2016-12-27 16:50:00

በዓለ ልደት ስብከት ቅዱስ ኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ዕለት 24 ታህሳስ 2016 ዓ.ም. ናብ ዕለት 25 ታሕሳስ ኣብ እተሰጋግር ናይ ክብርን ሓሴን ብርሃንን ለይቲ ብላቲን ስርዓት መሰረት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ ናይ በዓለ ልደት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ንሕጻን ኢየሱስን በቶም በዛ በዓለ ልደት ለይቲ ዝሕጎጐሱን ኣብቲ ምስ ሰብኣውነት ዝተመዓራረየ ክብሪ ዘይብሉ መብልዒ ማል ብዘለዉን ብዝውለዱን ሕጻናት  ንኽንትንከፍ ንፍቀደሉን ንፍቀደሎምን። 

ካብቲ ሓላፊ ዝዀነ መደናገሪ ናብቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ንኸነብል ሰላምን ገርሄይናን እግዚኣብሔር-ሕጻን ንርከብ።

ኣብ ቅድሚ እቲ ዓለም ጅሆ ዝገብሮ ዘሎ ኩነትን ብኣህላኺ ባህሊ ካብ ዝዕብለል ዘሎ በዓለ ልደት ተላቒቕና በቲ ኣብ መብልዒ ማል ዝውለድ ሕጻን ንተንከፍ፡ እዚ ድማ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝነበረ ኢየሱስ እንረኽበሉ ትእምርቲ እዩ።

በቶም ኣብ ሰብኣዊ ሚዛን ኣብ ዘለዎ ናይ መውለዲ ስፍራ ብዘይውለዱ ብብቑዕ ክንክንን ብዘይ ዉዕዉዕ ናይ ኣደን ኣቦን ፍቕሪ ዝውለዱ ኣብቲ ኣብ መብልዒ ማል መሰል ሰብኣዊ ሚዛን ዘይብሉ ስፍራ ብዝውለዱ ሕጻናት ንተንከፍ። ካብ ደብዳባትን ዓመጽን ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ኣብ ዝርከብሉ ትሕቲ ምድሪ ዝዀኑ መዕቆቢ ቦታታት ዝውለዱ ኣብ ፈቐዶ ናይ ከተማታትና ጎዳናታት ዝውለዱ ኣብተን ስደተይናታት ኣሳፊረን ኣብ ዝጓዓዛ ጀላቡን መራኽባትን ብዝውለዱ ስደተይናታት ሕጻናት ንተንከፍ።

እቶም ክውለዱ እናኸኣሉ ገና ከይተወልዱ ብምንጻል ጽንሲ ዝንጸሉን ገሊኦም ድማ ይውለዱ እሞ ዝሕብሕብ ዓንጋሊ ሙዉቕ ፍቕሪ ኣደ ዘይዕደሉን ኣብ አእዳዎም መጻወቲ ዘይኰነስ ናይ ውግእ ኣጽዋር ብዝቐርበሎም ሕጻናት ንተንከፍ። ብሕጻን ኢየሱስ ኣቢሉ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንኣና ጭቡጥ ኰይኑ እዩ። ኣብ መንጐ ዓበይቲ ዘይኰነ ኣብ መንጐ ድኻታት ኣብ መብልዒ ማል ኣብ ረኣዩለይ ንጽብራቅ ዘይኰነስ ብትሑት ሕይወት ብስልጣ ዘይኰነስ ብዘደንቕ ንኡስነትን ትሕትናን ተወልደ።

ንምርኻቡ ናብቲ ዘለሉን ዝርከበሉ ስፍራ እዩ ምኻድ ዘድልይ። ንምራኸቡ ድንን ምባልን ኣብራኽካ ምዕጻፍን ትሕት ትሕት ምባልን የድሊ። እቲ ዝውለድ ሕጻን ሕቶ ይዀነና። ነቲ ሓላፊ ዝዀነ ኩሉ ሓዲግና ናብቲ መሰረታዊ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ከነተኩርን ናብኡ ንኸነብል ይጽውዓና ኣሎ።

ልደት ምስጢር ክኸውን እንከሎ ብተመሳሳሊ መልክዕ ድማ “ናይ ተስፋን ናይ ትካዘን ጊዜ እዩ” ስለምታይ እቲ ዝስገው ፍቕሪ ፍቕሪ ብምዃኑ ተስፋ እዩ። ዝቕበሎ ብዘይ ምንባሩ ግና ትካዘ እዩ። ማርያምን ዮሴፍን ኣብ ገጾም በርታት ኩሉ ይሽገጦም። ኩሉ ዕጽው። ሓደ ዝተኸፍተ ማዕጾ ቤት ይንፈጎም እሞ ኣብቲ ማዕጾ ዘይብሉ መብልዒ ማል መዕረፍ ይረኽቡ ኣብኡ ድማ ኢየሱስ ይውለድ።

ኢየሱስ ተነጺጉን በራት ተዓጽይዎን ብናይ ብዙሓት ዘይተገዳስነት ተሰንዩ ይውለድ። ሎሚ እውን ከምቲ ናይቲ እዋን ዘይተገዳስነት ክህሉ ክኡል እዩ። እዚ ድማ ናይቲ ብዓለ ልደት ቀንደይና ተዋስኢ ንሱ ምዃኑ ተሪፉ ኣንሕና ምስ እንኸውን ዝኽሰት ኩነት ዘይተገዳስነት እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ብርሃን ናይ ዓለም ብርሃን ምስ ዝኹላዕን ኣክንዲ ንኣኡ ንምቕባል ዘይንሱ ዝዀኑ ህያባት ኣብ ምልውዋጥ ሸበድበድ ክንብል ዝፈጥሮ ዘይተገዳስነት። እዚ ዓለማውነት’ዚ ድማ ንእውነተይና በዓለ ልደት ጨውዩ ይርከብ ኣሎ ነቲ እውነተይና ልደት ካብዚ ዓይነት ኩነት’ዚ ንሓርሮ።

ኣብ በዓለ ልደት እቲ ጽልግላጎ ብርሃን ብዘየገድስ ናይ እግዚኣብሔር ብርሃን ይኹላዕ ስለዚህ እዩ ድማ ናይ ተስፋ መቕረት እነስተማቕርን …  ጨዋ ብርሃን ምሳና ፍቕሪ ዝሓዞ እግዚኣብሔር። ኣብ መንጐና ድኻን ተነቃፍን ኰይኑ ብምውላድ ብለውሃቱ ናብኡ ይስሕበና፡

ኣብቲ ቃለ ኣናስር ትርጉሙ ቤት ሕብስቲ ኣብ ዝዀነ ኣብ ቤተ ልሔም ተወልደ፡ ንኣና መግቢ ሕይወት ኽኸውን ዝተወልደ ምዃኑ የመልክት። ፍቕሩ ንኽዕድለና ናብቲ እነብሮ ዓለም መጸ። ከሕልኽን ክኹንን ዘይኰነስ ክምግበናን ከገልግለናን መጸ። እዚ እዩ እቲ መብልዒ ማልን መስቀልን ዘጣምር ሓሳብ። ኢየሱስ እቲ ስሌና ዝቑረስ ሕብስቲ ምዃኑ ቅድም ቢሉ ካብ ምውላዱ ኣቲሒዙ የበስረና። ውህበት ዝዀነን ዘድሕንን ፍቕሪ ኣብ ሕይወትናን ልባትናን ወሃቢ ብርሃንን ሰላምን እዩ። ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ኣቢሉ ድማ ነዚ ዝተረድኡን ዘስተውዓሉን እቶም ኣብቲ እዋን ንፉጋት ተባሂሉ ዝሕሰቡ ሕያዎት ጓሶት እያቶም ዝነበሩ። ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሔር ሓደ’ኳ ግፉዕ የልቦን። ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ብእግዚኣብሔርን ካብ እግዚኣብሔርን ዘይኰነስ ብገዛእ ውስንነትናን ሓጢኣትናን ኢና ገዛእ ርእስና ንገፍዕ። ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ግፉዓት ኣይኰናን።

በዚ መልክዕ እዚ ናይ ልደት መንፈስ ነስተማቕር እዚ ማለት ድማ እቲ ብእግዚኣብሔር ምፍቓርና ዘሕድረልና መንፈስ እዩ። ብእዚኣብሔር ዝለ ዝተፈቐርና። ምፍቓርና ነመስግን ስለ ዘፍቀረና ነመስግኖ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ኢየሱስ ምውላዱ ዘበስር ምስሊ ኢየሱስ ሕጻን ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ዝርከብ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተዋጽኡ ብ12 ሕጻናት ተሰንዮም ናብቲ ዝቖመ ናይ ጐታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል ምውላዱ ዘዘንትው ናይ ቅርጺ ምስሊ ኣብ ዝተነብሮ ቤተ ጸሎት ቅድሚ ምንባሮም፡ ስሌና ንዝተዓደለ ፍቕሪ ነመስግን ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.