2016-12-17 16:53:00

መበል 80 ዓመተ ልደት ቅዱስ ኣቦና


ሎሚ ዕለት 17 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል 80 ዓመት ልደቶም ከምቲ ልሙድ ሓዋርያዊ መርሓ ግብርታቶም ብምፍጻም ከምዝነበርዎ ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብ መላእ ዓለም ንቕዱስነቶም ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መግለጺ መልእኽቲ ይመሓላለፍ ምህላዉን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ናይ ጸሎት ሓሳብ ኰይኑን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ብፁዓን ካርዲናላን ሊቀ ጳጳሳትን ኣቡናትን ብቐጥታ ብቓልን ናይ መበል ሰማንያ ዓመት ልደቶም እንቋዕ ኣብጽሓኩም መልእኽቲ ከምዝቐረበሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ትኩእ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ በቺዩ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

እቲ ኣገባባዊ ናይ እንቋዕ ኣብጸሓኩም መልእኽቲ ከምዘሎ ኰይኑ ካብ ልቢ ዝነቅል ውሉዳዊ መእኽቲ ዝነቓቕሖ እዩ። እቲ ዝምስክርዎ ክርስቲያናውን ወንጌላውን ሓሴት ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም መለለይን እግዚኣብሔር ንእዋናዊ ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ዝሃቦም መልሲ እዮም። ስለዚህ እግዚኣብሔር ባዕሉ ነዊሕ ዕድመ ከጽንሖም ንምነይ ምስ በሉ ኩሉ ከምዝፈልጦ ዝብልዎን ዝነብርዎን ሕይወት ዝተመዓራረየን እዩ።

ሎሚ ምስ ቀረባ ተሓባበርቶም ብፁዓን ካርዲናላት ስለ እቲ እግዚኣብሔር ዝዓደሎም ጸጋ ዕድመ ከመስግኑ ብሁባሬ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ኣዕረጉ ነዛ መዓልቲ ልደቶም ናይ ዕለቱ ሓዋርያዊ መርሓ ግብርታቶም ብምንባር እዮም ዘሕለፍዎ ስለ ወንጌል ምንባር እዩ ትርጉም ሕይወቶም ነዚ እንተዘይኰይኑ ካልእ ዓይነት ምንባር ዘይፈልጡ እዮም። ገዛእ ርእሶም ዘማእከለሉ ከምዘይኰነን ብፍላይ ሰብ ውፉይ ሕይወት ክርስቶስ ኣማእኪሉ ጥራሕ ክነብር ከምዘለዎ እዮም ዝምስክሩ። ንሶም ነዚ እዮም ዝገልጹን ዝነብሩን። 

ቅዱስ ኣቦና ብዘይ ምትሕልላኻት ብቐጥታ ዝዛረቡ ብምዃኖም ፍቱው እዮም። ራእይ ዘንብሩን ተስፋ ዘበራብሩን እምበር ክጭበጥ ዘይከኣል ረቒቕ ሓሳብ ዘቕርቡ ኣይኰኑን። ቃል ወንጌን ሕይወት ወንጌልን ቅዱሳንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣበውን ዝውከሱ እዮም ምውካሶም ብቓል ጥራሕ ዘይኰነ ብሕይወት እውን ዘንጸባርቕዎ እዩ። እዚ ድማ ንብዙሓት ይማርኽ እቲ ምምራኽ ድማ ናብኦም ዘትርፍ ከይከውን ናብቲ ንኣኦም ዝማረዀም ኢየሱስ ክርስቶስ ንምባል ይመርሑ።

ተቖጢዕም ሪአዮም ኣይፈጥን ብርግጽ ብዝበጽሑ ገለ ገለ ዜናታት ድዩ ብዝርእይዎ ዘሕዝን ጉዳይ ዝን ክብሉን ነዚ ዝንታ ድማ ናብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ተርጒይሞም ይነብርዎ። ድላይ እግዚኣብሔር ኣብ ዕለታዊ ሕይወትን እዋናዊ ዓለም ንምልላይ ዘብቅዕ መገዲ ገይሮም ይጥቀምሉ ስለዚህ ምስቲ ዝተጸዋዕካዮ ሕይወት ዘይተመዓራረየን ዘየኽብርን ሕይወት ክንበር ምስ ዝርእዩ ምቑጣዕ ዘይኰነ እቲ ዝተጋገየ ንኽእረም ጸሎት ጌሮም ብምቕራብ ብቐጥታ ድማ ክዕረይ ከምዘለዎ የተሓሳስቡ እምበር ተቖጢዖም ጠሪሾም ኣይዛረቡን። ስለምታይ ኩላትና ሓጢኣተይናታ ኢና። ብምዃንና ድማ ምሕረት እግዝኣብሔር ከምዘድልየና እናመሃሩ ወትሩ ንኽርስቶስ እናማዕደውና ናብኡ ኣብ ምንባር እናብረኽና ክንከይድ እዮም ዝምዕዱ።

ሰላምን ዕርቅን ሕውነትን ካብ ፈላላይ መናድቕ ዘራኽቡ ድልድላትን ምሕረትን ብቓልን ሕይወትን ዘስተምህሩ እዮም እቲ ዓቢይ ህያብ ድማ ኣብቲ ውግእ ዘለሉ ቦታ ሰላም ክወርድን ኣብ መንጐ ኣሕዛብን ዝተፈላለዩ ኣባይቲ ስድራን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዕርቂ ክወርድን  እዩ ሃርታኦም እግዚኣብሔር ነዚ ሃረርታኦም ክሰምዕ ስሌኦም ንጽልይ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.