2017-01-26 16:08:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ መዕጸዊ ናይ ሕዝበ ክርስቲያን ስለ ሓድነት ናይ ጸሎት ሳምንቲ ዝለገስዎ ስብከት


ጳውሎስ በዓል ጠርሴስ ምስቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ናይ ክርስቲያን ሰውራ ዝኾነ ንሱ ድማ ምሕረትን ፍቕርን ምስክርነትን መስዋዕትነትን ምስ ዝዀነ ኢየሱስ ኣብ ደማስቆ ምርኻቡ መሰረታዊ ለውጢ የስዕበሉ። ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዙ ድማ ህላዌኡ ኣብ ጽኑዕ ምኽባር ስርዓትን ሕንግ ዘይኰነስ ኣብቲ ናጻን ይግብኣኒ ዘይብሉ ናይ ዝተሰቕለን ዝተንስኤን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቕሪ ምስዓብን ምውካፍን ኰነ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ናይ ሓድሽ ሕይወት ነውጺ በቲ ናይቲ ዝተንስኤ ጐይታ ሓይሊብዝዀነ መንፈስ ቅዱስ የስተውዕል። እዚ ሓይሊ’ዚ ድማ ምሕረትን እማኔን ምንጽጻርን ተሞክሮኡ ገበረ ከምዝበሉ ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብቲ መዕጸዊ ስለ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣሃድነት ናይ ሓባር ጉባኤ ጸሎት ዝተረኽቡ ናይ ኦርቶዶክሳዊትን ኣንግሊካንን ናይ ካልኦት ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕቲ ፊት ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ቅዱስ ጳውሎስ ናይታ ኣህድነት እትነብር ቤተ ክርስቲያን ተክለ ሰብነት ብምሕባር ናብኣ ዝመርሕ መገዲ የመልክተልና፥

እግዚኣብሔር ኣብ ክርስቶስ ናብ ሓድነት ዝመርሕ ፍቕርን ዕርቅን ይጽግወና ናጻን ይግብኣኒ ዘይበሃል ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ጐዳና ደማስቆ የስተማቕር፡ ካብታ ሰዓት ኣትሒዙ ድማ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ምትእምማን ኣወጊዱ ብምሉእ ሓይሉ ኣብቲ ናቲ ፍቕሪ ሓይሊ የወክፍ።

ዕርቂ መስዋዕትነት ይሓትት፡ ኣብ ገዛእ ርእስካ ተወካስነት ኣይፋል ምባል

ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዘመናት ምግምማዕ ሎሚ ብኸመይ መገዲ ነቲ ናይ ዕርቂ ወንጌል ክብሰር  ኣለዎ? እቲ መገዲ’ቲ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ይሕብረና። ብዘይ መስዋዕቲ ከምዘይኰነን ብምምልካት እዚ ናይ ክርስትና ሰውራ’ዚ ድማ ምንባርን ንእናን ንድላይናን ዘይኰነስ ብኣምሳል ክርስቶስን ንኽርስቶስን ምስ ክርስቶስ ዝብል እዩ። እዚ ድማ ንኹለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምንባረን ክኸውን ዘለዎ እዩ።

ነቲ ካብቲ ናይ ነፍሲ ወከፍና ቦታ ወጻኢ ዝዓዪ መንፈስ ቅዱስ ንምእንጋድ ካብ ዝዓግተና ካብቲ ደሴታዊ ሕይወት ክንወጽእን ንፈተና ውከሳ ኣብ ገዛእ ርእሲ ክንስዕርን ንዕደም። ንሓድ ሕድና ከም ጸጋ ምስ እንረአአይን ትሕትና ምስ ዝህልወንና ምእዙዛት ምስ እንኸውንን ኣብ መንጐ ሕዝበ ክርስቲያን እውነተይና ዕርቂ ይህሉ።

ዝሓለፈ ታሪኽ ከየልመሰና ኣብ ሎሚ ኢየሱስ ምስዓን ንንበር

ልክዕ ከምቲ ንጳውሎስ በዓል ተርሴስ እቲ ስለ ኢየሱስ ኣብ ገዛእ ርእስና ምሟት ናብ ሓድሽ ህላዌን ሱታፌን ይመርሓና፡ ስለዚህ ንኽንዕረቕ ታሪኻውን ተዘክሮ ምንጻሕ የድሊ፡ ቃል እግዚኣብሔር ካብ ተዘክሮ ሓይሊ ክንግልል ይድርኸና እዚ ድማ እቲ ካብ ጐይታ ዝተቐበልናዮ ኩሉ ንምስትውዓልን ነቲ ተዘክሮ ፍልልይ ንድሕሪት ሓዲግና ኣብ ሎሚ ንኽርስቶስ እናሰዓብናን ሓድሽ ምንባር ኣብኡ ንንበር። በዚ መገዲ’ዚ  ድማ እቲ ኵሉ ነገር ሓድሽ ዝገብር (ግብረ ሓዋ. 21,5) ናብ ሓድሽ ንተስፋ ክፉት ዝዀነን ምግምማዕ ዝስገአሉን ምእመናን ብፍቕሪ ተሓዲሶም ምሉእን ጭቡጥን ሓድነት ናብ ዝነብርሉ መጻኢ ንኸነመስርቕ የብቅዓና።

ብሓባር ነቲ 500 ዓመት ዘብዕል ዘሎ ፕሮተስታንታዊ ሕዳሴ ንዘክር

እቲ ካልእ ንሓድነት ከነብል ዝድርኸና እቲ ለምዘበን ዝዝከር መበል 500 ዓመት ተዘክሮ ሕዳሴ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዋሜ እዩ። ስለዚህ ሎሚ ካቶሊካውያንን ሉተራናውያንን እቲ ኣብ መንጐ ሕዝበ ክርስቲያን ምፍልላይ ዝተኸወነሉ ኩነት ብተስፋን ንኽርስቶስን ንናይ ክርስቶስን ናይ ዕርቂ ስራሓቱን ብዘጉልሕ መገዲ ንእግዚኣብሔር ምስጋና ይዅኖ ናብቲ መበል 50 ዓመት ዝበዓል ዘሎ ናይ ሓባር ጸሎት ክብጻሕ ተኻኢሉ ኣሎ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣስዒበን፥

ቅዱስ ኣቦና ንዅሎም ኣብቲ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ንዝተረኽቡ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ንናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ሓድነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ልኡኽ ሚጥሮፖሊታ ገናዲዮስን ንናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቀዳሜ ናይ ካንተበርይ ሊቀ ጳጳስ ልኡኽ ዳቪድ ማክሶን ሰላምታኦም ብምቕራብ ናብ ኣሃድነት ንምብጻሕ ኣብዚ መገዲ’ዚ ኣብ ዝግበር ናይ ሓባር ጉዕዞ ሓደራ ኣይንድከም ካብ ናይ ብዙሓት ናይ ትማልን ሎምን ስለ ክርስቶስ ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ናይ ሕቡራት ሰማእታት ተመክሮ ትብዓት ንርከብ ሓደራ ቢሎም ኩሎም ሓደ መታን ክዀኑ ኢየሱስ ከምዝብሎ ሓልዮት እግዚኣብሔር ብሓባር ንኽንጽልይን ወንጌል ንኸነበስርን ንኸነፍቅርን ንኸነገልግልን ብፍላይ ድማ ንድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ንኸነገልግል ዝድርኸና ምኽንያት ክብ ኩሉ ካብ እነካይዶ ናይ ሓባር ርክብ ንኽሰብ ከምዝበሉ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.