2016-12-24 16:10:00

ራብዓይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት፥ ኢየሱስ ኣብ ልባትና ክውለድ ይደልይ


ጽማሬ ስብከት ኣባ ካንታላሜሳ፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመላእ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ዘሳትፍ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ንበዓለ ልደት መሰናደዊ ዝገብር ናይ ዘመነ ምጽኣት ሱባኤ እነሆ ለምብዘበን 2016 ዓ.ም. ዕለት 2 ታሕሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እመ መድሃኔ ዓለም ኣባል ማሕበር ኣሃው ካፑቺን ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ካንታላመሳ ብስለገስዎ ስብከት ከምእተጀመረን፡ እቲ ቀዳማይ ስብከቶም ድማ ኣብ ባህርይ መንፈስ ቅዱስ ዘማእከለ ኰይኑ ንመንፈስ ቅዱስ ምስ ኣብን ወልድን ዘሕብሮን ፍልይ ዘብሎ ኣብ ተኣምኖተ እምነት (ተኣምኖተ - ሃይማኖት) ዝግለጽ  ተክለ መንነቱ ዘብርህ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ዝሳዃዕ ተግባሩ ድህረ እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. መበል 50 ዓመቱ ዝተብዓለ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምሕስሳብ ጠቒሶም፡ ብዕምቆት ንምስትንታንን ንምስትውዓልን ካብ ተማላእነት ናብ ምሉእነት ዘብል ውጽኢት ዝዓደለ ኰይኑ ግና ብዙሕ ጊዜ ማእከል ናይቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ምንባሩን ሕጂ እውን ኣብ እዋን ከይድን ፍጻሜን ውሳኔ’ቲ ጉባኤ ዝመርሕ ንሱ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ኣብሪሆም ከምዝነበሩን፡ ዕለት 9 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ዝለገስዎ ካልኣይ ስክበት ዘምጽኣት ድማ “ካብ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ምልኣት እንሰትይ ብመንፈስ ቅዱስ ህዱኣት ኢና” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ጸቒጦም ኣብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያባት ልልያ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ሰፊሕ ስብከት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ እናዘኻኸርና ዕለት 16 ታህሳስ 2016 ዓ.ም. ሳልሳይ ናይ ዘመነ ምጽኣት ስብከቶም ህዱእ ፍናን ካብ መንፈስ ቅዱስ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፥ ጴንጠቆስጠ ዕጹው ኩነት ዘይኰነስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ናይ ምክፋት ተኽእሎ እዩ። እዚ ማለት ድማ ንቤተ ክርስቲያን ሓደ ዓቢይ ዕድል ከምዝዀነ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1975 ዓ.ም. ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ናይ ካቶሊካዊ  ምንቅስቓስ ተሓድሶ ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ትርጉም ተሓድሶ ብምግላጽ ዝበልዎ ከምዝዀነ ኣባ ካንታላመሳ ብምዝኽኻር፡ ቅዱስ ኣብሮዚዩስ፥ “ብሓሴት ፍድፋድ መንፈስ ቅዱስ ብህድኣት ንሰትይ” እንክብል ጸሚእካ እትሰትዮ ዘሕድረልካ ርውየት ህዱእ ስኽራን ብምልኣት መንፈስ ቅዱስ ዝብል ሓሳብ ዘብርህ ምዃኑ ዝትንትን ምንባሩ እናዘኻኸርና እምበርኣር ኣብቲ ዕለት 23 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. “ኢየሱስ ኣብ ልባታና ክውለድ ይደልይ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ራብዓይን ናይ መአዳእታ ናይ ዘመነ ምጽኣት ስብከቶም ጽማሬ ንመልከት፥ እቲ ኢየሱስ ኣብ ልባትና ክውለድ ይደልይ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ኣብ ተኣምኖተ እምነት ዘሎ ንሱ ድማ “ብናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ እንካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስጋ ለቢሱ ሰብ ኰነ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲተ ኣሞርኰይዞም እንክትንትኑ፥ ኢየሱስ ባዕሉ እዩ ኣብ ልባትና ክውለድ ዝደልይ። እዚ እዩ ቀንዲ ትርጉም በዓለ ልደት፡ ካብ ኵሉ እዋን ዝተራእየን ዝረአይን ምውላድ ፍልዩን እቲ ኣዚዩ ኣገዳስን ልደት ኣብ ቤተ ልሔም ዝተኸወነ እዩ። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶ ኣብ ምውላዱ ማርያምን ዮሴፍን ዝነበርዎ ኩነት ዓለም ሎሚ እውን ዘሎ እዩ። እንተዘይገደደ፡ ግብረ ሽበራን፡ ውግእን ጸኣትን። ንማርያም ዮሴፍን መዕረፊ ቤት ኣይነበሮምን፡ ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ ቦታ ዘይረኸቡን። እዚ ኹሉ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኩነት ናይቲ እዋን ዓለም ሎሚ እውን ኣብ ህሉው ዓለም ዝረአይ ዘሎ ጉዳይ እዩ።

በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ንኣና ዘለዎ ትርጉም ብምስትዓል እዩ ክበዓል ዘለዎ። ነቱ ግዳማውን ውሽጣውን ጫው ጫው ትም ከብል ዝኽእል ጥርሕ እዩ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ሃሊዎ ነቲ ምውላድ ንኣይ እዩ ብዝብል ትርጉሙ ክርዳእ ዝኽእል። ቅዱስ ሊዮነ ማኞ (ዓቢይ) “ደቂ ቤተ ክርስቲያን ምስ ልደት ኢየሱስ እዮም ዝተወልዱ፡ ከምቲ ምስኡ ኣብ መስቀሉን ስቓዩን ምስኡ ድማ ኣብ ትንሳኤኡ ይውለዱ” ይብል፡ እብዚ ኣናስር እዚ ኩሉ ኣብ ማርያም ዝፍጸም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ክውንነተ ኣሎ። እታ ድንግል “ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ” ኣደ ኢየሱስ ኰነት። እዚ ታሪኻዊ ምስጢር ከምቲ ኩሎም ክውንነታት ናይ ድሕነት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሊጡጊያን ኣብ ናይ ምእመን ነፍሲ ወከፍ መንፈስ ብደረጃ ግብረ ገብን  ቅዱስ ምስጢራዊ ቀጻልነት ይህልዎ። ማርያም ድንግልን ኣደን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ ትወልድ በዚ መገዲ’ዚ ድማ ፍጹም ተክለ ሰብነት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኣማኒ መንፈስን ኣርአያን ትገልጾ።

ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብፍላይ ድማ ኣብቲ ብዛዕባ ማርያም ዝምልከት ኣብ ብርሃን ኣሕዛብ ኣብ ዝብል ውሳኔ ዘሎ ሓሳብ ንሳ “ኣብነትን ኣርኣያን ቤተ ክርስቲያን እያ” ብእምነት ድንግልን ኣደን ኣማኒት መንፈስ ንዝዀነት ብልጸት ማርያም ብምምሳል ኣብ ልባን  ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓው ኢየሱስ ክውለድን ክዓብይን ትገብር ዝብል ሓሳብ ትንቲኖም መንፍስ ቅዱስ ኣብ ማሕጸን ማርያም ኢየሱስ ቅድሚ ክሓድር ምግባሩ ልበ ማርያም ብክርስቶስ ኣናብረሄን ኣናጉሃሃረን ኩለመናኣ ብክርስቶስ ክምላእ ይገብር። እቲ ኣብ ልዕሊ ማርያም ዝወርድ መንፈስ ቅዱስ ድማ እቲ ብግብረ መስተንክር ካብ ድንግል ማርያም ስጋ ኢየሱስ ዝፈጥር ፈጣሪ መንፍስ ቅዱስ ህያው ማይን ሓውን ፍቕርን መንፈሳዊ ቅብኣትን እዩ።

ምስጢረ ትስብእት ብማርያም ከም ሓደ ተሓድሳዊ ኩነት ተነቢሩ ከበሃል ንሳ ኣርአያ ናይቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝወዓዋዕ መንፈስ ትኸውን። ብቐዳምነት ህዱእ ርውየት ብመንፈስ ቅዱስን ከምኡ ኣውን ድሕሪ ትስብእቱ እቲ ዓቢይ ናይ መለኰታዊ ጸጋ እቲ ናይ መለኰታዊ ኣደነት ማርያም ንሱ ድማ ኣደ እግዚኣብሔር ናይ ምዃን ተእምር ዘረድእ ከምቲ ቅዱስ ኢግናዚዩስ ዘኣንጽዮኪያ ዝብሎ ኣካላዊ ኣደነት ደረት ሰገራውነት ኢየሱስ ወልደ እግዚኣብሔርን ወልደ ማርያምን እዩ” ዝብሎ እቲ ኣደነት ድማ ትሕትና ማርያም እዩ፡ እዚ ኣብ ማሕጸት ማርያም ኢየሱስ ዘሕደረ መንፈስ ቅዱስ ናብቲ ሓቀይና ትርጉም በዓለ ልደት ክንምለስ ይደልይ። በዓለ ልደት እቲ ብዝተፈላለየ ስርዓትን ባህልን እነብዕሎ እውን እንተዀነ እዚ ኣበዓዕላ’ዚ ውሽጣውን እውነተይናን በዓል ኰይኑ ክበዓል ይደልይ።

ባዕሉ ኢየሱስ እዩ ኣብ ልብና ክውለድ ዝደልይ። ካብቲ ኣንሕና ንሱ ኣብ ልብና ክውለድ እንደልዮ ንላዕሉ ንሱ ኣብ ልብና ክውለድ ዘለዎ ድላይ እዚዩ ዝለዓለን ዓቢይን እዩ። እምበኣር ሰብ እምነት እንተድኣ ኰይንና ንኢየሱስ ብኸምዚ መልክዕ ንሕሰቦ። ከምቲ ኣብ እዋን ቅድሚ ኣብ መብልዒ ማል ምውላዱ ማርያም ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ እትእንገደሉ ቤት ምስ ዮሴፍ ኰይና ከተናድይን መዓጹ ኣባይቲ ክዅሕኩሑን፡ ኣብ ቤትካን ልብኻን ክውለድ እናበለ ሎሚ እውን ኣብ መዓጹ ልባትና ይዅህኵሑ ኣሎ። ማርያምን ዮሴፍን ማዓጹ ልባትና ይዅሕኵሑ ኣለዉ እንክብሉ ኣብ ልብና ክውለድ ንደልይ ዶ? ዝብል ሕቶ ብምቕራብ ዝለገስዎ ናይ ራብዓን ናይ መወዳእታን ስብከት ዘመነ ምጽኣት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.