2017-01-14 16:42:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኮፍታ ዘይኰነ ተንሲኡ ንኢየሱስ ዝስዕብ መንፈስ እዩ ዘድሊ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምቕጻል ዕለት 13 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ  “ኢየሱስ ንምስዓብ ምስጓም እምበር ናይ መንፈስ ኰፍታ ኣይኰነን ዘድሊ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከል ስብከት ከምዝለገሱን፡ ኣብቲ ብላቲን ስርዓት መሰረት ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ናብ ዕብራውያን ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 5ን ፍቕዲ 11ን ናይ ወንጌል ምንባብ ካብ ማርቆስ ወንጌል ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 12 ዘሎ ኣሞርኵይዞም እቲ ኢየሱስ ልሙስ ሰብ ከምዘሕወየ ዝትርኽ ቃል፥ ኢየሱ ናብ ቀፈርናሆም ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ቤት ከምእተመልስ ምስ ተሰምዐ ኩሉ ናብኡ ክውሕዝ ጀመረ፡ ብዙሕ ሕዝቢ ድማ ስለ ዝተኣከበ ነቲ ልሙስ ሰብ ሒዞም ዝመጹ ጥቓኡ ንምቕራብ ስለዘይከኣሉ ናሕሲ ኣፍሪሶም እቲ ልሙስ ደቂስሉ ዝነበረ ዓራት ኣውረድዎ … ኢየሱስ ናይዞም ሰባት እምነት ይገርሞ እውነተይናን ቅኑዕን፡ ዝዀነ ይዅን ሓደጋ ንምግጣም ዝድርኽን ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ብዓንተውኡ ብምስትውዓል ካብ ምንባር ዘየንሳሕብ እምነት እምነቶም እቲ እውነተይና ተስፋዝጽግው ምዃኑ ይገልጹ። ሕዝቢ ንኢየሱስ ይስዕብ ወይ ንውልቂ ረብሓኡ ድዩ ወይ ከኣ ምጽንናዕ ደልዩ ይስዕቦ። እወ እቲ ንኢየሱስ ንምስዓብ ዝድርኽ ገምሪ ምሉእ ፍጹም እውን ኣይኹን እቲ ዘገድስ ንኣኡ ምስዓብ እዩ። ደድሕሪኡ ምስጓም። በቲ ዝብሎን ዘርእዮን ዝነበረ በዓል ዓቢይ ስልጣን ቃላቱ ሕዝቢ ደድሕሪኡ ይስዕቦ ነበረ። ኣብ ገለ ገለ እዋን ኢየሱስ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ቃል ኣምላኽ ስለ ዝነገሮም ዝነበረ ዘይኰነስ ንናይ ገዛእ ርእስም ረብሓ ኣሚቶም ይኽተልዎ ብምንባሮም ይግስጾም ከምዝነበረ ወንጌል ይሕብሮ።

ኣብ ሰገነት ኰይንካ ንኽልኦት ንምፍራድ ዝጐዪ ካብ ዘይስጉም ክርስትና ንጠንቀቕ

ኢየሱስ ዝዛረቦን ዝብሎን ዝነበረ ኩሉ ከም ቅኑዕን ፍጹም ፖለቲካ እዩ ቢሎም ንጉሶም ክገብርዎ ዝደልዩ ኔሮም እዮም። እቲ ሕዝቢ ግና ይጋገይ ብምንባሩ ኢየሱስ ፍልይ ቢሉ ናብቲ ጽምዋ የብል። ኰይኑ ግና ሕዝቢ ንኸይስዕቦ ኣይተሓብኤን ኩሉ ይስዕቦ ነበረ ክስዕቦ ይፈቕድ ነበረ ስለምታይ ኩሎም ሓጢኣተይናታት ምዃኖም ስለ ዝፈልጥ እቲ ዓቢይ ጸገም እቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ዘይኰነስ እቶም ኣብቲ ዝነበርዎ ደው ዝብሉን ዘይስዕብዎን ኣብ ዝነበሩ እዩ።

እቶም ኣብ ደውታ ዝጸንዑ ካብ ምስዓቡ ደውታ ዝመረጹ ብርሑቕ ዝርእዩ ኣብ ድነ ምውዳቕ ይተርፉ ኰፍ ቢሎም ዝነበሩ ካብቲ ኮፍ ዝበልዎ ሓፍ ቢሎም ክስዕብዎ ዘይደለዩ ናይ ሕጊ መምሃራንን ጸሓትን ፈሪሳውያንን። ኣብ ሰገነቶም ኰይኖም ብርሑቕ ዝጥምቱን ዝፈርዱን ዝነበሩ። ኣብ ናይ ሕይወት ጐዳና ካብ ምጉዓዝ ኣብ ሰገንታ ሕይወት ዝተርፉ። ንኢየሱ ስለ ምርካቡን ምስዓቡን ክጠልቦ ዝኽእል ሓደጋ የፍርሖም። ከይወድቁ ቢሎም ኣብ ኰፍታኦም ዝተርፉን ኰፍታ ዝሓርዩን፡ ብልቦም ዝፈርዱን ጥበበይናታት መሰል ኢጥበባውያን። እቲ ተራ ሕዝቢ ኢየሱስ ኣብ ምስዓብ ዘርእዮን ዝነብሮን እምንት ናይ ኢጥበባውያን ተግባር ቢልና ንፈርድ እቲ ኣዚዩ ጎዳኢ ዝዀነ ፈሪሳውነትን ዝተመላኤ ክህነታዊ ስርዓት ዘማእከለ ኢየሱስ ዘየርእይ ኣብ ክህነታዊ ስርዓት ዝተማእከለ ሕይወት ምምራጽ እዩ። ክህነታውነት ንቤተ ክርስቲያን ጐዳኢ እዩ።

እቲ ንልዕሊ 38 ዓመት ኣብ ገምገብ ዒላ ብሕይወት ተበሳጭዩን ተስፋ ቆሪጹን ዝተቐመጠን ኰፍ ዝበለን ሰብኣይ ነበረ ብስጭቱን ቁጣዔኡን ኣብ ሕይወቱ ዘኹምስዕ ዝነበረ ንኢየሱ ዘይስዕብ ዝነበረ፡ ንኢየሱስ ንምርካብ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ተፈሪሑ ደውታ ኣይምረጽን። እትደልዮ ንምርካብ ምንቅስቓስን ምስጓምን። እቶም ነቲ ናሕሲ ፈልቂቖም ድዩ ኣፍሪሶም ነቲ ልሙስ ሰብ ምስ ዓራቱ ናብ ኢየሱስ ዘቕረቡ ሰባት ከጋጥም ዝክእል ስግኣትን ሓገደጋን ካብቲ ናቲ ሕሙም ዝደልይዎዮ ምርኻብ ምስ ኢየሱስ ኣይ ዓገቶምን እታ ን 18 ዓመት ደም ዝፈሳ ዝነበረት ሰበይቲ ካልእ ይትረፍ ዘፈር ልባሱ ተሓቢኣ እትትንክፍ ከምዚ ንምግባራ ከጋጥማ ዝኽእል ሓደጋ ኵሉ ደሚራን እውሪዳን ገዛእ ርእሳ ንምድሓን ካብ ምድላይ ኣየግለለትን። ደቂንስትዮ ኣብ እምነት ጽኑዓት እያተን።

እታ ሓጢኣተይና ሰበይት ኣብ ቤት ስምኦን ዝገበረቶን እታ ሳምራዊት ሰበይትን ካልኦት እተን ብዝነበረን ዓቢይ እምነት ንኢየሱስ ምስዓብ ከስዕበለን ዝኽእል ሓደጋ ካብ ምስዓቡ ዘየብኰረን …  ከይብሉንን ከይፈርዱንን ከይበላ ነቲ ካብ ኢየሱስ “ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ” ዝብል ቃል ድሕነት ጥራሕ ዘገደሰን። ኣንሕና እውን ብዙሕ ፈውሲ ዘድልዮ ቁስልን ሕማምን ክፍታሕ እንደልዮ ጸገም ክህልወና ዝከኣል እዩ። እወ ሓኢጢኣተይናታት ምዃንና ተኣሚንና ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ተሓዲጉልኪ ዝብል ቃሉ ንምስማዕ ኣሚንና ብእምነት ንስዓቦ። እዚ እምነት’ዚ ከስዕበልና ዝኽእል ሓደጋ ከየፈራሕና።

ኣብ ኮፍታ ዝደስከለ ንተስፋ ዕጹው ዝዀነን ንተስፋ ኣይፋል ካብ ዝብል መንፈስ ንተሓለው

ብዙሕ እዋን ናይ ውሕስነት መድሕን ኣባይቲ ሕግታት ተኣማሚንና ንኢየሱስ ምስዓብ እንፍጽሞ ከይዲ ዓቢይ ሓደጋ ኢዩ። ከምቶም ዝፈርዱ ኣብ ኰፍታ ኣይንትረፍ። ኢየሱስ ምስዓብ እዩ ዘገድስ። ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ከይፈራሕና ካብ ምስዓቡ ኣይአብኰር። ንደልዮ ፈውሲ ኣሎ። ንኢየሱስ ኣብ ምስዓብ ኣብኡ እማኔና ንነብር ዶ? ኣብኡ እኣምን ድየ? ምስኡ ዝስጉም ድየ? ተስፋ ኣልቦ ዕጽው መንፈስ ዘሎኒ ድየ? ቢልና ገዛእ ርእስና ንሕተት  እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከዘጠቓአሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.