2016-11-22 16:36:00

ሓዋርያዊ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና፥ “Misericordia et Misera-ምሕረትን ሕሰምን (ሓሳርን)”


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ, ፍራንቸስኮ ኣብ መዕጸዊ ናይ ምሕረት ዓመት ዕለት 20 ሕዳር 2016 ዓ.ም. “Misericordia et Misera-ምሕረትን ሓሳርን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝስደረስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከምዝለገሱ ክምልከት እንከሎ፡ እዚ ሓዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ኣርባዕተ ሓደስቲ መሰረታውያን ቃል ዘንበረን ንሱ ድማ ካብ ሎሚ ንደሓር ኵሎም ካህናት ሓጢኣት ጽንሲ ምንጻል ናይ ምፍታሕ ስልጣን ኣለዎም ዝብልን ናይ ምሕረት ልኡካን ቀጻልነት ኣገልግሎቶምን ማሕበረሰብ ሕውነት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ንዝከታተሉ ምእመናን በቲ ናይቲ ምሕበር ካህናት ዝቕበልዎ ምስጢረ ንስሓ ቅቡልን ፍቑድን ዝብልን ኣብ መወዳእታ ድማ ቅዋመ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ዘተሓሳብ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ርክብ ሕሰምን ምሕረትን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 8 ካብ ፍቕዲ 1-11 ዘሎ ኣብ መንጐ ኢየሱስን ኣብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይትን ዝካየድ ርክብ ናይቲ ዝተዛዘመ ናይ ምሕረት ዓመት ምስሊ ክኸውን፡ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ነዚ ቃል ወንጌል ክትንትን “ርክብ ሕሰምን ምሕረትን ዝብሎ መሰረት ገይሮም  “ኣብዚ ቃል’ዚ ርክብ ሓጢኣትን ፍርድን ዘይኰነስ ምርኻብ ሓንቲ ሓጥኣተይናን ምዃኑ ብሰፊሕ ይትንትንዎ፡ ናይዚ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣርእስቲ ድማ እቲ ቃል ኣጐስጢኖ “ሕሰንም ምሕረትን” ዝብል እዩ።

ኢየሱስ ኣብ ሙሴያዊ ሕጊ ፍቕሪ ማእከል ክኸውን ይገብር

ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ናይ ሙሴ ሕጊ ዘማዊት ብዳርባ እምኒ ትቀተል ዝብሎ ትእዛዝ ጠቒሶም ንኢየሱ ንስኻ’ኸ እንታይ ትብል እንክብሉ ጉራቒናዊ ሕቶ የቕርብሉ፡ ኢየሱስ ግና ነቲ ናይ ሙሴ ሕጊ ናብቲ እንታይነት ሓቀይና ድህበቱ ናብ ዝገልጽ እናስሩ ኣምሊሱ፡ እቲ ማእከል ሕግን ሕጋዊ ብይንን ዘይኰነስ እግዚኣብሔር እቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ቀዳምነት ዝወሃቦ ህቡእ ድላይ ንምስትዓል ልቢ ዘንብብ እዩ። ኢየሱስ ድማ ከምኡ ነታ ሰበይቲ የዕይንታ እናጠመተን ልባ ኣንቢቡን ካልኦት ክርድእዋን ናይ ምሕረትን ነጻነትን ድላይ ውሽጢ ልባ ይረክብ ዋላ’ኳ ክበድ ሓጢኣታ ዘሎ እውን እንተዀነ ንሳ ግና በቲ ክንየው ክትጥምትን ኣንጻር እቲ እትነብሮ ዝነበረት ሕይወት ንኽትነብር ብፍቕሪ ተዓብለለት።

ናይቲ ሕጊ ናይ መሰናዳዊ ክብሩ

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ሓዋርያዊ መልእክቲ’ዚ እግዚኣብሔር ነቲ ከምእተጋገየ ተኣሚኑ ተጣዒሱ ከም ብሓድሽ ሀ ቢሉ ሕይወቱ ክጅምር ናብኡ ንዝምለስ ንኸይሓቁፍ ዝዕንቅጾ ዝዀነ ይኹን ሕግን ትእዛዝን ከምዘየለ ይትንትኑ። ኣብ ሕጊ ጥራሕ ደው ምባል እምነትን መለኰታዊ ምሕረትን ምርካስ እዩ ዝኸውን። ናይቲ ሕጊ መሰናደዊ ክብሩ እንታይ ከምዝኸነ ንኣብነት ከምቲ ኣብ ገላቲያ ምዕ, 3 ፍቕዲ 24 ን ከምኡ ድማ ቀዳማይቲ መልእኽቲ ጢሞተዎስ ምዕ. 1 ፍቕዲ 5 ተመልኪቱ ከምዘሎ ሕጊ ከም ፍጻሜ ፍቕሪ ዘንብር ምዃኑ ከም ዝሕብሮ እዩ። ስለዚህ ክርስቲያን “”እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ሕይወት ዚህብ መንፍሳዊ ሕጊ ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ” (ሮሜ. 8,2) ዝብል ወንጌላዊ ሕዳሴ ንኽነብር ዝተጸውዔ እዩ። ሽሕ እኳ ካብ ሕጊ ጥራሕ ዝመጽእ ፍትሓውነት ጸብለል ክብል እንተተደልየን ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ መለኰታዊ ጸጋ ዝምንጭው ሓይሊ ምእማን የድሊ።

ማንም ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ቅድመ ኵነት ከንብር ኣይክእል

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ሓደ እኳ ካባና ይብሉ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ቅድመ ኵነት ከንብር ዝኽእል የሎን። ምሕረቱ ወትሩ ናይቲ ሰማያዊ ኣቦ ቅድመ ኩነት ዘየንብርን ማንም ብቝዕነት ዘይብሉ ናጻ ተግባር እዩ።  ስለዚህ እግዚኣብሔር ናብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሕይወት ብምሉእ ናጽነት ንምእታው ፍቓዱ ናይ ምቃዋም ግጥሚ ኣኽእሎት ክህልወና ዘይከኣልን ዘይከውንን እዩ። ኣኽእሎቱ እውን የብልናን። ዝምሕር ዝልውጥ ሕይወት ዝቕይር ምሕረት ጭቡጥ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ፍቕሪ ተግባር እዩ። እዚ ስነ እደ ጥበብ (technology) ዝዕብልሎ ዘሎ ዓለም ዝተፈላለዩ ጽምዋን ቀቢጸ ተስፋን ዘመጭው ዓይነት ትካዘታት ዘራብሕ እዩ ዝመስልን ምእንቲ’ዚ ነቲ ሰብ ሰርሖ ገነት ዘቕርብ ቀሊል ዝዀነ ሓጎስ ቃል ዝኣትው ምትሓት ንምግሳጽ መሰኻኽር ተስፋን እውነተይና ሓጐስን የድልዩ።

ንመላእ ዓለም ዝወሓዘ ምሕረት

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ዝተትረፍረፈ ናይ ምሕረት ጸጋ ዝተዓደልናሉ ልክዕ ከም ሓደ ደራኽን ዘጥዕይ ሰናይን ምሕረትን ናይ ጐይታ ናብ ምሉእ ዓለም ዘውሓዘ ጥዑም ንፋስ ዝዓሰሎ ውዕዉዕን ጽዑቕን ዓመት ከምዘሕለፍና ዘኪሮም፡ እምበኣርከስ ሕጂ እቲ ዘድልይ ናይ ድሕነት ወንጌል ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ነቲ እንስዕቦ ሓድሽ ኣሰር ንዝሕብር መንፈስ ቅዱስ ልኡም ብምዃን ነዚ መገዲ’ዚ ብምስዓብ እዩ። ቅዱስነቶም ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴን ኣብ ናይ ቃል እግዚኣብሔር ሊጡርጊያ ናይ ምሕረት ማእከልነት ብምዝኻኻር ኣብ ናይ ሊጡርጊያ ዓመት ቃል ኣምላኽ ብዕምቀት ዝጽንዓሉ ሓደ ሰንበት ተፈልዩ ክምደብን ኣተሓሒዞም ሰናይ ምስንዳው ተገይርሎም ዝቐርቡ ስብከታትን ኣስተንትኖታትን ሓይሊ ከምዘለዎ ብኣጽንኦት ይምዕዱ።

ምስጢረ ኑዛዜ ዝሰርዑ ካህናት ዘእንግዱን ግልጽነትን ለዋሃትን ኣብ ምምሓር

ብፍላይ ኣብ ናይ ምትዕራቕ ምስጢር ኣተኵይሮም ናይ ዕርቂ ምስጢር ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወት ዘለዎ ማእከልነት ዳግም ክትኰር ከምዘለዎ ገሊጾም፡ በቲ ዳግም ውሉዱ ዝገብረና ጸጋ መሊሱ ክጽግወና ቢሉ ንምርኻብና ብዝመጽእ ኣቦ ከምእንሕቆፍ ዘሰምዓና ምስጢር እዩ። ካህን ንኹሉ ዘእንግድን ናይ ሓጢኣት ከበድ ብዘየገድስ ናይቲ ኣቦ ለውሃት መስካሪ ክኸውን ስለ እቲ ዝተፈጸመ ሓጢኣት ንምስትንታን ክከኣል ዝድግፍን ናይ ግብረ ገብ ትእዛዛት ብግልጽነት ዘቕርብን ምእመናን ኣብ ናይ ምጥዓስ ጉዕዞ ዝኽተልዎ ኣካይዳ ብትዕግስቲ ብምምልካት ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ብምምዝዛን ናይ ምልላይ ብቕዓት ዘለዎ ኣርሒቑ ዝጥምት ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ምቕራብ ለጋሳ ክኸውን ሓድራ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ልክዕ ከም ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ ካብ ኩነኔን ሞትን ነኸድሕና ሱቕታ ዝመረጸ ልክዕ ከምኡ ካህናት ነፍሲ ወከፍ ጣዕሳ ሓጢኣት ሰብኣዊ ኵነት ዝመልክት ምኻኑን ስለዚህ ንሳቶም እውን ሰብኣውያን ብምዃኖም፡ ሓጢኣተይናታት እንተዀነ ግና መጋበርያ ምሕረት ምዃኖም ኣስተውዒሎም ኣብ ናይ መናዘዚ ስፍራ ለጋስን ቦቕቧቕ ልቢ ይሃልዎም። ስለዚህ ናይ ንስሓ ምስጢር ብምልኣት ክነብሩ ጐይታ ብዘይ ፈረቓ ንዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ኣብ ምብዓል ናይ ዕርቂ ምስጢር ንኸገግልግሉ ዝተጸውዑ እያቶም ይብሉ።

ኣገልግሎትም ዝስዕቡ ናይ ምሕረት ልኡካን

ኣብዚ ቅዱስ ፍሉይ ናይ ምሕረት ዓመት ቤተ ክርስቲያን ብናይ ምሕረት ልኡካን ኣቢላ እቲ ናይ ምሕረት ዓመት ከም ጭቡጥ ናይ ምሕረት ጸጋ ተመክሮ ቀጻልነት ዘለዎ ሕያውን ስልጡን ምዃኑ ክንየው ካብቲ ፍሉይ ናይ ምሕረት ዓመት ዘብል ዝነበረቶ ናይ ጸጋ ተመክሮ ኣስሚሮም ምብግላጽ፥ ስለዚህ ናይዚ ዕጹብ ዝዀነ ተልእዀ ምሕረት ንኽንበር ዘኽእል መገዲ ብምልላይ ናይ ምትግባር ሓላፍነት ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ክኸውን ይሕብሩ።

ኵሎም ካህናት ሓጢኣት ጽንሲ ምንጻል ዝፈትሑ እያቶም

ኣብ መንጐ ዕርቅን (ንስሓን) ምሕረት እግዚኣብሔርን መተዓናቕፎ ከቕውም ዝኽእል ሓደ’ኳ የልቦን፡ ምሕረት ኣምላኽ ዝድርቶ ሓደ’ኳ የልቦን። ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓሳቦም’ዚ መሰረት ገይሮም ኩሎም ካህናት ብሓይሊ ክህነታዊ ስልጣኖም ጽንሲ ናይ ምንጻል ሓጢኣት ንዝፈጸሙ ክፈትሑ ኣብ ናይ ምሕረት ዓመት ስልጣን ኣለዎም ቢሎም ንዝኣወጅዎ ውሳኔ ቀጻሊ ይኹን ከምዝበሉን ብርግጽ ጽንሲ ምንጻል ዓቢይ ሓጢኣት እዩ ስለምታይ ናይ ንጹሕ ሕይወት ዝቕንጽል ስለ ዝዀነ። ከምዚ ቢለ ብዝገልጸሉ ሓይሊ ብዝተመዓራረየ ደረጃ ድማ ምሕረት እግዚኣብሔር ንኸይበጽሕ ዝገብርን ዝተጠዓሰን ምስ ኣቦ ክዕረቕ ናብ ዝሓትት ልቢ ንኸይበጽሕ ዘዕንው ሓጢኣት ሓደ’ኳ የሎን ይብል።

ማሕበረሰብ ሕውነት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ፥ ዝሰርዕዎ ምስጢረ ንስሓ ብቝዕ እዩ

ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናይ ማሕበረሰብ ሕውነት ቅዱስ ፒዮስ ቁምስናታትን ናይዚ ማሕበር ካህናት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝስዕቡ ምእመና ዝቕበልዎ ምስጢረ ንስሓን ዝጽገዎም ስርየተ ሓጢኣት ብቑዕን ግቡእን እዩ። እዚ ድማ እቲ ምሉእ ኣሃድነት ዝኣመተን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምልኡ ኣሃድነት ንኽረጋገጽ ብምምዕዳው እምነቶም ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ካህናት ሰናይ ፍቓድ ብምንባር እዩ።

ኣብ ጸገም እትርከብ ስድራ ቤት

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ሓሳቦም ናብታ ኣብ ጸገም እትርከብ ስድራ ቤት ኣቕኒዖም ንኹሉ ሰብኣዊ ሽግር በቲ  ንኽአንግድን ከሰንይን ዘይሕለል ፍቕሪ ኣምላኽ ብምስትውዓል ኣገባብ ክርአይ ቢሎም ካህናት ዝዀነ ይዅን ማንም ከይንጸልን ኣብ ዝዀነ ይዅን ኩነት ሕይወት ይረኸብ ብእግዚኣብሔር ዘእንግዱን ኣብ ማሕበረሰብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ንጡፍ ሱታፌ ክህልዎን ዝተጸንበረን ክኸውን ዝግደሱን ጥንቁቕን ዓሚዩቕን ርሑቕ ኣማትን መንፈሳዊ ልልያ ክገብሩ የተሓሳስቡ።

ዓለም ሓቆፍ መዕላቲ ድኻታት

ፍሉይ ናይ ምሕረት ዓመት ተዛዚሙ ቅዱስ በሪ ድማ ተዓጽዩ። ይዅን ደኣ እምበር ናይ ምሕረት በሪ ልባትና ወትሩ ክፉት እዩ። እግዚኣብሔር ኣብ ቅድመና ዝንብርከኽ ከምዝዀነ ኣስተውዒልና፥ “ደኒነ መገብክዎም” (ሆሴዕ 11,4 ተመል.) ካብዚ ድማ እንመሃሮ ኣንሕና እውን ብተራና ኣብ ቅድሚ ኣሕዋት ብፍላይ ድማ ኣብ ፊት ድኻታትን ስቑያትን ድንን ምባል እዩ። ድኻታት ክንርስዕ የብልናን። ምእንቲ’ዚ ብናይ ላቲን ስርዓት ባሕረ ሓሳብ ኣብ ተራ ሊጡርጊያ መበል 33 ሰንበት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ኰይኑ ክሕሰብ እውስን። “ኣብ ኣፍ ቤትና ብቑስሊዝተወርሰ ኣልኣዛር” (ሉቃ. 16,19-21 ተመል.) ክሳብ ዝህልው ኣብ ዓለም ፍትሒ ይዅን ማሕበራዊ ሰላም ኣይክህሉን እዩ።

ባህላዊ ሰውራ ብሃናጺ ምህዞ ብዝተሰነየ ምሕረት

ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ መልእኽቶም እዋኑ ብሃናጺ ምህዞ ናይ ዝተሰነየ ምሕረት እዋን እዩ። እዚ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ብተራን ዘይተሓላለኸን ጭቡጥ ናይ  ሰናይነትን ለውሃትን ምልክታ ብዝኾኑ ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎምን ንብሕቶም ንዝዀኑን ንገዛእ ርእሶም ንዝተሓድጉን ሕይወት ክህብ ዝኽእል ብሃናጺ ምህዞ ዝተሰነየ ባህላዊ ሰውራ ኣብ መላእ ዓለም ክረጋገጽ ብምትሕሳስብ ይድምድሙ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.