2016-11-26 16:37:00

ዛዕባ ደቀንስትዮ ንማዕርገ ድቁና ዘጽንዕ ፍሉይ ድርገት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 12 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ናይ መላእ ማሕበራትን ገዳማትን ደናግል ዋና ዓበይቲ አሕሉቕ ናይ ዝሓቁፍ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ዓበይቲ አሕሉቕ ኣባላት ተቐቢሎም ካብተን ኣባላት ንዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ብፍላይ ብዛዕባ ማዕርገ ዱቁና ንደቀንስትዮ ኣብ ዝብል ሕቶ ኣመርኵይዞም ቅድም ቀዳድም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውልስ ዳግማዊ ኣብ 1994 ዓ.ም. ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ውህደተ ኣሚታ ኣብ እትገብሮ ጉዕዞ ብዛዕባ ማዕርገ ክህነት ንደቀንስትዮ ዝብል ሕቶ ብዘየማትእን ናብ ድርድር እውን ዘየእቱ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘይፍቑድ እንክብሉ መጽሓፍ ቅዱሳውን ቲዮሎጊያውን ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ባህልን ትውፊትን ናይ ስነ ቤተ ክርስትያን ሊቃውንቲ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ሰነዳት ኣደጊፎም መልሲ ከምዝሃብሉን ደሓር እውን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ደጊሞም ዘጽንዕዎን ሓሳብ ዘኪሮም ኰይኑ ግና ኣብቲ እዋን ናይ ቲዮሎጊያን ስነ ቅዱስ መጽሓን ሊቅ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ሚላኖ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳ ዝነበሩ ነፍሰ ኄር ብፁዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ ማዕርገ ድቁና ንደቀንስትዮ ዛዕባ ኣብ ቲዮሎጊያን መጽሓፈ ቅዱሳውን ትውፊታውን ኣብ ናይ  ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ደገፍ መጽናዕቲ ክግበረሉ ከምዝግብኦ “ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዲያቆናት ደቀንስትዮ ከምዝነበራ ዝገልጹ ሰነዳ ይላበዉና። ስለዚህ ድቁና ንደቀንስትዮ ከም ሓደ ክኡል ጉዳይ ጌርና ምሕሳብ እዩ” ቢሎም ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንቲ ኣብ ቀዳማዊት ቤተ ክርስቲያን ዲያቆናት ደቀንስትዮ ከምዝነበራን እዚ ድማ ምስቲ ቀንዲ ናይቲ ዲያቆን ዝብል ቃለ ትርጉሙ ዝተተሓሓዘ ጽማደ ኣብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ምንባሩ ይሕብሩ። ስለዚህ ዲያቆን ዝብል ቃል ከምቲ እዋናዊ ኣተሓሳስባ ቅድመ ማዕርገ ክህነት እትቕበሎ ቀዳማይ ደረጃ ኰይኑ ይትግበርን ይሕሰብን ኣይነበረን ዝብልዎ ሓሳብ ጠቂሶም ሓሳብ የቕርቡ ኔሮም እዮም። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ኩሉ ዘኪሮም ካብተን ደናግል ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዘጽንዕ ሓደ ጳጳሳዊ ድርገት ዘይቀውም እንክብላ ንዘቕረባሎም ሕቶ ተቐቢሎም ብርግጽ ይብሉ ዲያቆናት ደቀንስትዮ ከምዝነበራን ናይቲ ድቁና ኣገልግሎተን ማእከል እንታይ ከምዝነበረ ብርግጽ ንጹር ኣይኰነን ስለዚህ ነዚ ንኽርድኡ ድማ ንብዙሓት ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሁራን ሕቶ ብምቕራብ ብዕምቆት ክርድእዎ ከምዝፈተኑን ክሳብ ሕጂ እውን ንጹር ከምዘይኰነሎም ሓቢሮም ስለ’ዚ እተን ደናግል ጳጳሳዊ ድርገት እንተዝቐውም እንክብላ ንዘቕረብኦ ሕቶ ተቐቢሎም እወታዊ መልሲ ከምዝሃብሉ ዝዝከር እዩ። ኣብ ቀዳማዊት ቤተ ክርስቲያን ዲያቆናት ደቀንስትዮ ከምዝነበራ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽትታቱ ዝሕብሮን ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን እውን ኣብ ሶሪያ ንካህናት ብፍላይ ምስጢረ ጥምቀት ኣብ ምስራዕ ዝሕግዛ ዝነበራ ዲያቆናት ደቀንስትዮ ኔረን እየን። ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ሓዋርያዊ ቅዋም ካብቲ ንደቂታባዕትዮ ዝወሃብ ድቁና ፍልይ ዝበለ ንደቀንስትዮ ዝወሃብ ማዕርገ ድቁና ኣፍልጦ ይህብ፡

ብሓፈሻኡ ኣብ ወንጌል ኣስተንፍሶ ዝገበረ፥ ቃል ኣምላኽ ኣብ ምብሳርን ኣብ ሕንጸት እምነትን ኣብ ኣገልግሎት ንድኻታት (ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ) ኣብ ምብጻሕ ቅዱስ ቁርባንን ሊጡርጊያዊ ኣገልግሎትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቢያተ ትምህርትን ተቛማትን ኣብ ምምሕዳርን ዝብሉ ኣገልግሎታት ዘማእከለ ማዕርገ ድቁና እዩ። ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኵሉ ግምት ብምሃብ ብናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ፍራንቸስኮ ላዳሪያ ዝምራሕ ዛዕባ ደቀንስትዮ ንማዕርገ ድቁና ክውንነታዊ ወይ ድማ ኢክውንነታውነቱ ዘጽንዕ ዕለት 2 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ዘቖምዎ ድርገት ኣብቲ ናይቲ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ሕንጻ ዕለት 24 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ቀዳማይ ኣኼባኡ ከምዘካየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.