2017-01-28 18:08:00

መዓልቲ ዝኽሪ


ናይ ናዝን ፋሽስታውን ስርዓት ዘቖምዎ መዳጐኒ ናይ ህልቂት ሰፈር ዘብቀዓሉን ነቶም በቲ ምሒሪ ጽልእ ዝዓወረ ስርዓት ዝተዳጐኑን ዝተኣስሩን ዝተሰዱን ንጹሓን ዜጋታት ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ዕለት 27 ጥሪ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝዝከርሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ እነሆ ብመዓልቲ ዝኽሪ ምኽንያት ኣብ ናይ ኤውሮጳ ናይ ድሕነትን ምትሕብባርን ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ያኑች ኡርባንቸይክ ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ቤት ምኽሪ መበል 1129 ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ መዓልቲ ዝኽሪ ዝሓለፈ ታሪኽ ንህልውን መጻእን ትምህርቲ ክዀነና ይግባእ፡ ቢሎም እቲ ብምኽንያት መዓልቲ ዝኽሪ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝሓለፈ ክፋእ መግለጺ ዘይብሉ ናይ ጭካኔ መንፈስ ኣብ ህልውን መጻእን ከይድገም ዝብል እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ዝዀነ ይዅን መንፈስ ጭካኔን ህልቂትን ምድጓንን ምሉእ ምስትንዓቕ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ። ምንም ዓይነት ኣኽብሮት ንሰብኣዊ ክብሪ ዘይብል ጸረ ኩለንተናዊ ምዃን እዩ ቢሎም፥

ዓቢይ ኣኽብሮት ንሰኣዊ ክብርን መሰልን

ዕለት 17 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሙክራበ ኣይሁድ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቶም ኣባይቲ መዳጎንን ሕልቂትን ብዘይ ምስልካይን ምልምማድን ወትሩ ብዘይ ምድንጓይ ብቑልጡፍ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክጥሓስ ብግስ ኣብዝበለሉ እዋን ምምንጓይን ብዓንተውኡ እቲ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ምግታእን ምጥፋእን ሰላም ኣብ ምሕናጽ ወትሩ ብጉሳት ንኽንከውን የተሓሳስቡና እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብፁዕ ኣቡነ ኡርባንቸይክ ኣብ ዘስምዎ ዘረባ ጠቒሶም እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ጻውዒት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብዘይ ገታእ መታእ ምሉእ ብምሉእ ክኽበር ከምዘለዎን ኣብዚ መዳይ ናይ ኵሉ ጻዕሪ ዘተባብዕን ኣብዚ ተግባር’ዚ ወትሩ ምትጋህ ዝብል እዩ፡ ኣብዚ ልዑል ክብሪ ዘለዎ ተግባር’ዚ ሕይወቶም ዘይበቐቑ ካልኦት ንምድሓን ሕይወቶም ንሓደጋ ዘቃልዑ ውፉያት ዕለት ብዕለት ዝነበሩ ብዙሓት ሓሊፎም እዮም ሎሚ እውን ብዙሓት ኣለዉ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ተዘክሮ ለውጢ

ብፁዕነቶም ካብ ናይ ናዚ መዳጐኒ ናይ ሕልቂት ቤት ማሕቡስ ዝተረፉ ኤሊየ ዋይዘል “ተዘክሮ ምልዋጥ” እንክብሉ ዝተጠቀምሉ ቃል እቲ ዝዀነ ዘስካሕክሕ ተግባር ሰናይ ንምግባር ዘተባብዕን ዝድርኽን ክኸውን ኣለዎ ዝብል ዓይነት ምልዋጥ እዩ። ስለዚህ ናይ ኣበው ክፍሊ ሕብረተሰብ ለበዋን ምኽርን ዛንታን ምዝካር የድሊ። ድምጾም ምስማዕ የድሊ። እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝኽርን ተዘክሮን ታሪኽ ኣበውን ምስማዕን ድምጾም ምስማዕን ዝሓለፉ ጌጋታት ዳግም ከይንፍጽም ዝድግፍ እዩ” ዝበልዎ ቃል ጠቒሶም ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ዕለት 6 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ናይ ካርሎ ዓቢይ ስልማት እንክስለሙ ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ቅልውላው ምስናፍን ምስጋርን እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም ዝሓለፈ ታሪኽ ንህልውን ንመጻእን መምህር እዩ ክምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ጸረ ሴማዊ ተግባርን ብዝዀነ ዝተፈላለየ መገዲ መግለጽታቱ እውን  ጠሪሹ ቦታ ክይህልዎን ክይህሉን

ቅድስቲ መንበር ይብሉ ብፁዕነቶም ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጸረ ሴማዊ ተግባር ከይህሉ ዓቢይ ግደ ዝህልዎ ሕንጸት ምኻኑ ወትሩ ትምዕድ። ስለዚህ ነቲ ብናዚ ዝተፈጸመ ሕልቂት ሓቂ ዘይኰነ ታሪኽ እዩ ቢሎም ዝገልጹን ብጽሑፋቶም ነቲ ክውን ታሪኽ ዝኽሕዱ ንምቅዋም ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ሕልቂት ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ምቕራብን ብዛዕባኡ ኣፍልጦ ክህሉ ምንቕቓሕን ቅዱስ ኣቦና ከምዝበልዎ ግብረ ኽፍኣትን ናይ ጭካኔ መንፈስን ኣብ ኣውሽዊዝን ቢርከናውን ኣይተደምደመን ስለዚህ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ሰላምን ፍትሕን ምትሕብባርን ዕርቅን መትከላት ከነቓቕሕ ጽዉዕን ትሑዝን እዩ። እምበኣርከስ መዓልቲ ተዘክሮ ዕለት 25 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ እስራኤልን ከባብን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ ቴል ኣቪቭ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ኣብ ርክባቶም “ምንጽጻልን ግጭትን ንምትሕውዋስን ንምቅርራብን ንምርኻብን ባይታ ይሕደጉ ዝበልዎ ቃል መሰረት ገይሮም ጸረ ሴማውን ኣድልዎን ዘይምክብባርን ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ዘይንበሮ መጻኢ ንኽረጋገጽ ናይ ኵሉ ጻዕሪ ይሓትት እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ከዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።   








All the contents on this site are copyrighted ©.