2017-01-10 17:06:00

ቨነዝዋላ፥ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ


ዕለት 7 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ናይ ቨነዝዋላ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤኡ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ኩማና ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ እቡነ ዲየጎ ራፋኤል ፓድሮን ሳንቸዝ ብዘስምዕዎ ዘረባ ከምእተኸፍተ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣና ፖቸ እንክሕብራ፥ ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ መላእ ቨነዝዋላ ናይ መናፍስትነት ዕጥቂ ብምርጋፍ ብፍላይ ድማ መንግስትን ተቓዋሚ ሓይልን ማሕበራዊውያን ሓይልታትን  መንፈሶም ዝተዓጥቖ ኣነነትን ንኣይነትን ዝብሉ ኣጽዋር ኣራጊፎም ናይ ዘተ ባህሊ ክዕጠቑ ከምዘተሓሳሰቡ ገሊጸን፡

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ማሕበራዊ ቅልውላዊ ካብ  ዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ንነጀው ተራእዩ ዘይፈልጥ እዚዩ ከቢድን ጽንኩርን ምዃኑ ተንቲኖም፡ ኣብ ቨነዝዋላ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርትን ናይ ምሕረት ወንጌልን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓለማውያን ምእመናን ክብር ዋጋነት ክረኽቡን ዓቢይ ግምት ክወሃቦምን ዝብሉ ትምህርትታቶም ምሉእ ብምሉእ ብምቕባልን ብምእዛዝን እትነብሮ ዘላ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከይዲ፡ ዓቢይ ሕዳሴ የተኣታትው ምህላዊ ጠቒሶም፡ ሃገሮም እትሕልፎ ዘላ ጽንኩር ማሕበራዊ ኩነት ኣርጊጾም ብምዝካር፡ 2016 ዓ.ም. ኩለ መዳያዊ ዝሕታለ ዝተራእየሉ ዓመት ምንባሩ እውን ሓቢሮም፡ ልዕሊ 120 ዝግመቱ ብዘይ ሓደ ገበን ሕገ ወጥ ናይ ፖለቲካ እሱራት ኰይኖም ከምዘለዉን 29 ሺሕ ብዝተፈላለየ ዓመጽ ዝተቐትሉን ጥምየትን ስእነት ዝጠመጣጠነ መግብን ስእነትን ዋሕድን ኣፋውስን ብዙሓት ዜጋታት ንሞት ሓደጋ ከምዘቃልዔን የቃልዕ እውን ምህላዉ ከምዝሓበሩ ፖቸ ገሊጸን።

ናጻ ናይ መራኸቢ ብዙሃን መዋቕራዊ ለበስ ብዝዀነ ዓይነት ኣገባብ ዝወርዶ ዘሎ መጥቓዕትን ዓፈናን፡ ብላዕን ምግባረ ብልሽውና ምስፋሕን ናይ ሃገር ሕዝባዊ ባይቶ ዳርጋ ከምዘይየለ ምሕሳብን ንሕዝባዊ ምርጫ ዝግበር ዝነበረ ከይዲ ምኹላፍን ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ንሕዝብን ሃገርን ሰንፈላል ይገብር ምህላዉ ብፁዕነቶም ሓቢሮም እቲ ኣብታ ሃገር ናብ ምርድዳእ ከሰንይ ዝእኽእል እዩ ተባሂሉ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ ብዘይ ውጽኢት ብምትራፉ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ንሃገረ ቨነዝዋላ ናብዚ እትያቶ ዘላ ቅልውላው ብቐዳማይ ደረጃ ይኹን ብኽላእይ ደረጃ ኩለን ብዝተፈላለየ መገዲ ኢድ ዘለወን ናይ ፖለቲካ ውድባትን ዘተ ናብ ምርድዳእ ዘይኰነስ ግዜ ንምቕታል ዝጠቕም ፖለቲካዊ ሜላ እዩ ቢልካ ካብ ምሕሳብ ፈተና ክቑጠባን ሓቀይና ዘተ ጥራሕ እዩ ናብ ሰላም ዘሰንይ ምኻኑ ክእመና ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበራ ፖቸ ኣስዒበን፥ ብፁዕነቶም ይብሉ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ፡ ቨነዝዋላ ካብቲ ተኣሊኻትሉ ዘላ ናብ ድነ ሞት ዝንውንዋ ዘሎ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ንኽትላቐቕ ኣብ ስርዓት ደሞክራሲ ተኣሚኖምን ዘተ ከም መፍትሒ ክቕበሉን ኣብ ናይ ሓባር ዘተ ክቕመጡን ናይ ሕዝብን ሃገርን ፍቕርን ረብሓን ከቐድሙ ይግባእ እዚ ጥራሕ እዩ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ዓመጽን ቅልውላውን ዝፈትሖ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን። 








All the contents on this site are copyrighted ©.