2017-01-05 15:55:00

ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ፥ ኣብ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝቖመ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዛዕባ ኣባይቲ ስድራ


ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእን ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን እተብል ቤተ ክርስቲያን ብኻልእ መዳይ ርህው መዓጹ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ማለት ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ድማ እቲ ኣብ ስድራ ቤተ ኣማእኪሎም ዝተኻየዱ ክልተ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስን ስዒቡ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዘቕረቦ ሓሳብን ዘውጽእ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብጥልቂ መርሚሮም ብምትሕሓዝ ዝእረም ኣሪሞም ዝውሰኽ እውን ወሲኹም ምሉእነት ብዘለዎ ናይ ቤተክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዛዕባ ስድራ ቤት Amoris laetitia - ናይ ፍቕሪ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን መላእ ትሕዝቶኡ፥ “እንገዳ ስንዮታ ልልያን(ኣስተውዕሎ)ን ምሉእ ተዋህዶነትን ብዝብሉ ቃላት ዝጠቓለል፥ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ስድራ ቤት ንዝምልከት ሐዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሰረት ምዃኑ ናይ ብፁዓን ጳጳሳ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ ኣብ ከባቢ ሮማ ክፍለ ከተማ ቺቪታቨኪያ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከምዘስመሩሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቲዚያና ካምፒዚ ገሊጸን።

እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንመላእ ስድራ ቤት ነቶም ኣብ ዓቢይ ቅልውላው ዝርከቡን ዝቖሰሉን ዓቢይ ጸገም ንዘለዎም ኣባይቲ ስድራ ተስፋ ዘሰንቕ ምዃኑ እንክትንትኑ፥ ልልያ እቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ቅድም ቀዳድም ናይቲ ሲኖዶስ ቅዉም ነገር ስድራ ቤት ዝብል ምዃኑ ኣገናዚቡ ናይቲ ጉባኤ መካየደ ዝክረ ነገር ንምስንዳው ኣሚቱ ናብ መላእ ሰበኻታትን ቁምስናታትን  መንፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ካቶሊካውያን ተቛማትን ብሜላ ቃለ መሕትታዊ ሰነድ ብምቕራብን ዝተወሃቡ መልስታት ዘተኣኻኸበ ናይ ዕዮ ሰነድ መሰረት ገይሩ ዝዘተየ ምንባሩ ብፁዕነቶም ብምዝኽኻር፡ እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ሓሳብን ውሳኔን ምንባሩ ኣብሪሆም፡ ስለዚህ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጉባእያዊ ወይ ከኣ ሲኖዶሳዊ ኣሰራርሓ ብመሰረት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክህሉ ገይሮም እዮም። እዚ ዓይነት ኣገባብ ንገዛእ ርእሱ ልልያን ኣስተውዕሎን ዘጠቓልል ክኸውን እንከሎ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ ሕዝብን ምስ ሕዝብን እትጓዓዝን ተኺዶኣ ድማ ጉባእያውነት ምዃኑ የረጋግጽ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካምፒዚ ኣተሓሒዘን፥

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘተኣታተውዎ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ስርዓትን ወይ ድማ መዳብ ደረጃን ጠመቕ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ምንም ዓይነት ምቅይያራትን ለውጥታትን ዘተኣታትው ኣይኰነን ቢሎም፡ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ሰነድ ኣብ ሻምናይ ዓንቀጽ ከምዘመልክቶ ስንዮታን ንቃፌ (ተነቃፍነት) ስድራ ቤት ምፍዋስ ወይ ከኣ ናብ ምሉእነት ምስሓብ ብዝብል ኣገላልጻ ተነቢሩ ኣሎ። ፍቕሪ ብምስጢረ ተክሊል ዝስነይ እዩ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ነታ ዝቖሰለት ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክንክን ብምቕራብ እታ ስድራ ቤት ፍኖተ ወንጌል  ከተለልይን ጸጋ እግዚኣብሔር ጠሪሹ ከምዘይፍለያ ንኽትኣምን ትመርሕ። ስለዚህ እዚ ድማ ምስ እንገዳ ዝብል ቃልን ተግባርን ዝተኣሳሰረ እዩ። እዚ ዓይነት ኣገባብ ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስርዓትን መዳብ ደረጃን ጠመቕ ትምህርትን ናይ ግብረ ገብ ትውፊትን ባህልን ይቕይር ማለት ኣይኰነን። በንጻሩ ጠመቕ ትምህርትን ስርዓትን ባህሊ ቤተ ክርስቲያን ዘረጋግጽ ኰይኑ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ነፍሲ ወከፍ ቁስሊ ስድራ ቤት ብሓፈሻኡ ንዅሉ ብዘጠቓልል ዓይነት ኣገባብ ዘይኰነስ ብውልቃውነት ኣገባብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ኩነት ቀሪባ ትመልከት ዝብል እዩ።

ናይ ዝተፋትሑን ምስጢረ ተክሊል ዘፍረሱን ብፍትሓ ብሔር ዳግም ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ተኣፋነቶም ቤተ ክርስቲያን ብምስትዓል ከምቲ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሐዋርያዊ ምዕዳን ተመልኪቱ ዘሎ፡ ዕርቂ ምስ ቅዱሳት ምስጢራት ህልው ንምግባርን ዘብቅዕ መገዲ ተለልይ። ስለዚህ ክሳብ ቅዱስ ቁርባን ምፍቃድ ክህሉ ዝከኣል እዩ። እዚ ግና ንዅሎም ዝተፋትሑ ብሓደ ብምጥቕላል ዝምልከት ኣገባብ ኣይኰነን፡ ንነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ብውልቃዊ ደረጃ ዝምልከት እዩ። ስለዚህ እዚ ክበሃል እንከሎ ሕልና ዘብርህን እብዚ ከይዲ ሕንጸትን ብስለትን ክህሉ ባይታ ብምፍጣር ዝኸወን እዩ። እዚ ድማ ኣስተውዕሎ ወይ ከኣ ልልያ ይበሃል። ቤተ ክርስቲያን ንዝቆሰለት ስድራ ቤት እተሰንይ እያ። ኩሉ ከከም ተኽእሎኡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ወንጌልን ንኽቐርብ ዝድግፍ ምስ ገዛእ ርእስኻን እግዚኣብሔርን ቤተ ክርስቲያንን ምትዕራቕ ክህሉ ዝገብር  ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ስድራ ቤት እዩ ከምዝበሉ ካምፒዚ ገሊጸን።

እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ነቲ ኹሉ ጸገም ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ቤተ ክርስቲያን ምስጢረ ተክሊል ክቕበሉ ንዝደልዩ ሕጹያት ምስጢረ ተክሊል ቅድሚ ምቕባሎም እትህቦም መንፈሳዊ ሰብኣዊ ሕንጸት ዓሚዩቕን እኹል ጊዜ ዘለዎን ብዘይ ተሃዋኽ ክኸውን ከምዘለዎ የተሓሳስብ። እዚ እዩ እቲ ዓቢይ ነጥቢ። ሕንጸት። ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ንመቑሰልትን ኣብ ፍትሕን ምፍልላይን ከይበጽሑ ነቲ ከም ሰብ ሓዳር ከጋጥሞም ዝኽእል ቅልውላው ኵሉ ግምት ዘእትው ኣብ ፍቕርን ምሕረትን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝቖመ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ብምሃብ መከላኸሊ ሓደጋታት ክሰንቁ ትገብር። ወትሩ ተኣፋነትን ቁስልን ስድራ ቤት እትፍውስ ቤተ ክርስቲያን ትሃሉ እውን ዝብል እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካምፒዚ ካብ ዘመሓላለፈኦ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.