2017-01-05 15:59:00

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት፤ ጉባኤ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ቤተ ክርስቲያን


ካብ ዕለት 9 ጥሪ ክሳብ ዕለት 12 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ፓሪስ ሓምሻይ ናይ ሓባር ጉባኤ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ቤተ ክርስቲያንን ክካይድ ምዃኑ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ሐፈሻዊ መርበብ ሓበሬት ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፡ ኣብቲ ናይ ሓባር ጉባኤ ናይቲ ናይ ብፁዓ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረትን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ዝምራሕ 12 ልኡካን ዘለዎ ጉጅለ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ካብ ኤውሮጳ ዝርከባ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተዋጽኡ 12 ልኡካን ኣብ ፓሪስ ከተማ ዘካይድዎ ጉባኤ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ጉባኤ “ኣሸባርነት ዘተኣታትዎ ፍርሒ ንምግጣምን ጽንፈነትን ኣኽራርነትን ምብዳህ”  ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ኰይኑ፡ ኣብዚ ብድሆ’ዚ ናይ ማሕበረ ክርስቲያን ኣተዋጽኦን እምነት ናይ ምንባር ሓይልን ድላይ ናይ ሓባር ዘተ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታን ንሓድነት ኣሚቱ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝግበር  ናይ ሓባር ዘተ ኣብቲ ናይ ሰብን ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ናይ ሃማኖትን ስግደትን ኣምልዀን ነጻነን ዝቖመ ከይዲ ዘለዎ ግደ ንምትብባዕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ብጠቕላላ ናይ ሉሰምበርግን ሞናኮን ናይ ቀጵሮስ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ናይ ማልዲቭን ሙካቸኮ ኤጳርቅናን ናይ ኤስቶኒያ ሓዋርያው መስተናብርን ዘጠቓልል 39 ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ዘለዎ ክኸውን እንከሎ ናይዚ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዋና ሐዋርያዊ መቐመጢ ድማ ኣብ ስዊደን ከተማ ሳን ጋሎ ዝርከብ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.