2016-12-17 16:58:00

ቅድስቲ መንበር ንግድ ሰብ እዋናዊ ግብረ ጊልያነት ዓቢይ ማሕበራዊ መንሽሮ እዩ


ኣብ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ደህንነትን ምትሕብባርን ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ያኑስዝ ኡርባንችዝይክ ዕለት 15 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ኣብ ቪየና ኣብ ዝተኸየደ መበል 1124 ምሉእ ክፍለ ጉባኤ ከምእተሳተፉን እቲ ጸረ ሓደስቲ ጊልያነት ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ዝዘተየ ጉባኤ ብብቕዓት ንምብዳህን ንምውጋድን ነቲ ካብዚ በዚ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ዝእከብ ሃብትን መኽሰብን ኩሉ ብምቁጽጻርን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብምልኣት ውሑስ ንምግባር ኣማእኪሉ ከምዝመኸረን ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥

ቅድስቲ መንበር እናደጋገመትን ከይተሓለለትን ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይምርግጋእ ንመደለቢ ብሃብቲ ገንዘብ ዝጥቀሙ ናይ ገበን ጉጅለታት ነቲ ካብ ቦታ ቦታ ብዘይሕጋዊ መገዲ ሰባት ንምቅስቓስን እዚ ምንቅስቓስ እዚ ድማ ንምዝመዛን ሰብኣዊ ክብሪ ንዝሓክኽ ናይ ገበን ጉጅለታት ንዘቑምዎ ናይ ጸያፍ ትካላት መጋበርያ ዝዳርግ ኰይኑ ብጠቕላላ ናይቲ ሓድሽ ጊልያነት ተባሂሉ ዝግለጽ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ዘስፍሕ ጸአ ሰብኣዊ ተግባር ብምቅዋም ኣብ መላእ ዓለም ብእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቢላ እቲ ጸያፍ ተግባር ጠሪሹ ክውገድ ማሕበረሰብ ዓለም እናሓነጸት ናይቲ ሓድሽ ጊልያነት ግዳይ ዝዀነ ካብቲ ዝወደቖ ጸያፍ ጸረ ስብኣዊ ተግባ እናአለየት ሰብኣውን መንፈሳውን ስነ ኣእምሮኣውን ሕንጸት እናቕረበት ናብ ሰላማዊ መነባብሮ ንኽምለስ ዓቢይ ጻዕርታት ከምእተካድ ዘዘኻኸሩ ብፁዕ ኣቡነ ኡርባንችዝይክ እዚ ማሐበራዊ መንሽሮ’ዚ ካብ ሱሩ ክመሓውን ጠረሹ ከይህሉ ንምግባር ብዘብቅዕ ሕንጸታዊ መዳይ ኣቢላ እውን እናመሃረትን ናይ መንግስታትን ዓለም ሓቆፍ ተቛማን ብሔራውያን ተቛማትን ሕሊና እናነቓቐሔት ሰብኣውነት ዘማእከለ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ስርዓትን ባህልን ክቐውም ተተባዕ ክምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ፍጥረት ሰብ ንሓደስቲ ጊልያነት ሓደጋ ከይቃላዕ ብኹሉ መዳይ ናይ ኵሉ ጻዕሪ ዘዋህድ ናይ ምትሕብባር መርበባዊ ዕዮ እናነቓቕሔት እውን ፍጥረት ሰብ ካብ ዝዀነ ይኹን ክብርን መሰልን ግህሰት ተግባራት ንምድሓን ዝግበር ጻዕሪ ብሓዳኣውነት ውሁድን ስርዓት ክኸወን ትመርሕ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ጸያፍ ተግባር’ዚ ማለት ሓድሽ ጊልያነት ኣውጊዞምን ንምውጋኡን ንምውጋድን ጭቡጥ ተግባር ክፍጸም እውን ከይተሓለሉ ጻውዒት ብምቕራ ኣብ 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ናይ ሓባር ጸረ ሓደስቲ ጊልያነት ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዝገበርዎ ጻውዒት ከምእተፈረመን እዚ ሰነድ’ዚ ድማ ብጉጅለ ቅድስቲ ማርታ ዝጽዋዕ ኰይኑ ንዝተፈላዩ ጸረ ሓደስቲ ጊልያነት ኣብነት ኰይኑ ከምዘሎ ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ጠቒሶም፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ክቐውም ዝገበርዎ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጸረ ሓደስቲ ጊልያነት  ምስ መንግስታትን ምስ ዝተፈላለዩ ኣብዚ መዳይ ምስ ዝዋፈሩ ናይ ጸጥታን ደህንነትን ተቛማትን ሓይሊ ጸጥታን ቃል ኪዳን ናይ ምቛም ሓላፍነት ዘበራትዔ እዩ። ስለዚህ ሓድሽ ጊሊያነት ብዓለም ለኻዊ መዳይ ብምቅላስ ምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ዝሕድስ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዚናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ቅድም ቀዳድም እቲ ንናይ ገበን ጉጅለታት ልምዑ መሬት ዝዀነ ውግእን ጥምየትን ድኽነት ንምውጋድ ሃገራ ዓለም ክሓብራን ብፍላይ ድማ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሰላም መጋበርያ ኰይነን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣብ ምሕናጽ መዳይ ክጽመዳ ዝበልዎ ሓደራ ብፁዕ ኣቡነ ኡርባንችዝይክ ጠቒሶም ስለዚህ ነቲ ማሕበራዊ መንሽሮ ብዝተፈላለየ ናይ ሓጺር እዋን ኣፋውስ ምዕጋስ ዘይኰነስ ጠሪሹ ኣብ ምውጋድ ተግባር ኩሉ ክሓብር ኣለዎ ኢሎም ሓድሽ ጊልያነት ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ዝፍጸም ዓቢይ ገበን እዩ። ምእንቲ’ዚ ኩለን ኣባላት ሃገራት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብዘይ ይጽንሓለይ ዓቢይ ገበን ቢለን ንኸይክሰትን ነቶም ዝኽስትዎ ድማ ብምክትታል ኣብ ግቡእ ፍርዲ ብምቕራብ ነቶም ገበነይናታት እውን ናብ ሰላማዊ ማሐብራዊ ናብራ ንኽምለሱ ብምሕናጽን ናይ መቕጽዒ ሕጊ እቲ ገበን ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ዝድግፍ ክኸውን ኣሚተን ኣብ ሰብኣዊ ሕንጸት ክተግሃ ይግባእ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መለጺ ኣተሓሒዙ፥ ኵለን ሃገራት እቲ ናይ ብዙሓት ሕጻናት ሕይወት እውን ዘየናሕስይ እኵይ ተግባር ተባሂሉ ዝልለይ ሓድሽ ጊልያነት ንምውጋድ ነቲ በዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ኣቢሎም ሃብቲ ዘደልቡን እቲ ረሳሕ ሃብቲ ገንዘብ ንምሕጻብ ወይ ድማ ዘይሕጋውነቱ ንምኽዋል ኣብ ዘኽእሎ ኣብ ናይ ሕጋውያን ትካላትን መደብ ልምዓትን ንምዓል ዝፍጸም ተግባር ብምክትታል እቲ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ብዅሉ መዳይ ንምቅላስን ቆራጽ ፖለቲካዊ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ድላይ ምርጋጽን ነዚ ድላይ’ዚ ተግባራዊ ክገብራ ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.