2016-12-08 14:44:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ምስ እግዚኣብሔር ንምርካኻብ እትድግፍ ደርቢ ውህበትን ውበትን ትዅን


መበል 21 ናይ መላእ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብን ተቛማትን ናይ ሓባር መደብ ዓውደ መጽናዕቲ ዕለት 6 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ከምእተኻየደን እዚ ናይ ለምዘበን ዓውደ ጉባኤ “ብልጭታ ጽባቄ፡ ንናይ ከተማታት ሓድሽ ሰብኣዊ ወጅሂ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ብጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮን ናይ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብን ተቛማትን ኣወሃሃዲ ቤት ምኽሪ ዘዳልዎ ክኸውን እንከሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንተጋባእያን ብምቕራብን ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮን ናይ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብን ተቛማትን ኣወሃሃዲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ብዘስምዕዎ ዘረባ ከም እተጀመረ ልእኽቲ ጋዘጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ቁስምናታት ብፍላይ ድማ እተን ኣብ ወሰናስንን ኣብቲ ብዙሕ ጸገም ዘለሉ ክፍለ ከተማታት ዝርከባ በቲ ዘለወን ትሑትን ተራን ህላወኤን ንናይ ማሕበረሰብ ናይ ሰናይን ጥዑም ውህደት ምዕባለ ዘረጋግጽ ምርኻብ ምስ እግዚኣብሔር ዝድርኽ ናይ ምእንጋድ ጽባቔ ደብሪ ይኹና። ናይ ሰባት ብፍላይ ድማ ነቶም ገዛእ ርእሶን ምክልኻል ኰነ መሰሎምን ክብሮም ክሓቱ ዘይክእሉ ሰባት ክንክንን ሓለዋን ዝግበረሉን ዘይተገዳስነትን ንኻልእ ብምስትንዓቕ ዝርእይ ስስዔን ብዙሕ ግዜ ስቅያት ዝረአየሉ ከተማታትናን ከባቢናን ዘሎ ኣሉታዊ ኩነት ናይ ውበንትን ውህበትን ብልጭታ ዝረአየሉ እንገዳን ክንክንን ናብ ዝኽወነሉ ስፍራ ንቐይሮ ከምበሉ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ከያንያን (ስነ ጥበባውያን) ንጽባቄ ይከናኸኑ ጽባቔ ድማ ነቑሳል ፈውሲ ክኸውን እዩ

ከያንያን ድማ ከያንያን ሰብ ጥበብ ብፍላይ እቶም ሰብ እምነት ከያንያን ዓቢይ ሓላነት እዩ ዘለዎም፡ ብዘቕርብዎ ግብረ ክየና ልሳን ጽባቔ ኣቢሎም ኣብቲ ዘይተገዳስነትን ክፍኣትን ዝዓብለሎ ስፍራ ናይ ተስፋ ብልጭታ ከብጽሑ ዝተማሕጸኑ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ሰብ ሙያ ስነ ምህንድስናን ስነ ቅብእን ንድፍን ገጠምትን ሰብ ሙዚቃን ስነ ሲነማን ስነ ድርሰትን ስነ ቀረጻን ስእልን ኰታ ኩሎም ከያንያን ናይ ዝተፈላለዩ ጨናፍር ስነ ጥበብ ኣብቲ ዕለታዊ መነባብሮ ጸላምን ጽልግልግ ዝዓብሎሎ ኵሉ ወበት ክኹላዕ ይግበሩ። ከምቲ ቅድመይ ዝነበሩ ኣርእስተ ቃነ ጳጳሳ ንሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ተስፋ መሰኻኽርን ይኹኑ፡ ውበት ይከናኸኑ እቲ ውበትን ውህበትን ድማ ናይ ብዙሓት ኣብዚ እንነብረሉ እዋን ልብን መንፈስን ዝትንክፍ ኣቝሳል ክፍውስ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዘጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ኣስዒበን፥

ጽባቔ ንምስትንታን ደው እንተዘይተብሃለ ኩሉ መጋብርያ ዓመጽ ይኸውን

ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ 1542 ዓ.ም. ዝተመስረተ ጳጳሳዊ ስልማት ንብሉጻት ከያንያን ተቛም ጥንታዊ ምዃኑ ዘኪሮም ኣስዒቦም ኣብ 2009 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ተኻይዱ ኣብ ንዝነበረ ናይዚ ተቛም ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከየና እቲ ናይ ማሕበራዊ ሕይወት ቦታ ወትሩ ሰብኣዊ ክኸውንን ሰብኣዊ ኣብ ምዃን ዘብርኽ ይኹን ዝበልዎ ጠቒሶም ናይ ከተማታትና ደጋዊ ከባቢ ናይ ሰብኣዊ ብቕዓት ንኽህልዎ ዝግበር ናይ ዳግመ ሰብኣዊ ብቕዓት ሕሳበ ናይ ጽባቔ ብልጭታ ዘቕርብ ቅድሚ ከተማ ምግባር ዝብል ሓሳብ ዓቐን ሰብኣውነት ዘለዎ ዝብል ሓሳብ ከቐድም ኣለዎ፡ ደራሲ ኢታሎ ካልቪኖ ከምዝብሎ ከተማታት ልክዕ ከም ሕልሚ ባህግን ፍርሕን ዝወልዶም እያቶም። ነዚ ዝዘከሩ ቅዱስ ኣቦና ይብሉ ኣብዚ እዋን’ዚ ተምሳል ከተማታትና እንተረኣና ፍርሒ ዝወለዶም እምበር ሰናይ ሕልምታት ብፍላይ ናይ መንእሰይ ሰናይ ሕልሚ ዝወለዶም ኣይመስሉን ከምቲ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ናይ ስነ ውህበት ሕንጸትን ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዓቢይ ግምት ዝህብ እምበር ንኹሉ ብዘይ ምግዳስ ዘኽፍል የኽፍል ዝብል ስርወ ሓሳብ መሰረት ዝገበረ ድላይ ጽባቔ ጥራሕ ዝብል ክኸውን የብሉን። አብኣዊ ምሉእነትን ምሉእነት ፍጥረትን ተፈጥሮን ግምት ዘይምሃብ ጽባቔ ንብዘይ ግቡእ ምጥቃም የቃላዕ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ጳጳሳዊ ስልማት ንብሉጻት ከያንያን ሓልዮ ተቛም ለምዘበን ብሉጻት ከያንያን እንክብል ኣብ ናይ ስነ ሙዚቃን ስነ ድርሰትን ኣብ ናይ ጥዑም ውሁድ ሙዚቃ ምቕራብ ስራሕ ብሉጽን ዓብይን ኣበርክቶ ዝገበራ ዶክተር ኪያራ በርቶሊዮን ኣብ ናይ ስነ ግጥሚ ምርምርን ናይ እዋንና ስነ ግጥሚ ፍሉይ መጽናዕቲ ዝገበሩን ብሉጽ ውጽኢት ነዘረበርከቱ ገጣማይን ናይ ስነ ግጥሚ ሊቕ ዶክተር ክላውዲዮ ካንፋሊዮኒን ኣባ ዳቪድ ማሪያ ቱሮልዶን ኣብ ቦሎኛ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጲጥሮስ መዘመራን መምህር ሚከለ ቫነሊን ጸሓይ ዝተሰምየ ናይ ሙዚቃ ጉጅለ ዝመስረቱ ናይ ሙዚቃ ደራስን ሙዚቀይናን ፍራንቸስኮ ሎረንዚን ናይ ለምብዘበን ተሰለምቲ ቢሉ ከምዝሓረዮም ዶኒኒ ገሊጸን ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነዚ መደብን ንኹሎም ከያንያን ነታ ናይ እግዚኣብሔር እውነተይና ብልጭታ ውበትን ውህበትን ኵለንተና ጽባቔ ንዝዀነት ድንግል ማርያም አማዕቕብ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.