2016-12-10 16:23:00

ሰብኣውን መንፈሳውን ብስለት ዘማእከለ ሰነድ ዛዕባ ሕንጸት ውሉደ ክህነት


ሕንጸት ውሉደ ክህነት ዳግም ክነቓቓሕን ክሕደስን ይግባእ ዝብል ሓሳብ ናይ ውሉደ ክህነት ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል በኒያሚኖ ስተላ እቲ ብኣኦም ብህነንተነት ንቕዱስ ኣቦና ዝመርሕዎ ቅዱስ ማሕበር “Ratio fundamentalis institutionis sacerdotalis – መሰረታዊ አመክንዮ ንክህነታዊ ሕንጸት”  ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰ ሰነድ ዕለት 8 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክብረ በዓል ጽንሰታ ለማርያም (ኣልቦ ሓጢኣት ኣዳም ምጽናስ ማርያም) ዕለት ብውግዒ ከምዘቕረቡን ነቲ ሰነድ ኣማእኪሎም ምስ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ እዚ ሰነድ ቅድሚ 46 ዓምት ተደሪሱ ዝነበረ ብዛዕባ ካህናት ጉዳይ ዝምልከት መስረታዊ ኣመክንዮ ዘርእስቱ ሰነድ ንፈላማ ጊዜ ዝወጸን ነቲ ዝነበረ ሰነድ ዝሕድስን ንናይ ካህናት ምሉእ ሕንጸት ዝድግፍን እዩ ኢሎም።

እቲ ሰነድ በስተምህሮ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበርሄ እዩ

እቲ ሰነድ ሕንጸት ሰብኣውን መንፈሳውን ርእየት ሚዛኑ ብዝሓለወ መገዲ ናይ ምውህሃድ ብቕዓት ዘለዎ ኰይኑ መንፍሳውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውን ደረጃ ብደረጃን ንነፍሲ ወከፍ ካህን ወይ ድማ ተመሃራይ ዘርአ ክህነት ከከም ገዛእ ርእሰ ኩነት ብስነ ምምህርና ብዝተሰነየ ኣገባብ ክወሃብ ከምዘለዎ ሕንጸት ይሕብር። እቲ ሰነድ ብቓል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተተባብዔን ብኣስተምህሮኦም ዝበርሄ እዩ። ናይ ካህናት ሕንጸት ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ስተላ ደጊሞም ሕንጸት ካህናት ናይቲ ብኣኦም ዝምራሕ ቅዱስ ማሕበር ቤተ ክርስትያናዊ ገጽ ዘለዎ መሰረታዊ ተግባር ምዃኑ እቲ ሰነድ ይምስክሮ።

መርመራታት ብሕላፍ ጥራሕ ዘይኰነስ ምሉእ ሕንጸት ኣገዳሲ እዩ

ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ ክበሃል እንከሎ ካብ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ዝተነጸለ ማለት ኣይኰነን እቲ ሕዳሴ በንጻሩ ምስ ትውፊት ቤተ ክርስትያን ዝማላእን ነቲ ትውፊት ዘዕሙቕን እዩ። ስለዚህ እቲ ሓድሽ ሰነድ እቲ ኣብ 1992 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “Pastores dabo vobis - ጓሶት ክህበኩም እየ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ብዛዕባ ምሉእ ሕንጸት ካህናት ዘቕርቦ ስልጣናዊ ሓሳብ ዘዕሙቕን ዘጠቓልልን እዩ። እቲ ሓድሽ ኣመክንዮ ካብ ዝሓለፈ ኣዋን ንነጀው እናተፈጥሩ ንዝመጹ ገለ ገለ ርእሰ-ሰራሕነት ከይድታት ንምስጋር ዝብልን እቲ ብድሆ ድማ ሰብ ኩለ መዳያዊ ብስለት ክህልዎ ዝድግፍ ምሉእ ሕንጸት ብምቕራብ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብ ኩለ መዳያዊ ጉዕዞ መሰረት ገይሩ ገምጋም ምቕራብ ዝብል እዩ። ስለዚህ ብሓጺሩ ዘተኣማምን ግሩም ካህን ንምዃን መርመራታት ምሕላፍ ጥራሕ ዘይኰነስ ሰብኣውን መንፈሳውን ግብረ ኖላውን ብስለት ወሳኒ ምዃኑ ዘብርህ እዩ።

ንክህነታዊ ሕንጸት፥ ሰብኣውነትን መንፈሳውነትን ልልያን

ነቲ ሓድሽ ሰነድ ምሉእ መልእኽቱን ራእዩን ንምስትውዓል ዝድግፉ ዝበልዎም ሰለስቲ ቃላት እንክጠቕሱ፡ ብቕዳምነት ሰብኣውነት ዝብል እዩ፡ ፍቱዋት ቅኑዓት እውነተይናታት ውሽጣዊ ናጽነት ስምዒታዊ ርግኣት ድላይ ሰላማዊ ሰብኣዊ ርክባት ዘለዎም ወንጌላውያን ምዕዶታት (ተኣዝዞን ድኽነትን ንጽሕናን) ብዘይ ድርቅና ማለት ብምስሉይነት ወይ ከኣ ብህድማ ህድማ ዘይነብሩ ክዀኑ ከምዘለዎም ዝብል ሓሳብ ዝትንትንን። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ መንፍሳውነት ዝብል እዩ። እዚ ቃል’ዚ ክህነት ናይ ሃይማኖት ማሕበራት ወዳቢ ወይ ከኣ ናይ ቅዱሳት ነገራት ዘመሓድር ሙያ ማለት ዘይኰነስ ንጐይታ ዘፍቕር ደቀ መዝሙር ሕይወቱን ክህነታዊ ኣገልግሎቱን ኣብቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ውሽጣዊ ርክብ ዘቕውም ክኸውን ከምዘለዎ ዘረድእን ኣብ መወዳእታ ድማ ልልያነት ዝብል ቃል እዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ መበል 36 ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ምሉእ ጉባኤ ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ካብ ልልያ ኩነት ዘራሕቕ ዓይነት ንቕጽና ዝንበር እዩ ዝመስል እንክብሉ ዘስመርሉ ሓሳብ መሰረት ገይሮም ብፁዕ ካርዲናል ስተላ እቲ ቀንዲ ብድሆ ናይቲ ኣመክንዮ ድማ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ልልያ ኣርሒቖም ዝጥምቱ ካህናት ክህልዉ ይግባእ ዝበልዎ ሓሳብ እዩ ስለዚ ነዚ ሓሳብ’ዚ ብሰፊሕ ዝትንትን እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.