብ መንጐ እዞም ኣህዛብ ዕርቅን ሰላምን ክወርድ እቲ ናይ ቅዱሳት ቀርሎስን መጢዶስን ሰበኻታት ዓለም ሓቆፍ ናይ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብመደባት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣቢሉ ብዙሕ እዩ ዘገልግሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.