2017-01-19 16:56:00

ብፁዕ ካርዲናል ኮኽ፥ ምብዓል ተዘክሮ ቅዋሜ ተሓድሶ ሉተራናዊት ቤተ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ኣጋጣሚ እዩ


ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕህ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ብምኽንያት ዝካየድ ዘሎ ዓመታዊ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ጸሎት ሳምንትን ንዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቅዋውሜ ተሓድሶ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ምኽንያት ዕለት 18 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝፈጸም ናይ ሓባር መንፈሳውን ባህላውን መደባት ኣማእኪሎም ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሃገረ ሽወደን ብምዃድ ኣብ ሉንድ ከተማ ኣብቲ በዓል ተዘክሮ ቅዋሜ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ብምስታፍ ምስ ሉተራናውያን ከምዝሓበሩን ኣብ ሉንድ ምርኻቦም ብዝተገረሎም ዓቢይ ኣቀባብላን ክግበረሎም እንከሎ ኣብኡ ምርኻቦምን ምስታፎምንዝነቐፉን ዝተቓወሙን እውን ኔሮም እዮም፡ ብወገን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ተሓድሶ ምእላይ ብዝብል ቃል ዝተማእከለ ኰይኑ ክትንተን እንከሎ ብወገን ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ድማ ነቲ ናይ ሉተር ተሓድሶ ዘይምኻብርን ምኽሓድን ብዝብል ሓሳብ ተማእኪሉ ዝተንተን ምንባሩ ክምልከት እንከሎ እቲ ተዘክሮ መበል 500 ዓመት ቅዋሜ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ንክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ንዓሚዩቕን እውነተይናን ዘተ ዝዕድምን ከምኡ ድማ ነቲ ዝጸንሔ ጉጅላዊ ወይ ድማ ወጊንካን ተቃርኖ ብዘለዎ ኣገባብ ብዝቐርብ ኣከራኻሪ ሓሳብ ዘይኰነ ካብዚ ብምውጻእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ተሓድሶ ክትመሃሮ ዝግብኣን ብማዕሪኡ ድማ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ንእምነት ዘበርትዕን ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክትመሃሮ ዝግብኣ ዘጉለሔ እዩ ኢሎም።

ቅድም ቀዳድም እቲ ዕለት 31 ጥቅምቲ 1517 ዓ.ም. ሉተር ዝጸሓፎ ዛዕባ ናይ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ዝምልከት ሰነድ ናይ ሉተር ተሓድሶ ቤተ ክርስቲያን ከም መበገሲ ወይ ከኣ ንቕዋሜ ከም ቀዳማይ ምኽንያ ጌርካ ምቕራቡ ጌጋ እዩ ስለዚህ እዚ ናይ ፍልልይ መበግሶኣዊ ነጥቢ ኣይኰነን። እቲ ሰነድ እውን ከም ሶውራዊ ሰነድ ክርአይ የብሉን። እቲ ሰነድ ንገዛእ ርእሱ ካቶሊካዊ ኣድህቦ ጌርካ እውን ክሕሰብ ዝከኣልን ምስቲ ናይቲ እዋን ዝነበረ ኩነት ዝኸይድ ናይቲ እዋን ቲዮሎጊያ ዘንጸባርቕ እዩ። ስለዚህ ማርቲን ሉተር ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈልየት ቤተ ክርስቲያን ከቕውም ቢሉ ኣይኰነ። እንታይ ደኣ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ተሓድሶ ክህሉ ግብኡን ኣገዳስን እዩ ዝብል ድላይ ከምዝነበሮ እዩ ዘረጋግጽ። ኰይኑ ግና እቲ ናይ ሉተር ተሓድሶ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በቲ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ክውንታዊ ፖለቲካን ጭብጥታን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣይተኽኣለን። ኣብ ፋልማ እቲ ብማርቲን ሉተር ዝተተባብዔ ምንቅስቓስ ተሓድሶ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ፡ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ክቐውም ዝገበረ ናይቲ ተሓድሶ ዕላማ ዘይኰነስ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ፖለቲካ እዩ። ፖለቲካዊ ውሳኔ እዩ ኔሩ። ስለዚህ ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ኩኽ ናይ ሉተር ናይ ተሓድሶ መርትዖ ንናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ ዝብል እዩ ኔሩ። ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈልየት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ምቛም እወታዊ ዘይኰነስ ኣሉታውን ክሳራን እውን እዩ።

እቲ ተዘክሮ ቅዋሜ ሕዳሴ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ማርቲን ሉተር ዘተሓሳሰቦን ተሓድሶ ንኸበግስ ዘንቀሎ መሰረታዊ ሓሳብ ንምምጻእ ዝድግፍ እዩ ኽኸውን ዘለዎ፡ በቐዳማይ ደረጃ እቲ መበል 150 ዓመት ዘብዕል ዘሎ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ቤተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝተበገሰን ኣብ ኣውግስቡርግ ዕለት 31 ጥቅምቲ 1999 ዓ.ም. ብዛዕባ ብፅዕና ዝምልከት ናብ ናይ ሓባር ሰነድን ነቲ ሰነድ ንምፍርራም ዘብጽሔ ናይ ሓባር ዘተን ምስትውዓል ምኽንያቱ ኣብቲ ናይ ሓባር ሰነድ ንምብጻሕ ዘብቕዔ ድማ ናይ ማርቲን ሉተር ሓሳብ እዩ። እዚ ድማ ምስቶም መሰረታውያን ሓቅታት ዝቃደው እዩ። እዚ ውሳኔ’ዚ ንናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ንዝግበር ዘተ እምነት መሰረት እዩ።

ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ነፍሲ ወከፈን ሓጢኣትን ጉድለታተን ተኣሚነን ብፍላይ ድማ ኣብ 16ን 17ን ክፍለ ዘመን ንዝተባርዔ ናይ ሃማኖት ውግእ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ መንጐ ማሕበረ ክርስቲያን ደም ምፍሳስ ዘምጽኤን ብፍላይ እቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ውግእ ተባሂሉ ብታሪኽ ዝፍለጥ ኤውሮጳ ኣኬል ዳማ ዝቐየረ ናይ ሃማኖት ውግእ ምዝካር እኹል እዩ። ስለዚ ብሓጢኣተይ ክብላን። እዚ ነፍሲ ወከፍ ጉድለተንን ሓጢኣተንን ምኽንያት ኣብቲ ተዘክሮ ቅዋሜ ምስረታ ተሓድሶ ብውግዒ ምሕረት ክሓታን እዚ ናይ ንስሓ ጉዕዞ ድማ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዝነበረን ዝሓለፈን ክንሓኰ ኣይከኣለናን ኰይኑ ግና እቲ ናይ ዝሓለፈ ገበን ሎሚ እውን ነቲ ዘሎ ክሌኣዊ ርክባትና ዝብክል ዘሎ ኣብ እዋናውን መጻእን ጸቕጢ ከይህልዎ ክሌኣዊ ጻዕሪ ይሓትት። ምሕረት እግዚኣብሔር ርክባትና ሓዳሲ እዩ” ዝበልዎ ሓሳብ ማእከል ዝገበረ ዝሓለፈ ታሪክ ዘንጽሕ ክኸውን ይግብኦ ኢሎም፡

ብሳልሳይ ደረጃ ድማ፥ እቲ ክልቴኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ዘፍጽምኦ ዝኽሪ ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ተሓድሶ ናብ ኣሃድነት ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዓቢይ ስጉምቲ ዝዀነ ናብ ናይ ሓባር ቤተ ክርስቲያናዊ ጥምረት ብዝድርክ ገምሪ ክኽወን ኣለዎ እዚ ሳልሳይ ሓሳብ’ዚ ንሓድነት ኣሚቱ ናይ ዝግበር ጻዕሪ ሸቶ ክኸውን ይግባእ። እቲ ናይ 500 ዓመት ምግምማዕን ዝተራእየ ተቓርኖን ፍልልያትን ነሓድሕድ ጥሙረትን ውሁደትን ብሓባር ምንባር ዝሕንጽ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ሎሚ እዩ ክንፍጽሞ ዝግብኣና እንክብሉ ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.