2016-12-10 16:20:00

ካልኣይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት፥ ሓጢኣተይና ፍጡር እግዚኣብሔር እዩ


ጽማሬ ስብከት ኣባ ካንታላሜሳ፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ን መላእ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ዘሳቲፉ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ንበዓለ ልደት መሰናደዊ ዝገብር ናይ ዘመነ ምጽኣት ሱባኤ እነሆ ለምብዘበን 2016 ዓ.ም. ዕለት 2 ታሕሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እመ መድሃኔ ዓለም ብኣባል ማሕበር ኣሃው ካፑቺን ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ካንታላመሳ ብስለገስዎ ስብከት ከምእተጀመረን እቲ ቀዳማይ ስብከቶም ድማ ኣብ ባህርይ መንፈስ ቅዱስ ኣማእኪሎም እቲ ምስ ኣብን ወልድን ዘሕብሮን ፍልይ ዘብሎን ተክለ መንነቱ ኣብ ተኣምኖተ እምነት (ጸሎተ - ሃይማኖት) ዝግለጽን ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ዝሳዃዕ ተግባሩ ድህረ እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. መበል 50 ዓመቱ ዝተብዓለ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምሕሳብ ጠቒሶም ብዕምቆት ንምስትንታንን ንምስትውዓልን ካብ ተማላእነት ናብ ምሉእነት ዘብል ውጽኢት ዝዓደለ ኰይኑ ግና ብዙሕ ጊዜ ማእከል ናይቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መንፈስ ቅዱስ ምንባሩን ሕጂ እውን ኣብ እዋን ከይድን ፍጻሜን ውሳኔ’ቲ ጉባኤ ዝመርሕ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ኣብሪሆም ከምዝነበሩ እናዘኻኸርና እምበርኣር ናብቲ ናይ ዕለት 9 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ዝለገስዎ ካልኣይ ስክበት ዘምጽኣት ምልስ ቢልና ጽማሬ ናይቲ ኣብ “ካብ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ብምልኣት እንሰትይ ህዱኣት ኢና” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ጸቒጦም ኣብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያባት ልልያ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ዘስምዕዎ ክንምልከት፥

ነቲ ዝመርሕ ብማንም ዘይምራሕ መንፈስ ቅዱስ ገዛእ ርእስና ንሕደገሉን ነወክፍን መንፈስ ቅዱስ ዘይምራሕ መራሒ እዩ ቢሎም ስርሒት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያንን ክርስቲያንን እናሓሰቡ ድማ ነቲ ልልያ ወይ ድማ ምልልያ ዝብል ህያብ ብፍሉይ ጠቒሶም ኣብ ኣናስሮ ልልያ ዝብል ቃል ነቲ ካብ ናይ ክርስቶስ መንፈስ ዝመጽእ ቃል ካብቲ ካልኦት መናፍስቲ ማለት ካብ ሰባትን ካብቶም መናፍስ ሳጥናኤል ዝሓደሮም ወይ ድማ ካብ ዓለምን ዝመጹ ዝነበሩ ቃላት ብፍሉይነት ምልልያ ንዝብል ሓሳብ እዩ ዝምልከት ዝነበረ።  ምስ ወንጌላዊ ዮሓንስ ልልያ ዝብል ቃል ግና ኣብ ቲዮሎጊያዊ ስርሐ መጠቀሚ ቃል ማለት ቲዮሎጊያዊ ትርጉም ክሕዝ ጀመረ። ስለዚህ ወንጌላዊ ዮሓንስ ልልያ ዝብል ቃል ኸኣ እቲ እውነተይና ሰረተ እምነት እቲ ቅቡል ዝዀነ እውነተይና ሰረተ እምነት ካብቲ መናፍቓዊ ወይ ድማ ሃራጥቃዊ ትምህርቲ ንምፍላይን ንልላይን ዝጠቅም ከም ናይ ኣገባብ መምዘኒ ገይሩ ይቐርቦ።

እምቢ ንሓጢኣት ንሓጢኣተይና ግና ምቕባል

ኣባ ካንታላመሳ ድምጺ መንፈስ ቅዱስ ንምልላይ ክልተ ኣገባባት ልልያ ኣለዉ እቲ ሓደ ቤተ ክርስቲያናዊ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ውልቃዊ እዩ ይብሉ። ቤተ ክርስቲያን ብካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተደሪኻ ብብርሃን ወንጌል ተመሪሓ ናይ እዋን ምልክታ ትፍትሽ እዚ ድማ ኣብ ኩነታትን ኣብ ዝኽሰቱ ናይ ማሕበራዊ ጸገማት ንምውካስን ንምጥቃምን ወይ ከኣ መፍትሕን መምርሕን ንምቕራብ ዘይኰነስ ነቶም ጸገማት ሓደስቲ መልሲ ዝህብ እዩ። ስለዚህ ኣብ ነፍሲ ውከፍ ትውልዲ መልሲ ንምቕራብ እዩ። እዚ ድማ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ግብረ ወንጌል ዝብሎ ኣይፋል ንሓጢኣት ንሓጢኣተይና ግና ምቕባል ዝብል ግብረ ገባዊ ደንቢ እዩ።

ሓጢኣትይና ፍጡር እግዚኣብሔር እዩ። በርኣያኡን ኣምሳልን ዝተፈጥረን ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ስርሐ ዘይኰነ ካብቲ ተጻይ ዝኸነ መንፈስ ዝመጽእ ኣብ ሓጢኣትን ኣብ ስሕታንን ኣብ ተጻይነትን ይሃሉ ሰብኣዊ ክብሩ ዕቁብ እዩ። ስለዚህ እዩ ድማ ብጀካ ሓጢኣት ብኻልእ ኩሉ ንኣና ክመስል ዝደረኾ።

ኣብ መንፈስ ቅዱስ እማኔ ምግባር

ናይ እዋን ምልክታ ንምልላይ ይብሉ ኣባ ካንታላመሳ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ረቛሒ ናይቶም ናይ ዝተፈላለየ ከባብን ሰበኻን ኩነት ዝውክሉን ብዛዕባኡ ቃልን ርእይቶን ናይ ዘቕርቡ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባእያውነት እዩ። ኣቲ ካልእ ድማ ብቐጥታ እቲ ንቤተ ክርስትያን ዝመርሕ መንፍስ ቅዱስ ብጸጋን ብግልጸትን ኣስተንፍሶ ነቢይነት ኣቢሉ በቲ ጉባእያውነት ድዩ ብሓደ ዝሓመመ ማለት ብዘጋጥሙ ዓበይቲ ጸገማትን ኣብ መንጐ ክልተ ዝተፈላለዩ ነቲ ዘለዎ ፍልልይ ኣብ ሕድገታት ገርካ ዝኽወን ዝድግፍ ኣብ ዝፍጽምዎ ስምምዕ ዝግለጽ እውን እዩ።

ስለዚህ ኣብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተግባራትን ብቕዓተ ፍጽምና እምነት ምግባር የድሊ።  ዋላ’ኳ ኣብ ገለ ገለ እዋን እቲ ዝግበር ስምምዕ ክትርድኦ እውን ዘጸግም እንተዀነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ጓሶት ቤተ ክርስቲያን (ብፁዓን ጳጳሳት) ብከባብያዊ ድዩ ብኵላውነት ደረጃ ውሳኔ ንምሕላፍን ንምውሳንን እንክእከቡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተጋባኢ ኣብቲ ንዓ ፈጣሬ ኵሉ ዝብል ዝግበር ጸሎት ናብ መንፈስ ቅዱስ “ምሳኻ ብኣካን ልኡለ ሊቅ ብኣኻ ንዝዀነ መንፈስ ክፍኣት ንከላኸል”  ዝብል እምነት ከነብሩ ይግባእ።

ኣብ ውልቃዊ ሕይወት ኣብ ዝግበር ልልያ መንፈስ ቅዱስ ኩነት ንምምዝዛንን ምርጫታት ንምምኣዛን ይድግፍ፡ ኣገባብ መምዘንታቱ ብጥበብ መሰረት ጥራሕ ዘይኰነስ ብሰብኣዊ ምስትውዓልን እኳደኣ ብብርሃን መሰረታውያን መምርሕታት ብፍላይ ብርሃን እምነት  መሰረት እዩ።

ልልያ እደ-ተግባር ዘይኰነስ ጸጋ እዩ

ቅዱስ ኢግናዚዮስ በዓል ሎዮላ “ድላይ ወይ ድማ ፍቓድ ኣምላኽ ንምእንጋድ” ብውሽጣዊ ተመክሮ ሰላም ተሰኒኻ፥ “ኣብ ምልኡ ቅሩብነት ገዛእ ርእስኻ ምንባር” ... “እዚ ኩነት’ዚ መምዘኒ ናይ ነፍሲ ወከፍ እተካይዶ ግብረ ልልያ ይኸውን” ይብል፡ ኣብዚ እንነብረሉ ዘመን እቲ ሓደጋ ኰይኑ ዘሎ ንግብረ ልልያ ዘሎና ርድኢት ንሱ ድማ እቲ ቀንደይና ናይ ልልያ በዓል ቤት ዝዀነ ተዋስኢ መንፈስ ቅዱስ ሸለል እናበልካ እቲ ብኻልኣይ ደረጃ ኣብ ጥቕሚ ክውዕ ዝግብኦ ኣብ መዳይ ስነ ኣእምሮን ስለ ልቦናውን መጽናዕትታት ጥራሕ ንምድሃብ ዝረአይ ዘሎ ተግባራት እዩ።

መንፈስ ቅዱስ ንሱ ባዕሉ እዩ ናይ እግዚኣብሔር ድላይ ቅዉም ነገር። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንፍስ ሰብ ክኣትው እንከሎ ልክዕ ከም ድላይ እግዚኣብሔር ኰይኑ እዩ ዝኣትው። ልልያ ብጥልቀ መሰረቱ ስነ ክየና ወይ ከኣ ብልሓት ተግባረ እድ ዘይኰነስ ጸጋ እዩ። ማለት ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያብ እዩ። ብስነ ኣእምሮ ድዩ ስነ ልቦናዊ መገዲ ኣቢልካ ዝግበር ልልያ ኣድላዪ እዩ ኰይኑ ግና ብቐዳምነት ከም መምዘኒ ኰይኖም    ክቐርቡ ጌጋ እዩ ይብሉ።

ብትሕተ ብርሃን እግዚኣብሔር ንኽንፍተሽ ገዛእ ራእስና ንኣኡ ምሕዳግ

መንፈስ ቅዱስ ብቃል ቅዱስ መጽሓፍ ኣቢሉ ብርሃኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንፈስ የስፍሕ ኣብ ጐድኒ ምስማዕ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ እቲ ብውልቃዊ ደረጃ ዝፍጸም ልሙድ ዝዀነ ልልያ ናይ ሕልና መርመራ ዝብል እውን ኣሎ። ስለዚህ እዚ ንንስሓ ምስጢር ንምክፋል ጥራሕ ዘገልግል ዘይኰነስ  ወትሩ ኣብ ትሕቲ ብርሃን እግዚኣብሔር ንምዃንን ውሻጠና ብኣኡ ንኽንፍተሽ ገዛእ ርእስና ንኣኡ ናይ ምሕዳግ ወይ ከኣ ናይ ምቕራብ ብቕዓት ክኸውን ኣለዎ።

ካብዚ ዝተብሃለ ኵሉ እምበኣር ኣብ ኵሉ ብዅሉን ንመርሕነት ቅዱስ መንፈስ ገዛእ ርእስና ናይ ምሕዳግ ውሳኔ ዳግም ንሓድስ። ናይዚ ተግባር’ዚ እቲ ዝለዓለ ፍጽም ኣብነት ድማ ኢየሱስ እዩ። ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ምንም ዓይነት ተበግሶ ኣይገበረን፡ እንክብሉ ኣባ ካንታላመሳ ዘቕረብዎ ናይ ዘመና ምጽኣት ካልኣይ ስብከቶም ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.