2016-12-01 16:30:00

ቅዱስ ኣቦና ንፈረንሳውያን ፖለቲከይናታት፥ ብዙህነት ከም ዕድል


ናጻነት ማዕርነትን ሕውነትን ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ብመሕልማዊ ኣገባብ ምውልብላብ ዘይኰነስ ምስቲ መሰረት ዝዀነ ደረት ሰገር ብምትሕሓዝ ግምት ክወሃቦም ይግብኦም ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ቃል ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ንዘካየዱ ብናይ ሊዮነ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፊሊፐ ባርባሪን ዝተሰነዩ ናይ ፈረንሳ ከባቢ ርሆነ ኣልፐስ ኣብ ዝተካየደ ሕዝባዊ መረጻ ዝተሓርዩ 260 ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣብ ሃገረ ቫታካን ኣብ ዝርከብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫታካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ገሊጸን።


ንፈረንሳ ብቐረባ ዝተንከፋ ግብረ ሽበራን ዑዉር ዓመጽን ዝኣመሰሉ እቲ ተስፋ ቀቢጽነትን ፍርሕን መለለይኡ እናዀነ ዝመጽእ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኣተኵይሮም ናይ ሓባር ጥቕሚ ብሓፈሻኡ ናይ ኩሉ መሰረታዊ ረብሓ ምድላይን ምምዕባልን ኣገዳሲ እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣተሓሒዞም ናይቲ ከባቢ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ቀረባ እዋን “ኣብ ዝቀያየር ዘሎ ዓለም ናይ ፖለቲካ ትርጉም ምልላይ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ጠቒሶምን ነቲ ናይቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣርእስቲ ብምቅላሕ ቅድሚ 20 ዓመት እውን እቲ “ፖሊቲካ ናብቲ ልዑል ክብሩ ክምለስ” ብዝብል ኣርእስቲ ናይቲ ከኣቢ ሰበኻ ኣውጺእዎ ዝነበረ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዘኪሮም፡ እቶም ሓዋሪያውያን መልእኽታት ዳግም ዓቢይ ግምት ክወሃቦም ዝግብኦም እዋናውነቶም ዘይበርስ እዩ እሞ ሓደራ ንኽስትውዓል ከምዝበሉ ኣስኵይሊኖ ኣፍሊጠን።
ማሕበረሰብ ፈረንሳ ብዑቑር ሓይልን በቲ ዕድል ዝብል ካልእ መግለጺ ብዘለዎ ብዙህነት እዚዩ ሃብታም ምዃኑ ዘይከሓድ እዩ። እዚ ሃብቲ’ዚ ድማ እቲ ነጻነትን ማዕርነትን ሕውነትን ዝብል ክቡራት ዋጋታት ብመሕልማዊ ኣገባብ ምውልብላብ ዘኰነስ ምስቲ መሰረት ዝዀነ ደረት ሰገር ህላዌ ብምትሕሓዝ ግምት ምሃብን ምስትውዓልን ግድን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካና ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥ ኣብዚ እዋን’ዚ እቶም ተፈላጥነት ዝተውሃቦም ንኹሉ ዘራኽቡ ናይ ኩሉ ዝዀኑ ክቡራት ዋጋታትን ልልያታትን ኣብ ዓቢይ ሰሓቦን ጉቶቶን ዝተመልአ ክትዕ ኣትዮም ምርኣዩ እዚ ድማ ዘሕዝን እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ክትዕ ኣብ ዝረአየሉ ዓለም ክርስቲያን ምስ ዝኣምኑን ዘይኣምኑን ከምኡ እውን ምስ ኣባላት ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን እናዘተየን እናተራኸበን ብሉጽ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ከይዲ ክተግህ ይግብኦ ከምዝበኡ ኣፍሊጠን።
ኣብ ፖለቲካዊ ኣገልግሎት እቲ ቀንዲ ሓላፍነት ኣብ ሕንጸት ቅኑዕን ኣአንጋድን ኣሃውነትን ዝነብር ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ሕብረተሰብ ሕንጸት ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ምብርካት ዝብል እዩ። በዚ መገዲ’ዚ ብድልያን ምምዕባል ናይ ሓባር ጥቕሚ ተጸሚድካ ንኹሉ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ጽንኩር ኩነት ንዝርከረቡን ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑን ድኻታትን ካብ ውግእን ዓመጽን ሕሱም ድኽነትን ገዛእ ርእሶምን ሕይወት ኣባይቲ ስድራኦምን ንምድሓን ኣሚቶም ንዝስደዱን ዝመዛበሉን ምሕሳብ ብዝብል መንፈስ ዝምራሕ ጽን  ምባልን ምድጋፍን ምቕዳም ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን እንከጠቓልሉ ንዅሎም ናይ ፖለቲካ ኣካላት ነቲ ናይ ተስፋን ንናይ ሓባር ጥቅሚ ዝብል ኣገልግሎትናን ምንጪ ዝዀነ ኢየሱስ ኣወክፍ ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.