2016-12-20 16:21:00

ክቡር የኔታ ቪጋኖ፥ ንዓለም ምሕረት እግዚኣብሔር ነመሓላልፍ


ብእግዚኣብሔር ንምግራም ገዛእ ርእስና ንፍቀደሉ ከምዚ ምስ እንገብር ድማ ንዓለም ጥዑም ቃል ብስራት ምሕረት ነኸነመሓላልፍ ይከኣለና ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ህየንተ የኔታ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ መላእ ናይቲ ብትሕቲኦም ዝምራሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሰራሕተይናታትን ጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ ተግባረ እድን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ግረግ ቡርከን ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ጆቫኒ ማሪያ ቪያንን ዘሳተፈ ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ጳጳሳዊ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 19 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. የኔታ ሉቾ ሪውዝን ናይ ቫቲካን ቤት ማሕተም ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ጁዘፐ ኮስታን ናይ ቫቲካን ራዲዮ መርሓ ግብራታት ጉዳይ ሓላፊ ኣባ አንድረያ ማየስኪ ዝርከብዎም ብዕስራ ካህናት ተዓጂቦም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ኣባ ቪጋኖ ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ካብ መጽሓፍ መሳፍንቲ ምዕ. 13, 2-7, 24-25 ዝተነበ ጠቒሶም ነቲ ኣብ ሕይወት ደቂ ሰባት ዝኣትውን ሱር በተኽ ለውጢ ኣብ ሕይወት ዝጽግው ናይ እግዚኣብሔር ምስጢር ምእዋጅ። እቶም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ክዓዩ ዝተጸውዑ ጥዑም ቃል ብስራት ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ዘበስሩ እያቶም፡ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ምንባብን ወንጌል ብዛዕባ ምውላድ ይዘረብ። ክልተ ስድራ ቤት እቲ ኣብ ቀዳማይ ምንባብ ዘሎ እታ መኻን ዝነበረት ሰበይቲ እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዝነበራ እምነት መኻንነታ ፈዊሱ እነሆ ድማ ሳምሶን ዝሽሙ ሕጻን ወለደት ኣብ ወንጌል ድማ ኤልሳቤጥ መኻንነታ ተፈዊሱ ዮሓንስ መጥምቕ ተገላገለት። ክልተ ኣባይቲ ስድራ ምሕረት እግዚኣብሔር ይበጽሐን፡ ፈተናን መሰናኽላትን ብእምንት ይሰዓሩ።

እቲ እግዚኣብሔር ካባና ዝሓቶ ብጽንታ ምስትውዓልን ምትሕልላፍን

ኣባ ቪጋኖ ኣብቲ ተክለ ሰብነት ኣቦ ሳምሶን ንሱ ድማ ማኑሄ ኣማእኪሎም ማኒሄ ቃል ብቓል ትርጉሙ መዕረፍ ስፍራ ማለት እዩ። እቲ ዝመጽእን ክእንገድን ዝሓትት ብሃንደበትን ዘገርምን መገዲ ህልው ንዝኸውን እግዚኣብሔር ምልላይን ምቕባልን ምጽኣቱን ወጻኢ ሕሳበታትናን ኣገባብናን እዩ። ኣብቲ ኣንሕና ዘይሓሰብናይ ጊዜ -  እግዚኣብሔር ኣብ ዝሓሰቦ ጊዜ ግና። ከምቲ ደጋጊሞም ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ጸሎት ልቢ እግዚኣብሔር ዝኸፍት መፍትሕ እዩ። መዕረፊ ስፍራ ድማ ንሱ እዩ።

ኣብቲ ናይ በረኻ ገነት ፈልፋሊ ዓይኒ ማይ ኣብቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ መዕቆብታት ጐይታ ነቲ ካባና ዝደልዮ ይገልጸልና። እንታይ ክንገብር? ሕጽር ብዝበለ ኣዘራርባ ንጸዋዕታና መልሲ ክንህብ እዩ ዝደልይ። ጽን ቢልና እንተዘይሰማዕናን እንተ ዘየስተውዓልናን ከመይ ቢልና መልሲ ክህንህብ ዝከኣለና? እዚ ድማ ናይ መራኸቢ ብዙሃን  ጉዳይ ሕጊ እዩ። ጽን ምባልን ምስማዕን ምርዳእን ትርጉም ዘለዎ መልሲ ምሃብን። ሳምሶን ጸሓይ ክነስተዕል ይድርኸና ኢሎም።

ኣባ ቪጋኖ ኣስዒቦም ድማ ኩላትና ስራሕተይናታት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ነሓድ ሕድና ህያብ ኢና። ልክዕ ከምታ ኣብ ሓንቲ ስድራ ቤት ናይ ጽባቔ ጮራ ኢና። ሓደ ንሓደ ናይ ጽባቔን ናይ ዕዮን ጮራ እዩ። ናይ ስራሕ ሕጊ ምኽባር ክተርፍ ዘይኽእ ጸገምን ፈተናን ምስናፍ። ዘጋጥመና ዘይምርድዳእን ቀቢጸነትን ድኻምን እታ ናብ እግዚኣብሔር እተሰንይ መገዲ ተኣማንነት ኣብ ጸዋዕታ ንኸነለልይን ክንስዕብን ይድግፈና። ኩሉ ትርጉም ኣለዎ።

ኣብ  ናይ ዕለቱ ምንባበ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 1, 5-25, ዘሎ ድማ ጠቒሶም ዘካርያስ ትርጉሙ ድማ እግዚኣብሔር ዘከረ ዝብል ክኸውን እንከሎ ኤልሳቤጥ ማለት ድማ እግዚኣብሔር ምሒሉ ዝብል ክኸውን እንከሎ ቃል ኣትዩ ወይ ከኣ እግዚኣብሔር እሙን እዩ ቢልና እውን ክንትርጉሞ ዝከኣል እዩ።

እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ጥዑም ዜና የበስር፡ ንሱ ምሕረት እዩ ምሕረት ድማ ኣለዎ

ዕለታዊ ትጽቢትን ጸሎትን ብዙሕ እዋን ዝተቀመረ ቃል ምድግጋም ከይኑ ክስምዓና ዝከኣል ይኸውን። ሰብ ዝብሎን ዝዛረቦን እግዚኣብሔር ከም ሓደ ናይ ግብሪ ተቐባሊ ቀረጽ ዘኽፍል ተጻባጻቢ ገርና ክንሓስቦ ዝከኣል እዩ። እዚ ድማ ነቲ ምዃን ክንየው ሰገራውነት መንፈስና ዝዓብጥ እዩ። ጐይታ ግና ነዚ ኹሉ ኣፍሺሉ ኣብ ዘይምድናቕናን ብዘይ ኣግርሞት ተጸባጻቢ ኣነባብራ ሕይወትና ይትንክፍን ሓጎስ ይኹልዕ ብኸምዚ መገዲ ኣቢሉ ድማ እቲ ጥዑም ዜና ዝኾነ ምሕረቱ የበስረና። ዮሓንስ ዝብል ቃል ትርጉሙ እግዚኣብሔር መሓረ ዝብል እዩ። እግዚኣብሔር ብምሕረቱ ንነፍሲ ወከፍና ይበጽሓናን ይራኸበና ምሕረቱ ድማ ይጽግወና።

ኣባላት ቤት ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ሓቆፋዊ ማሕበረሰብ እዩ ምእንቲ’ዚ ጥዑም ቃል ብስራት ልደት ናብ ኩሉ ንኸነብጽሕ ዝተጸዋዕና ኢና። ዓለም ሓቆፋውነትና ናይ ብሓቂ ርጉጽ እዩ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጻእና፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን መጻእተይና ዝበሃል የሎን ናይ ኩሉ ቤት እያ። ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጻእና ደቂ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ዓለም ለኻውያን ኢና እሞ መልእኽቲ ልደት ናብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ነብጽሕ ቢሎም ኣብ መወዳእታ ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ብዝተፈላለየ መዳይ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ኣባላት ዘለወን ማሕበር ኢየሱሳውያንን ሳሊዛውያን ምዃኖም ድማ ጠቒሶም ስለ እዞም ክልተ ዓበይቲ መንፈሳውያን ማሕበራት ንእግዚኣብሔር ነመስግን። እቲ ሓደ’ኳ ክጠፍእ ዘይደሊ ኣምላኽ ሰብ ኰይኑ ክመጽእ መረጸ። ተሰግወ ድማ። እዚ ሓጎስ’ዚ ነበስር እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.