2016-12-27 16:54:00

መልእኽትን ብሔራውን ኵላውን ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅዱስ ኣቦና ንበዓለ ልደት ዘእግዚእነ


“ሰላም ንስቑይ ዓለም … ሕጻን ተወሊዱልና … ናይ ሰላም ንጉስ እዩ … ንቀበሎ!” ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ቅዱስ ልደት 2016 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓት ባሕረ ሓሳብ መሰረት ካብ ገበላ ወይ ድማ ሰገነት ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም  ኣብ ዝለገስዎ ብሔራውን ኵላውን ሐዋርያዊ ቡራኬ ነቶም ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ልዕሊ 40 ሺሕ ዝግመቱ መንፈሳዊ ነጋዶ ነተን ብዓመጽን ውጥረትን ዝናወጻ ንዘለዋ ሃገራት እናሓሰቡ ነቶም ዝሳቐዩ ናይ ሕጻን ኢየሱስ ምጽንናዕ ከምእተመነዩን ከምኡ እውን በታ ዕለት በቲ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መርበብ ብዘሎ ኣት ፖንተፊክስ እተሰምየ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ “ክርስቶስ ተወሊዱልና በዛ መዓልቲ ድሕነትና ንተሓጐስ” ዝብል መልእኽቲ ከዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣሊጡ።

ፍቱዋት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ርሑስ በዓለ ልደት

ንመላእ ዓለም ኣባታዊ ሓልዮትን ፍቕርን ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ስቓይ እናሓሰቡ ኣብዚ ኵሉ ስቓይ እግዚኣብሔር ብፍቅሩ ይምልሰልና ብድኽነትን ብገርሄይናነትን ዘይተሓላለኸን ኩነት ኣብ መብልዒ ማል ስጋ ለቢሱን ተሰቢኡን፡ ኢየሱስ መድሕንን ድሕነትን እዩ። ናይዚ ወልደ እግዚኣብሔርን ማርያምን ሕጻን ስልጣንን ሓይልን ኣብ ግኡዛዊ ሃብቲ ዘይቆመ ናይዚ ዓለም ስልጣንን ሓይልን ኣይኰነን እንታይ ደኣ ናይ ፍቕሪ ስልጣንን ሓይልን እዩ።

እቲ ስልጣን’ቲ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ “ንዓለም ዝፈጠረን ሕይወት ዝፈጠረን ኣበሳና ኩሉ ዝምሕርን ንጽልእ ብዕርቂ ዝትክእ ክፍኣት ብተኣምራቱ ናብ ሰናይ ዝልውጥ፡ እዚ ስልጣን ፍቅሪ ናይ ኣገልግሎት ስልጣን ኰይኑ ዝቕጽል ኣብ ዓለም ናይ ፍትሕን ሰላምን መንግስቲ ዝዀነ መንግስቲ ኣምላኽ የጽንዕ። ካብ ሶሪያ ጀሚሮም ኣብዚ እዋን’ዚ ብውግእን ዓመጽ ንዝሳቐዩ ሕዝብታት ኵሎም በቲ ምውላድ ኢየሱስ ዝተነግረ ሓድሽ ብስራት ብዘምጽኦ ናይ ሰላም ተስፋ የጸናንዕ። ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ኣድማዪ ቅልውላው ከብቅዕ ሓደ ካብ ናይ ሓባር ዘተ ዝነቅል መፍትሔ ክርከበብሉ ኣብታ ሓገር ዝተረጋግኤ ማሕበራዊ ናብራ ንኽብጻሕ ተመንዮም።

ሰላም ነቶም ኣብታ ኣብ ደም ዝውሕዛ ዘሎ ብዙሕ ደም ዝፈስሳ ዘሎ ሃገረ ሶሪያን ሕዝባን። ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ሰሙናት ናይ ከቢድን ዘስደምም ግጭት ዝተራእየላ ከተማ ኣለፖ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከምኡ እውን መሰረታዊ ኣድላዪ ነገራት ንምቕራብን ነቲ ኣብ ጽንኩር ኩነት ዝርከብ ኣብ ሕሰምን መከራን ዘሎ ሰላማዊ ሕዝቢ ምጽንናዕ ምቕራብ ሕጹጽነት ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ነታ ምርጽቲ እግዚኣብሔር ዝዀነት ቅድስቲ መሬት እውን እናሓሰቡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ኣብ ናይ ሰላም ስምምዕ ክብጻሕ ተላብዮም።  እስራኤላውያንን ፍልስጥኤውያንን ኣክንዲ እቲ ጽልእን ተጻባኦነትን ሕነ ምፍድዳይን ብሓባር ናይ ሓባር ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ውህደትን ምርድዳእይን ዝዓሰሎ መጻኢ ብናይ ምሕናጽ ድላይ ሓድሽ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ክጽሕፉ ትብዓትን ቆራጽነትን ይሃልዎም።

ኣብተን ብውግእን ብጨካን ግብረ ሽበራ ሕዝበን ኣብ ዝሳቐየለን ዘለዋ ኢራቕን ሊቢያን የመንን ናይ ሰላም ተስፋ ክዅላዕን ኣተሓሒዞም ናይጀሪያ እናሓሰቡ ድማ ኣብታ ኣኽራርነትን ግብረ ሽበራን ንትሕቲ ዕድመ ሕጻናት እውን ዘየናሕስይ ሞትን ራዕድን ዝራአየላ ሃገር ሰላም ክወርድ ተመንዮም።

ንሱዳን ንዴሞክራሲያዊት ረፓሊክ ኮንጐን እቲ ዝገማምዕን ኩሉ ተወጊዱ  ናይ ልምዓትን ናይ ምድግጋፍን ከይዲ ከበግሱ ካብቲ ናይ ግጭትን ዘይምርድዳእይን ኣመክንዮ ናብቲ ናይ ዘተ ኣመክንዮ ዘሰጋግር መገዲ የምረጹ ሓደራ።

ኣብ ምብራቓዊ ኡክራይን ዘሎ ውጥረት ንምውጋድ ናይ ሓባር ሰናይ ድላይ ክህሉን እቲ ዝተበጽሔ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ይውዓል።

ቅዱስ ኣቦና ነተን ኣብ ነዊሕ ስቓይ ዝርከባ ሃገራት እናጠቐሱ ናይ ሰላም ምንዮት ዝገለጽሉ መልእኽቶም ንሕዝቢ ኰሎምቢያ እውን ጠቒሶም ሓድሽን ተባዕን ናይ ዘተን ዕርቅን መገዲ ክስዕቡን ኣብ ቨነዝወላ ዘሎ ውጥረት ከብቅዕን ሓድሽ ንመላእ ህዝቢ’ታ ሃገር ብሩህ መጻኢ ዘማዕድው ተስፋ ተመንዮም።

ከምኡ እውን ቅዱስነቶም ንእስያ እናሓሰቡ ኣብ ምያንማር ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ህልው ክኸውንን ኣብ ኰረያ ሓድሽ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ዘነቓቕሕ ነቲ ዘሎ ውጥረት ዝትክእ መገዲ ሓደራ ክውን  ይኹን፡

ኣብቲ ኣሸባርነትን ኣኽራርነትን ከቢድ ስቓይን መከራን ዘውርደሉ ከባቢ ዓለምን ዝተነጸሉን ንገዛእ ርእሶም ዝተሓድጉ ድኻታትን ንዓመጽን ጥምየትን ዝዳረጉ ዘለዉን እቶም ንሓደስቲ ባርነት ንዝቃልዑ ስደተይናታን ተመዛበልትን ሰላም ፍትሕን ተመንዮም  እቲ ናብ ባርነት ዝዳርግ ገንዘብ ጣዖት ዝገበረን ገንዘብ ዘምልኽ ህርፋን ዝተመልኦ ንኣይነትን ናይ ውሑዳት ረብሓ ዘረጋግጽ ከይዲ ኤኮኖሚ ናብ ድኽነት ንዝዳርጎ ሕዝቢ እናሓሰቡን ከምኡ እውን ብዝተፈላለዩ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት ንዝተጠቕዑን ኩሎም እናሓሰቡ ፍትሓዊ ከይዲ ኤኮኖሚ ተመንዮም። ኣተሓሒዞም ነቶም ንምዝመዛን ንሓደስቲ ግብረ ባርነትን ሓደጋ ዝተቓልዑ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት እናሓሰቡ ሰላም ንሕጻናት ብፍላይ ኣብዛ እግዚኣብሔር ሕፃን ኰይኑ ዝመጻላ መዓልቲ ድሕነት ነቶም ትሕቲ ዕድመ ሕፃናት ሰላም ይኹን ብፍላይ ነቶም ዕሸል ዕድሜኦም ዝምንዝዑን ንጥምየትን መጋበሪያ ውግእን ንናይ ንኣይነት ብጹሕ ክፍሊ ሕብረተሰብ ጸያፍ ተግባር መጋበርያ ንዝዳረጉ ሰላምን ፍትሕን። ብሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራት ዝተደገፈ ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ፍትሓውን ቅኑዕን ዓለም ዝከኣል እዩ። እቲ ንሕጻን ኢየሱስ እነቕርቦ ስብሓትን ክብርን ዝኹልዖ ናይ ሕውነትን ስምምዕን መገዲ የብርሃልና።

ሕጻን ተወሊዱልና ውላድ ተዋሂቡና ንሱ ናይ ሰላም ንጉስ እዩ እሞ ንቀበሎ።

ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ሓዋርያዊን ምልኡ ስርየተ ሓጢኣት ቡራኬን ደጊሞም ኣብዛ መዓልቲ ሓሴት ኵላትና ንሕጻን ኢየሱስ ከነስተንትን ንጽዋዕ ኣሎና ንዅሉ ኣብ መላእ ኵርናዓ ዓለም ንዝርከብ ፍጥረት ሰብ ተስፋ የጸግው። ብጸጋኡ ነቲ ተስፋኡ ድምጽን ተግባርን ገርና ምትሕብባርን ሰላምን ንመስክር፡ ርሑስ በዓለ ልደት ይግበረልና ከምዝበሉ  ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.