2016-12-24 16:13:00

ብፅዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ሰሪ ኣሸባርነት ንምጥፋእ ብሓባር ምዕያይ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣንካራን ከምኡ እውን ኣብ በርሊን ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ትንተና ብጥንቃቔ ሰሪ ኣሸባርነት ንምጥፋእ ዝግበር ጻዕሪ ወሳንን ኣገዳስን እዩ ዝብል ሓሳብ ኣጽኒዖም ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዕነቶም እቲ ብነፍሰ ሄር ኣባ ማሪዮ ፒኪ ዝተመስረተ ማሕበር ዝቖሞ ናይ ዓመጽ ግዳይ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ዝእለያሉ ሓድሽ ማእከል ኣብ ዝመረቕሉ እዋን ድሕሪ እቲ ናይ ሮማ ከንቲባ ቨርጂኒያ ራጂን ዝተፈላለዩ ናይ ሮማ ቤት ምሕደራ ኣባላትን ናይ መንግስቲ ወከልቲ ዝተሳተፍሉ ናይ ምረቓ ስነ ስርዓት ብፁዕነቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ዝኽሰቱ ግብረ ሸበራ ቅድስቲ መንበር ብዘይ ቅድመ ኩነት ብምውጋዝ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ውጉዝ እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ንምውጋዝን ነተን ናይዚ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀና ኣሓትናን ንምእላይን ዝተፈላለየ መንፈሳውን ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን ድጋፍ ዝወሃበሉ ማእከል ኣብ እዋን በዓለ ልደት ክምረቕ ብሓቂ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ እዩ። ጸረ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ምቛምን ምቅላስን ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ሰሪ ግብረ ሽበራን ንምጥፋእ ዝግበር ጻዕሪ መሰረታዊ እዩ ኢሎም።

ዝዀነ ይኹን ዓይነት ግብረ ሽበራ ብሕጋዊ መገድን ከምኡ እውን ጠንቂ ግብረ ሽበራ ብምጥፋእ ምቅላስ ይግባእ። ኣናስር ግብረ ሽበራ ምልላይን ምጥፋእን፡ ኣብ ኣንካራ ኣብ ልዕሊ ለኡከ መንግስቲ ሩሲያ ዝተፈጸመ ግብረ መቕተልቲ ብሓቂ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ እዩ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ከባቢ መዲትራኒያን ዘሎ ሻቕሎትን ሕዝብታትን ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ዘቃልዕ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ንምውጋድ ብሓባር ምቅላስ የድሊ። ውግእን ግጭትን ምፍታሕ የድሊ። ብሰላም ንምንባር ምትሕብባር።

ብፁዕነቶም ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት በዓለ ልደት ዕለት 22 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ዝተፈላለዩ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መልእኽቶም ብኣጽንዖት ዘተሓሳሰብዎ ሓሳብ ምልዋጥ ዝብል እዩ ዝነበረ። እቲ ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ዝተላለዩ ናይ ሃገረ ቫቲካን መዋቕራት ዝተኣታትውዎ ዘለዎ ሕዳሴ ሓድሽ ኣቃውማን ኩሉ ኣብቲ ሕዳሴን ምልዋጥን ዝብል ወንጌላው ሓሳብ ዝቖመ እዩ። ብርግጽ እዚ ክበሃል እንከሎ ሕጋውን ግብረኣውን ቅዋሜኡ ግምት ብምሃብ እዩ። ወንጌል ዘማእከለ ሕዳሴ ድማ ሕጋውን ግብረኣውን ቅዋሜ ኣጣሚሩ እዩ ዝኸይድ። ንኣና ይብሉ ብፁዕነቶም ቅዱስ ኣቦና ዘተሓሳሰበዎ ሕዳሴ ብፍሉይ ምስ ዝተቐበልናዮ ጸዋዕታ ዝተኣሳሰረ እዩ፡ ሕዳሴ ወትሩ ኢየሱስ ዘቕርቦ ቀጻሊ ጸዋዕታ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.