2017-01-24 16:50:00

ብፁዕ ኣቡነ ብሪጋንቲኒ፥ እቲ ዛዕባ መንእሰይ ዝዝትይ ሲኖዶስ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ድርኺት እዩ


እቲ ዛዕባ መንእሰይ ንኽዝትይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2018 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ሲኖዶስ ናይ መሰናደዊ ሰነድ ብወግዒ ካብ ዝቐርብ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ካምፖባሶን ቦያኖን ሊቀ ጳጳስ ሜጥሮፖሊታ ብፁዕ ኣቡነ ጃንካርሎ ብረጋንቲኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ሲኖዶስ ብሓቂ መንእሰይ ንቤተ ክርስቲያን ዘቕርቦ ብድሆታት ዘማእከለ ክኸውን እንከሎ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ድርኺት እዩ ቢሎም ዋላ’ኳ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ሲኖዶስ ይኹን ናይቲ ኣብ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ዝተካየደ ሲኖዶስ መቐጸልታ እዩ ክበሃል ይከኣል። መንእሰይ ሃረር ዝብሎ ናይ ኣቦነት መንፈስ ዝኹልዕ  ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ተክለ ሰብነት ዳግም ዝዕተረሉን፡ ናይ መንእሰይ ዕድመ ዓበይቲ ጸገማትን ኣብ እዋናዊ ዓለም መንእሰይ ዝገጥሞ ብድሆ ዝእንገደሉን ብዛዕባኡ ዝዝትይንን መንእሰይ ጸዋዕታኡ ናይ ምልላይ ትብዓት ሃልይዎ ጸዋዕታኡ ንምኽዋን ዘተባብዕ ከምዝኸውን ርግጽ እየ ኢሎም።

እቲ ብጹሕ ወለዶ ንመንእሰይ ናይ ምስናይን ምምራሕን ብቕዓት ክህልዎን፡ መንእሰይ ወለዶ ዘጓንፎ ዘሎ ስእነት ስራሕን ምዝሕታል ኣብ እምነትን ብሓፈሻኡ ናይቲ ናይ እዋናዊ ዓለም ነጸብራቕ ዝዀነ ዘጋጥሞ ዘበለ ኩሉ ብምልላይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ወንጌል ሓሴት ክትነብርን ንኸተንብር ዘነቓቕሕ እዩ። መንእሰይ ናይ ምልላይ ብቖዓቱ መታን ክብ ከብል ምስናይ ከበሃል እንከሎ እቲ ዘሰንይ ናይ ገዛእ ርእስታቱ ድላይን ሃረርታን መርወዪ ወይ ከኣ ናይቲ ክዀነ ዝደልዮ ዝነበረ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይከወኖ ድላዩ መግለጺ ከይገብሮ ምጥንቃቕ የድሊ። ስለምታይ ኩሉ ናይ ገዛእ ርእሱ መንነትን ጸዋዕታን ሒዙ ዝተፈጥረ ስለ ዝዀነ። ብሓቂ መንእሰይ ከተሰንይ እንተድኣ ትድልይ ኴይንካ ኣብቲ ናይቲ መንእሰይ ኩነት ምጥሓል የድሊ። ከም ተዓዛቢ ኴይንካ ክትመርሖ እንከለኻ ሕይወቱ ክተመስርቐሉ ኣይከኣልን። ስለዚህ እቲ ሲኖዶስ ብዛዕባ መንሰይ ዝዝትይ ከበህል ኣንከሎ ንመንእሰይ ከም ተግባር ዝዓርፈሉ ግሲ ጌሩ ብምቕራብ ዘይኰነስ ናይቲ ሲኖዶስ በዓል ቤት ዘቕርብን ዝዝትይን ማለት እዩ።

መንእሰይ ኣብ ምስናይ ምስ መንእሰይ ምዃንን ኩነቱ ምክፋልን ግድ ይኸውን። ቅዱስ ኣቦና ዝጥቀምሉ ቃል ሓቂ እዩ። ምስ እዋናዊ ኩነት ዓለም ዝተተሓሓዘን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ዓሚይቕ ኣፍልጦን ተመክሮን ዘለዎም ምዃኖም ካብ ቃሎም ትርዳእ ስለዚህ ብስነ ፍልጠት መልሲ ምሃብ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይቲ መልሲ ዝደልይ ኩነት እውን ምኩር ምዃን የድሊ። ምኵር ክበሃል እንከሎ ናይቲ መንእሰይ ኵነት ብቕረባ ምፍላጥ የድሊ ንምባል እዩ። ኣነ ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ብረጋንቲኒ ከም ካህን ደሓር እውን ከም ኣቡን ምስ መንእሰይ ቀረባ ኰይኖም ዝነብሩን ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ናይ ሰበኻኦም መንእሰያት ብምርኻብ ኣብ ክልተ ሰሙን ሓንሳብ ተራኺቦም ከምዝዝትዩን ብዛዕባ ኩሉ ማለት ንመንእሰይ ዝትንክፍ ብድሆ ብሓባር እናልዓሉ ሓሳብ ብምልውዋጥን ናይ ኣባ ሚላኒ ናይ ስነ ምምሃር ሜላ ንሱ ድማ ቤት ትምህርቲ እንታይ ክገብር ኣለዎ ዘይኰነስ ከመይ ጌርካ ቤት ትምህርቲ ትገብር ዝብል ሜላ ህያው ክኸውን ከምዝጽዕሩ ሓቢሮም እቲ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ክቐርብ ዝድለይ ናይ ስነ ሃይማኖት ትምህርቲ ናይ ሕንጸት መደብ እዩ ክኸውን ዘለዎ እዚ ኹሉ ድማ እቲ ሲኖዶስ ብዝተፈላለየ መገዲ ከምዘዕምቖ ርግጸይና እየ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.