2016-11-29 16:48:00

ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ፥ ስርሒታዊ ሕንጻጼ ንመጻኢ


ናይ መናንያን ማሕበራትን ናይ ዘይገዳምውያን ውፉያን ማሕበራት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር “ስሪሒታዊ ሕንጻጸ ንመጻኢ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዎ ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ናይ ጸዋዕታ ኤኮኖሚ ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 27 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ከምእተጠናቀ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ መዕጸዊ ዕለት 27 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ናይ መናንያን ማሕበራት ናይ ዘይገዳማውያን ውፉያን ማሕብራት ሓዋርያዊ ኣገግልሎት ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዥዋው ብራዝ ደ ኣቪዝ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ዝሓለፈ ናይ ውፉይ ሕይወት ዓመት ንመናንያንን ውፉያን ኣባላት ማሕበራት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ናይ ተስፋ ጉዕዞ ዘመልከተ ከምዝዀነ ገሊጾም፡ እቲ ኣብዚ ዓውደ ጉባኤ ዝጠቐስናዮ ተስፋ ዝብል ቃል ኣብ ኣሃዛዊ ወይ ድማ ኣብ ተግባራት ዝቖመ ዘይኰነስ፡ እቲ ኩሉ ዝከኣሎን ዘይከኣሎ ዘይብሉ እማኔና ዘንበርናሉ እዩ። ንኣኡ እግዚኣብሔር ኣብ ጽን ናይ ምባል ጉዕዞ ክንሓብርን ኣብ ሲኖዶሳውነት ክንጓዕዝን ሓደራ ከምዝበሉ ዘመልከተ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር መግለጺ ኣስዒቡ፥ 

ውፉያን ካብ ኣብ ርካበ ኣብ ምዃን ከተኵሩን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምዃንን ስሌኡን እቶም ውፉያን ዝፍጽምዎ መሓላ ናይ ክርስቶስ ምዃን ህላዌ ንምንባርን ገዛእ ርእስኻ ከም ህያብ ምቕራብ ዝብል ምዃኑ ድማ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊት እናቴ ኒክላ ስፐዛቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ገሊጸን፥ ኤኮኖሚ ምሕሳብ ማለት ኣብ ከይዲ ሰብኣውነት ምስዃዕ ማለት እዩ። እቲ ፍጹምነት ኣብ ምዃን ሰብኣውነት። እዚ ማለት ድማ ተእልኾ ሰብኣውነት ምሕሳብን ሰብኣውነትካ ምስትውዓልን ከም ሰብ ድማ ተራኻቢ ባህርይኻ ምስትውዓል ማለት እዩ። ስለዚህ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ውፉይ ሕይወት ኣነ ኣብ ዓለም ሓደ ተልእኾ እየ ክብል ኣለዎ ነዚ ድማ ዝኣምን ክኸውን ኣለዎ። ስለዚህ እዩ ድማ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕይወት ዝርከብ (ጸዋዕታ)፡ ሰብ ሰብኣውነቱ ከከም ጸዋዕታኡ ብምንባር ዝገልጾ ተልእኾ እዩ ከምዝበላ ኣፍሊጡ።

ቅርበት ንድኻታትን ኣገልግሎት ስለ ፍትሕን

ሰብኣውነትና ብጥበብ ምምሕዳር ወሳኒ እዩ። ኣብ ጸዋዕታ ዝፍጸም ማሕላ ናይ ውፍይ ሕይወት ኤኮኖሚ እዩ። ውፉይ ሕይወት ኣብ ግዜን ሰብኣዊ ኩነትን ንኽትነርብሮ ናብ ውፉይነት ፍጹም ሓሳብ ዘቕርብ መጋበርያ እዩ። ስለዚህ እዩ ድማ ኤኮኖሚ ብዝብል ስነ ኣመክንዮ ዝግለጽ። እግዚኣብሔር ናይ ምድሓን መደቡ ብሰብኣዊ ኤኮኖሚ እዩ ዝገለጾ፡ ንኣና መሲሉ እዩ ዝመጸ። ንድኻታት ቀረባ ብምዃንን ብምድጋፎም ካብ ድኽነት ንኽላቐቑ ብምሕናጽን ከምኡ ድማ ማሕበራዊ ፍትሒ መታን ክረጋገጽ ኣብዚ መዳይ ብምግልጋል ድኽነትን ስእነትን ማሕበራዊ ኤኮኖሚያዊ ፖለቲካዊ ኢፍትሓውነት ዝኽውኖ ኩነት ምዃኑ ኣለሊኻ ኢፍትሓውነት ንኽውገድ ናይ ምግልጋል ጸዋዕታ እዩ፡ ጽዋዕታ ዝተጸዕዌ ሰብ ውሱን ብምኳኑን ፍጹም ብዘይምዃኑን ብኤኮኖምያዊነት ዝነብሮ ክርስቶሳዊ ሕይወት እዩ። ስለዚህ ናይ ድኽነት ማሕላ እዚ እዩ ዘስምዕ። ንድኻታት ቀረባ ከይኰንካ ዝንበር መብጽዓ ድኽነት ዘይሕሰብ እዩ ከምዝበላ ዝሓበረ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር መግለጺ ኣተሓሒዙ፥

መምዘኒ ከም ሰረት ኣብ ናይ መጻኢ ስርሒት

ኣብቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መዕጸዊ ዕለት 27 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ናይቲ ናይ መናንያን ሕይወትን ውፉይት ማሕበራት ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኾሴ ራድሪገዝ ካርባሎ ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ መምዘኒ ከም ሰረት ኣብ ናይ መጻኢ ስርሒት እንክትንትኑ ከም ዓቢይ ነጥቢ ድማ ተኣማንነት ንናይ ነቲ ንኽትነብሮ ዝተጸዋዕካሉ መንፈሳዊ መርሖ። ናናይ ማሕበርካ መንፍሳዊ ዕላማ እሙን ምዃን ዝብል ጠቒሶም ኩሉ ኣብ ዝተጸውዓሉ ማሕበር ናይቲ ከም ኣባል ጽዉዕ ዝነብሮ ማሕበር መንፈሳውነት ዝነብር ክኸውን ይግባእ። ነዚ መንፈስ’ዚ እሙን ምዃኑ ሓደ ናይቲ ናይ መጻኢ ስርሖ ሰረት እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ኩለ መዳያዊ ርእሰ ብቕዓት ዝብል እዩ። ርእሰ ብቕዓት ነቲ ናይቲ ከም ኣባል እትነብሮ ማሕበር ምሳለጥን ንናይ ሓባር ጥቕምን ዝውዕል ክኸውን ኣለዎ። እዚ እውን መምዘኒ ከም ሰረት ኣብ ናይ መጻኢ ስርሒት እዩ።

ዓቕምኻን ብቕዓትካን ኣካይዳኻን ጠባይካን ምስቲ ዕላማ ዝመዓራረይ ገርካ ምጉዓዝ፡ ኩሉ ነገልግሎት መንግስቲ እግዚኣብሔር፡ እቶም ካልኦት መምዘንንታት ምስቲ ናይቲ ማሕበር መንፍሳዊ መርሖ ዝሰማማዕ ነቲ ናይቲ ማሕበር ሓዋርያዊ ኣገልግሎት መሳለጥን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብታ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብምልኣት ኣትግለጸሉ ኣብ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሰበኻን ቁምስናን ምንባር ዝብል ምዃኑ ከምዝተንተኑ ኣፍሊጡ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.