2016-12-17 13:16:00

ሰንበት ዘስብከት ታኅሣሥ 9 2009 (12/18/2016)


ንባባት፡ ሮሜ 13፡1114፥ 1ዮሓ 2፡14-ፍ፥ ግ.ሓ. 3፡17-ፍ፥ ማቴ 24፡36-44  ስብከት፡“ፈኑ እዴከ እምአርያም፥ ወአድኅነኒ ወባልሓኒ እማይ ብዙኅ፥ ወእምእደሆሙ ለደቂቀ ነኪር።” “ኢድካ ካብ ላዕሊ ስደድ ካብ ዓሚቚ ማያት አውጽአኒ፥ ካብ ኢድ ወዲ ጓና አናግፈኒ”፥  መዝ. 144፡7።

ካብ 7 ታሕሣሥ ክሳብ 27 ታሕሣሥ ዘሎ ዘመነ ስብከት ወይ ምጽአት ይብሃል። ሰለስተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ ይብሃል። ሓሓድ ጊዜ ከአ 4ይ ዘመርዓዊ ይውሰኾ። ዘስብከት ዘብሎ ነብያት ጎይታና ብሥጋ ምውላዱ አስፊሖም ብትንቢት ብትምህርቲ ስለ ዘስተምሃሩን ዝሰበኹን ቤተክርስትያን ነዚ እናሓሰበት ሰብ ንምድኃን ናብ ምድሪ ንዝመጸ አምላኽ እትሰብከሉ እዋን ስለ ዝኾነ እዩ። ናይ ሎሚ ነብያት ሰበኽትን ተሰበኽትን ንሕና ኢና፥ ንልደት ክርስቶስ ብምሉእ ልብና ተቐሪብና ክነብዕሎ እንሰናደወሉ እዋን እዩ። መብራህቲ ሰላም፥ መልእኽቲ ዕርቂ፥ ፍቕሪ፥ ሕድገት፥ ምሕረት አብ ሕይወትናን አብ ሕይወት ካልኦትን ክነግስ ብምሉእ እንቀራረቡል እዋን እዩ፥ ነፍስወከፍ ክበራበር ክሓስብ ምስ ርእሱ ክዛረብን ክርእን ዝሕተተሉ እዋን ስለ ዝኾነ አብ ሓደ ጉዕዞ ክንህሉ እሞ ብዓልና ብግቡእ ክነብዕሎ ኩልና ንሰናዶ።

ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር ንምስንዳው ክሕግዘና ኢሉ ‘ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ዘሎን መድኅን ንሰብኽ፥ አኽሊል ናይ ሰማዕታት ሰያሚ ካህናት ተስፋ ናይ መነኮሳት፥ ወልድ መድኅን ንሰብኽ፥ ንመድኃኒ ወዱ ንሰብኽ’ እናበልና ንዝምር።

ብሉይ ኪዳን ብምልኡ ዘመነ ስብከት እንተ በልናዮ ዝተጋነነ አይ ኮነን። ነብያት አበው በብእዋኑ ንምጽአት ክርስቶስ ሰቢኾምን አስናድዮምን። ብፍላይ ቅዱስ ዮሓንስ ጎደናታት አቕንዑ ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል እምባን ኩርባን ትሕት ይበል ጥውይዋይ ዝኾነ ኵሉ ትኽ ይበል ድንጉር ይተኻኸል (ሉቃ 3፡4-5) እናበለ ንህዝቢ ንምጽአት ጎይታ ዝግባእ ምቅርራብ ክገብሩ ይነግር ነሩ። ቤተ ክርስትያን ሎሚ ንልደት ክርስቶስ ክነብዕል ክንሰናዶ እንከሎና አብ ልብና ተመሊስና ዘንጊዕናዮ ወይ ወዲቒናሉ ካብ ዘሎና ክንምልስ እሞ ብዓልና ብግቡእ ክነብዕል ተሰናድወና አላ።

እዚ ዘሎናዮ ጊዜ ናይ ምጽባይን ምቅርራብን ንልደት ክርስቶስ መድኃኒና ነቲ አብ ቤተ ልሔም መጀመርያ ልደቱ አብ መንጎና ክዉን ዝገበረ እዩ። እንተ ኾነ ጎይታና አብ ሕይወትና ብሰለስተ መገዲ ይመጽአና።

፩ያ ምጽአት፡ ቅድሚ 2000 ዓመት ሥጋና ለቢሱ መድሕና ኮይኑ ዝተወልደሉ። እዚ እቲ ንዘመናት አብ ብሉይ ኪዳን ብአይሁድ ዝተጸበይዎ እዩ። አብዚ ጊዜ ምጽአት ከምቲ ንሶም አብ ትጽቢት ዝገብርዎ ዝነበሩ እናገበርና ንምጽአት ክርስቶስ ዘኪርና ንምብዓል ንቀራረብ።
፪ይ ምጽአት፡ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብግርማ አብ መወዳእታ ዓለም ክመጽእ እዩ።  እቲ ካብ ሞት ዝተንሥአ ክርስቶስ አብ መንበር ክብሪ አብ የማን ሰማያዊ አብኡ ተቐሚቱ ዘሎ እንደገና ክመጽእ እዩ፥ እንተ ኾነ አብዚ እዋን ከም ንጉሥን ፈራድን ናይ ኩሎም ሕያዋንን ሙታንን ኮይኑ ክመጽእ እዩ። ግን እዚ ምአስ ከም ዝኸውን አይንፈልጥን ኢና።
፫ይ ምጽአት፡ አብ መንጎ እዞም ክልተ ምጽአታት ዝኸውን እዩ። መዓልታዊ ክርስቶስ አብ ሕይወትና ክመጽአና እንከሎ ዝፍጸም እዩ። ብዝያዳ ብምስጢራቱ ገሩ ብፍላይ ምስጢረ ቅ. ቍርባን ገሩ አብ መንጎና ክሓድር እንከሎና እዚ ኸአ በዳህን ቅሳነት ዝህብን እዩ። ብሓፈሻ ክንርእዮ እንከሎና ዘመነ ምጽአት ልዕሊ ጊዜ ክርአ አለዎ (ዝሓለፈ ዘሎ ዝመጽእ) በዚ ምኽንያት ሓደ ክርስትያን ኩሉ ጊዜ ወዲ ምጽአት ኮይኑ ክነብር አለዎ።

ዘሎናዮ እዋን እምብአር ንልደት ክርስቶስ ብዓቢ ክብሪ እናአብዓልና ምስ መድሕና ዘሎና ርክብ ክንርኢ ዝሕግዝ እዩ። ቤተ ክርስትያን ከምቶም ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ዝነብሩ ዝነበሩ ሃረርታ ወይ ትጽቢት መስሕ ክህልወና ትደሊ። ቅዱስ መጽሓፍ ነዚ ተግባራዊ ክንገብር ዓቢ ሓገዝ ይኾነና፥ ካብ ንባባት ኢሳያስ ነብይ፥ ሕይወትን ትምህርትን ቅ. ዮሓንስ መጥምቕ ከምኡ ማርያም ብዝያዳ ክቕርቡና ይኽእሉ። ዘመነ ምጽአት ንዝበለጸ ካልእ ጉዳይ ክንሰናዶ ከም ዘሎና እውን ይነግር፥ኩልና ከምቲ አብ ወንጌል ማቴዎስ ዝብለና ድልዋት ንዳግማይን መወዳእታን ምጽአት ክርስቶስ ክንከውን ይነግረና።

አብ ኢሳያስ ነብይ 2፡1-5 እንተ አንበብና አብዚ ጉዕዞ ምጽአት እንጉዓዞ ዝግብአና ክንርኢ ንኽእል። ኢሳያስ ብዛዕባ ይሁዳን ኢየሩሳሌም ዝርአዮ ራእይ ይነግር። ቀጺሉ አብ ራእዩ ብዛዕባ መስሕ ዘምጽኦ ለውጥን ብዛዕባ ክግበር ዘለዎ ትጽቢት ብተስፋ ይነግር። ናይ ጎይታ ምጽአት አብ ታሪኽ ድሕነት ጽቡቅን ንልቢ ዝትንክፍን ከምዝኸውን ብርግጽን ምሉእ ተስፋ ዘልኦ እዩ። አብ ውሱን ጊዜን ቦታን አብ ዓለም ክመጽእ እዩ። ቤት ጎይታ ዝድኮኖ አብ እምባ ኮይኑ ኩሎም ነገስታት ዓለም አብኡ ገጾም ንዑናይ ናብ እምባ እግዚአብሔር ናብ ቤት አምላኽ እስራኤል ንደይብ ንሱ ፍቓዱ ኽምህረና እዩ ንሕና ኸአ ኸም ፍቓዱ ኽንገብር ኢና እናበሉ ክኸዱ እዮም። ብሰንኪዚ ብዙሓት ነጋድያን ክመጽኡ እዮም ንአስያፎም ንማሕረሻታት ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሠርሕዎ እዮም ፍጹም ዕርቂ ከአ ክወርድ እዩ። ህዝቢ ንሕጊ አምላኽ ስለ ዘኽበሩ፥ ብመገዱ ስለ ዝኸዱን አብ ፍርዱ ስለ ዝአመኑን ሰላም ክወርድ እዩ።

ኢሳያስ ቀጺሉ ንዑ ብብርሃን እግዚአብሔር ንመላለስ ይብል እዚ ኸአ ነቲ ብርሃን ዓለምን ሕይወትናን ዝኾነ ኢየሱስ ሕፃን አብ ቤተ ልሔም ዝውለድ አቐዲሙ ብትንቢት ክነግር እንከሎ እዩ። እዚ እዩ እቲ ቀዳማይ ምጽአት። እዚ አብ ጊዜ ምጽአት እንገብሮ ምቅርራብን አስተንትኖን ብዝያዳ ይጸልዎ፥ አብ እዋናዊ ወቕቲ እንተ ርአና አብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ቅድሚ ታሕሣሥ 21 ዘሎ ቀልጢፉ እናጸልመት ይኸይድ ብንጹር ፍልልይ ጸልማትን ብርሃንን ብዝያዳ ዝርአየሉ ጊዜ እዩ። ድሕሪ ልደት ዘሎ ጊዜ እናበርሀ ይኸይድ። ሕጂ አብ ጸልማት ኢና ዘሎና፥ ቅድሚ ልደት ኢየሱስ አብ ጸልማት ዝነብሩ ኢና ነርና ብምጽአት ክርስቶስ ግን ብርሃን መንግስቲ አምላኽ ርኢና።

ወንጌል ማቴዎስ ንዳግማይ ምምጻእ ኢየሱስ ክነግር አንከሎ ጎይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ኸም ዝመጽእ አይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ (ማቴ 25፡42) ይብለና። ምአስ ከምዝመጽእ ስለዘይንፈልጥ ንቍሓትን ዝተዳሊኹም ኮንኩም ጽንሑ ይብለና። ነዚ ክገልጽ ኢሉ ማቴዎስ ክልተ ሓጸርቲ ምሳሌታት ይነግር።

እታ ቀዳመይቲ ምሳሌ ብዛዕባ ሰብ ንነዌ ቅድሚ ማይ አይኆ ምምጽኡ ኺበልዑን ክሰትዩን ኬውስቡን ኪዋሰቡን ዝጸንሑ እሞ ማይ አይኂ መጺኡ ንኹሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ዘይፈለጡ ምጽአት ወዲ ሰብ ከአ ኸምኡ ኽኸውን እዩ። እዚ ከምዘለዎ ክንርእዮ ከሎና ሓንቲ ጌጋ የብሉን እቲ ጌጋ ብእምነት አብ አምላኽ ብዘይምንባሮም እዩ። አብቅድሚ አምላኽ ግዕዙይ ዝኾነ ነገራት ይገብሩ ነሮም፥ ንጣዖታት የምልኹ ነሮም። አምላኽ ካብ ጌግኦም ክምለሱ ምልክት ሂብዎም ነሩ ግን ነቲ ምልክት አይተቐበልዎን በዚ ኸአ ብማይ አይኂ ጠፊኦም። ጎይትኦም ከምዝመጽእ ይፈልጡ አይነበሩን። ኖኅ ጥራሕ ንሕጊ አምላኽ ተቐቢሉ መርከብ ሰሪሑ ንሱን ስድርኡን ድሒኑ።

እታ ካልአይቲ ምሳሌ ብዛዕባ ሓደ ሰራቒ ብለይቲ ዝመጽእ እያ። ከም እንፈልጦ ሰራቕ ቅድሚ ምምጽኡ ዝኾነ ምልክት አይገብርን እዩ፥ እንተ ዘይኮነ ዋና ገዛ ምነቕሐ ነሩ ቤቱ ክትኩዓትውን አይምኃደገን። ንኢየሱስ ከም ሰራቒ ብዘይተሓስበ ከምዝመጽእ ገርካ ምሕሳብ ጽቡቅ ምሳሌ እዩ፥ ከምሰራቒ አብ ልባትና ከይተጸበናዮ ክአቱ ከምጽእ እዩ። ነቲ ተዓጽዩ ዘሎ ልባትና ክኸፍት፥ ነቲ  ብኻልእ ነገራት ካብ አምላኽ አርሒቕና ዘሎ ክአሊ ክመጽእ እዩ። ስለዚ ቅሩባትን ንቝሓትን እንተ ኾና ክመጽእ እንከሎ እንቋዕ ድሓን መጻእካና እናበልና ክንቅበሎ ኢና።

ነቲ ጊዜ ፍለጥዎ ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ እዋን በጺሑ እዩ (ሮሜ 13፡11) እናበለ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ሳልሳይ ምጽአት ክንቀራረብ ይነግረና። አብዚ እዋንን ኩሉ ጊዜን ንኢየሱስ መድሕና አብ ሕይወትና ክንቅበሎ ፍቓደኛታት እንኾነሉ ሕጂ እዩ እነበለ አነጺሩ ይነግረና። እዚ ዕለት ዕለት ክኸውን ዘለዎን ዝገጥመናን እዩ። ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና አፅዋር ብርሃን ንልበስ፥ ብጓይላን ስኽራንን ብምንዝርናን ዕብዳንን ብባእስን ቅንአትን ጊዜና አይነሕልፍ። ብመዓልቲ ብብርሃን ንንበር። አብ መዓልታዊ ሕይወትና ንአምላኽ ዘሓጉስ እናገበርና ንንበር ንኢየሱስ ክርስቶስ ክንለብሶ ከም ዝግብአና ጳውሎስ ደጋጊሙ እናነገረ፥ ብሓቂ ዓሚቕን ንሕይወትና ክነልብሶ ዘሎና መልክዕ እዩ ዝነግረና እዚ ኸአ ኢየሱስ ከም ልብሲ ዝልበስ ገሩ የቕርቦ እሞ ነፍሲ ወከፍና ኸአ ንርእስና ብኢየሱስ ክንለብስ ይነግረና።

አብ ጊዜ ፪ይ ውግእ ዓለም ሓደ ናይ ፕሮተስታንት ተሎጋዊ Dietrich Bonhoeffer ዝተባህለ ንሂትለር አትሪሩ ስለ ዝተቓወመ ተአሲሩ። ወላ አብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ብሕሱም ይጨፍጨፍ ንኹሎም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ክርስትያን ንናዚ አትሪሮም ክቋወምዎ ይዛረብ ነሩ። ገለ ክርስትያን ሂትለር ጸረ ክርስቶስ ከምዝኾነ ዝአምኑ ንቦንሆፈር ስለምንታይ ኢኻ ንርእስኻ አብዚ ከምዚ ዝበለ ስቓይ እተቓልዕ? ኢየሱስ አብ ዝኾነ ጊዜ ክመጽእ እዩ እዚ ኹሉ ዝራሕካዮን ስቓይካን ንብላሽ ክኸውን እዩ በልዎ። ቦንሆፈር ክምልስ እንከሎ ኢየሱስ ጽባሕ ክመጽእ እንተ ኾይኑ አነ ስርሐይ ጽባሕ ከቋርጽ እየ፥ ሎሚ ግን ዝገብሮ ስራሕ አሎኒ፥ ክሳብ አብ መፈጸምታ ዘብጽሖ ክቕጽል አሎኒ እናበለ መሊስሎም። ቦንሆፈር ቅ. መጽሓፍ እንታይ ከምዝብል ይፈልጥ ነሩ ጎይታ ምዓስ ከምዝመጽእ ምውሳን ስርሑ አይኮነን። ንሱ ንምዓልቲ ጎይታ ኩሉ ጊዜ ተሰናድዩን ነቒሑን ክጸንሕ ከምዘለዎ አጸቢቑ ይፈልጥ ነሩ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ኵሉ ጊዜ ንቑሓት ክንከውን ይነግረና እዚ ኸአ አብ ዘይትሓስበ ጊዜ ክመጽአና እንከሎ ከይተሰናዶና ከይንጸንሕ እሞ ከይንስንብድ ኢሉ እዩ። ድቃስ እናተሰመዓካ እንከሎ ነቒሕካ ክትቅጽል ቀሊል አይኮነን። ከምኡ አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ነቒሕና ክነብር ጻዕሪ የድልየና። ነቒሕካ ምጽናሕ ማለት አብ ቅድሚ ህላዌ አምላኽ ምንባር እዩ፥ ንሱ ካባን ዝደልዮ ክንገብር ስንድዋት ክንክውን፥ ካብቲ ዘየሓጉሶ ነገራት ደው ክንብል ወላ ባህርያዊ ስምዒታትናን ድለታትናን ክንገብሮ እናደፍአና እንከሎ።

ነቒሕና ንብዙሕ ጊዜ ከምዘይንጸንሕ ምዃና ስለ እንፈልጥ መተንስኢ ስዓት ንጥቀም፥ ቤተ ክርስትያን አብ ጉዕዞ ሕይወትና ድቃስ ከምዝወስደና ስለ እትፈልጥ ክንበራበር ኢላ መጋበሪ ምሂዛትልና አላ። አብዚ ጊዜ ዝተፈላለየ ጸሎታት ክንገብር፥ ምስጢረ ንስሓ ክነዘውትር፥ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ክንገብር፥ አብ አምላኽ ዝመልሰና ዝኾነ ሰናይ ነገር ክንገብር ትነግረና አላ።

ነፍስወከፍና በዚ ብሩኽ ጊዜ ምጽአት ከካብቲ ደቂስናሉ ዘሎና ንበራበር ንተንስእ። ዘመነ ምጽአት ንሕፃን ኢየሱስ አብ ልባትና ቦታ ክነሰናዱ ዝተዋህበና ጊዜ እዩ። ስንድዋት ክንከውን እሞ ንዳግማይ ምጽአት አብ ልባትና አሕዲርና ብብርሃን ክርስቶስ ክንጉዓዝ። እምብአር አብ ፍቕሪ አምላኽ ክነቅሕ እሞ አብ ነነድሕድና ፍቕርን ሕውነትን ከም ዝስስን ክንገብር እሞ ብርሃን ልደቱ ክንካፈል ስንድዋት ንኹን። ልባትና ብንስሓ ሓዲስና ብፍቕሪ አምላኽን አሕዋትናን ክንመልኦ ብቅዱስ ጉዕዞ ክንጉዓዝ ንበገስ።

መሓሪ አምላኽ እንሰናደወሉን እንነጽሃሉን ጸጋ ዓዲሉ ብዳምግ ክርስቶስ አብ ልብና ክውለድ ንአኡ ዝኸውን ልቢ ክነጠጥሕ ጸግኡን በረከቱን ይዓድልና።

ቅድስና ዝመልኦ ዘመነ ምጽአት ይግበረልና።

ምስ ኢሳያስ ነቢይ ኮና ንዑ ብብርሃን እግዚአብሔር ንመላለስ አብ ምባል የብቅዓና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.