2016-11-19 16:35:00

ዳህሳሲ ጉዕዞ ዛዕባ ፍሉይ ናይ ምሕረት ዓመት


እቲ ብቕዱስ ኣቦና ተኣዊጁን ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝንበር ዘሎ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ኢዮቤል ናብ ዝዛዘመሉ ዕለት ከምዝበጽሔ ክሕበር እንከሎ ቅዱስ ኣቦና “Misericordia et Misera-ምሕረትን ነዳይን”  ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መልኽቲ ዕለት 21 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ናይ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይ ምሕረተ ዓመት ኣወሃሃዲ ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝተረኽብሉ ዓውደ ጉባኤ ብወግዒ ንንባብ ከብቅዑ ምዃኖም ካብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝተውሃበ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ገጽ ምሕረት ኣቦ እዩ። ምሕረት እግዚኣብሔር - ኣቦ እንርእየሉ ገጽ እዩ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ብርእሱ ምሕረት እዩ። እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ገጽ ምሕረት ኣምላኽ ዘርእስታ ኣዋጅ ፍልዩ ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ ዘመሓላለፍሉ ናይ ውሳኔ ሰነድ መእተዊ ዝተነብረ ብጠቕላላ ሕመረት ናይ ምሕረት ዓመት ዘላልይ እዩ። ኩላትና ከምእንዝክሮ እቲ ናይ ምሕረት ዓመት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንጽሕት ወቅድስት ድንግል ማርያምን ከምኡ ድማ መበል 50 ዓመት ምዝዛም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ዝበዓለሉ ዕለት 8 ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት 2015 ዓ.ም. ዝተጀመረ ኰይኑ፡ ዕለት 20 ታህሳስ 2016 ዓ.ም. በቲ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝበዓል ዓመታዊ በዓል ክርስቶስ ንጉስ ዝዕጸው ኰይኑ ከምቲ ኣብ መኽፈቲ ናይ ምሕረት ዓመት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምእተሳተፉን ኣብ መዕጸዊ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ሱታፌ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተረጋገጸ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም መግለጺ ኣስዒቡ ናይቲ ምሉእ ከይድን መዕጸውን ናይ ምሕረት ዓመት ውዳቤኡን ኩሉ ዝከታተሉን ብሓዋርያዊ ሓላፍነት ዝመርሕዎ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ምዃኖም የዘኻኽር።

ሕያዋይ ጓሳ ኣባጊዑ ኣብ እንግዕዳኡ ዝሓቍፍ። ናይ ምሕረት ዓመት መለለይ ምልክት ንመላእ ዓለም ዛዕባ ናይ መሓሪ ምህረት ዘማእከለ ትምህርተ ክርስቶስ ኰይኑን ኣብቲ ጥፉእ ወዲ ታሪኽ ሓድሽ ኪዳንን ሕያዋይ ጓሳን ክሳብ ጸዋዕታ ማቴዎስ ዘሎ ኩሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ምህረት ዓመት ኣብ ዝሃብዎ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ እናተንተኑን ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም መሓሪያን ኩን ዝብል ተልእኾ ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ዘተሓሳስብሉ እዋን እዩ። እቲ ፍልዩ ናይ ምሕረት ዓመት ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ንምእዋጁ ኣብ ዝኸተምዎ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “ንእዋናዊ ዓለም ወንጌል እነበስረሉ ሰዓቱ ኣኺሉ እዩ፡ ዝብል ሓሳብ ተወኪሶም ኩሉ ክርስቲያን ናይ ምሕረት መጋበርያ ክኸውን ዘቕረብዎ ጻውዒት ዝሰፍሓሉ ቅዱስ ዓመት ምንባሩ የዘኻኽር።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ከተማን ደሓር ድማ ኣብ ሮማ ቅዱስ በሪ ከፊቶም

ኣብዚ ኣብ ዛዝሞቱ ዝበጽሔ ፍሉይ ናይ ምሕረት ዓመት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 20 ሚሊዮን ነጋድያን ኣብ ሮማ መንፈሳዊ ንግደት ከምዝፈጸሙን ብቕዱስ በሪ ከምዝሓለፉን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ሰበኻታትን ቁምስናታትን ኣባይቲ ጸሎትን ቅዱስ በሪ ዘኽፈተን፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 29 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ኣብ ማእከላይ ረፓብሊካዊት ኣፍሪቃ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ባንጉይ ኣብ እትርከብ ካቴድራል ቅዱስ በሪ ብምኽፋት ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ካብ ሮማ ወጻኢ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ቀዳማይ ቅዱስ በሪ ክኽፈት ንመጀመሪያን ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ዝተፈጸመ ምዃኑን ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ብሕድ ሕዳዊ ውግእ ዝደመየት ሃገር ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ቅዱስ በሪ ክኸፍቱ ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትና ዓለምን ህልውናን ዝብል ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርይዊ ጻውዒት ዘድምዕ ተግባር ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

ስጋውን መንፈሳውን ግብረ ምህረት፥ ተራ ዝመስል ግን ሰውራዊ ምልክታ

ዝተሰግወ ምሕረት ኣብዚ ናይ ምሕረት ዓመት ማእከል ኰይኑ ዕለት 12 ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብ ምሕረት ዓመት ናይ ኣካለ ስንኩላንን ህሙማንን ዕለት ኣብ ዝተሓስበሉ እዋን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ኣብ ምሕረት ኣብ ዘተኰረ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ዕለት 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ቅድም ክብል ምስቶም ኣካለ ስንኩላንን ሕሙማንን ተራኺቦም ልክዕ ስፖርተይናታት ናብ ዓወት ክበጽሑ በቢ ዕለቱ ልምምድ ዝገብሩ ኣንሕና እውን ናይ ፍቅሪ ዕዉታት ክንከውን ዕለት ብዕለተ ኣብ ግብረ ምሕረት ልምምድ ክንገብር ዝተጸዋዕና ኢና፡ ናይ ፍቕሪ ተዓዋቲ ምዃኑ ናይ ኢየሱስ ደቀ መዝሙር ዝገብር መለለዪ እዩ ብዝብል ቃል ከምዝተንተንዎ ዝሓበረ ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣተሓሒዙ ብዙሕ እዋን እቶም ቀረባና ዝዀኑ እያቶም ሓገዝና ዘድልዮም። ስለዚህ ልዑላን ነገራት ክንክውን ላዕልን ታሕትን ምባል ዘይኰነስ ካብ ተራን ንኡሳንን ዝዀኑ ብኢየሱስ ግና ሕጽጹነት ኣብ ዘልዎም ነገራት ከነተኵር ብሕያው ኣብነቱ ዘመልከተልና ነገራት ምኽዋን እዩ ዝግብኣና። እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ብሸለልተይናን ብዘይምግዳስን ሕማም ዘልምስ ተህዋስ ዝተጠቕዔ እዩ ዝመስል ናይዚ ለብዒ’ዚ ፍቱን ፈውሲ ድማ ግብረ ምሕረት ምዃኑ ብሰፊሕ ዘገንዘብሉ ቅዱስ ዓመት ምንባሩ የመልክት።

ዓርቢ ዘምሕረት

ኣብ ናይ ምሕረት ዓመት በቢ ዕለተ ዓርቢ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ግብረ ሰናይ ዘማእከለ ተግባር እናፈጸሙ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ለስቦ ግሪካዊት ደሴት ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናብቶም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ከይዶም ንኣኣቶም ሓሲቦም ዝፈጽመዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘጠቓለለን ደሓር እውን ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሓንስ ቤት ሕክምና ብምኻድ ብከቢድ ሕማም ዝተጠቕዑ ሕጻናት ዝሕከምሉ ክፍሊ በጺሖምን ነቶም ህሙማን ሕጻናት ክስዕሙን ክሓቝፍን ንኣካለ ስንኩላን እውን ዝነበርዎ ትእምርተ ፍቕሪ ናይ ምሕረት ቅዱስ ምስሊ ከመይነቱ ሓቢሮም እዮም። ቅዱስ ኣቦና እተን ካብ ክብሪ ሰብ ዝሓክኽ ደቀንስትዮ ኣብ ሕይወት ኣመንዝራ ብገበን ጉጅለታት እናተጨውያ ዝዳርግ ኣብ ሓደሽ ባርነት ዝወደቓ ካብቲ ሕሰምን መከራን ተላቒቐን ኣብ ሰብኣውን መንፈሳውን ስነ ኣእምሮኣውን ሕንጸት ምስ ዝርከባ ኣሓት ተራኺቦምን ከምኡ ድማ ምስጢረ ክህነት ተቐቢሎም ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሩ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክህንታዊ ሕይወቶም “ሓዲጎም” ስድራ ቤት መስሪቶም ምስ ዝነበሩን ስድራ ኣብያቶምን ደቃቶምን ተራኺቦም እዮም። ቅዱስ ኣቦና በቢ ዕለተ ዓርቢ ዘምሕረት ዝተፈላለዩ ግብረ ምሕረት ዘነጽሩ ምሒርካ ተመሓር ዝብል ወንጌላዊ ሕይወት መስኪሮምልና እዮም።

ኣብ ናይ ምሕረት ዓመት መዓልቲ እሱራትን ማሕበራዊ ንጹላትን ግፉኣንን

ኣብ ናይ ምሕረት ዓመት ቅዱስ ኣቦና ካብቶም ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ደረጃ ክንበሩ ዝሓረይዎም መዓልቲ ኢዮቤል ሓደ መዓልቲ እሱራትን ማሕበራዊ ንጹላንን ግፉኣንን ክኸውን ብቓልን ሕይወትን ዝሃብዎ ምስክርነት ብጽኑዕ ከም ኣብነት ዝጥቕስ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣሲዒቡ ዕለት 6 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ነዞም ሕቡሳትን ብማሕበራዊ ተነጽሎን ዝተጠቕዑ ግፉኣንን ተቐቢሎም እግዚኣብሔር ካብ ምሕረቱ ወጊድ ዝበሎን ምሩጽ ዝበሎን ሓደ’ኳ ከምዘየሎን ንምሕረት ኩሉ ጽዉዕ ምዃኑ ኣበሲሮም ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ዘይብጻሕ ስፍራታት ኣብ ልባትና የሎን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዘይበጽሖ ስፍራ ልቢ የልቦን። ኣባሲ ኣብ ዘለሉ ስፍራ ምሕረት ኣግዚኣብሔር ኣቦ ምሕረትን ዕርቅን ሰላምን ንኸነቓቕሕ ህልው እዩ እንክብሉ ምሕረት ደረት ኣልቦ ምዃኑ ከምዝስተምህሩ የዘኻክር።

ናይ ምሕረት ልኡካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ምሕረት ዓመት ዝኣወጁሉ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ናይ ምሕረት ልኡካን ዝብል ሓሳብ ይጥቀሙ፡ እዚ ድማ ብፍሉይ ነቶም ሓጢኣት ክፈትሑ ስልጣን ዝተውሃቦም ካህናትን ኣበ ነፍሳትን እቲ ሓዋርያዊ መንበር ጥራሕ ይፈታሕ ዝብሎን ዝሰርዮን ፍሉይ ሓጢኣት እውን ከይተረፈ ከም መጠን ኣናዘዝቲ ስፍሓት ስልጣኖም ኣጸቢቑ ምእንቲ ኪንጸር፡ ኪሓድጉ ስልጣን ዚወሃቦም ካህናት ኪህልዉ ገይሩ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ኸኣ እግዚኣብሔር ኣቦ ነቶም ምሕረቱ ዚደልዮም ሓንጐፋይ ኢሉ ከም ዚቕበሎም ሕያው ምልክት ኪኾኑ ዝብልን ኣብዚ ናይ ምሕረት ዓመት ክፈትሑ ፍልዩ ስልጣን ሂቦም ናይ ምሕረት ፍስሃ ከበስሩ ምዒዶም እዮም።

ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምርህተ ክርስቶስ ወጻኢ ብምሕረት ዓመት ምኽንያት በቢ ዕለተ ቀዳም ኣብ ናይ ምሕረተ ዓመት ኣተኵይሮም ኣብ ዘቕርብዎ ዝነበረ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንነጋድያን እናለገሱን ምስ ነጋዶ እናተራኸቡን ከም ኣብነት ድማ ኣብ ኢዮብል ማሕበራዊ ንጹላንን ግፉዓንን ብዛዕባ እንገዳ ሓልዮት ደገፍን ምስ ምሕረት ዘለዎ ርክብ እማእኪሎም “ንማንም ብማሕበራዊ ኩነቱን ቋንቋን ዓሌትን ባህልን ሃይማኖትን ብዘቑሞ ፍልልያት ክይኸፋፈልካ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብእግዚኣብሔር ዝፈቐረ ሰብ እዩ፡ ምቕባልን ምእንጋድን ኣርጊጾም ዝሃብዎ ትምህርቲ ንምጥቃስ ዝከኣል እዩ።  ነቲ ኣብ ዝሰርሓሉን እብ ዝቕመጠሉን ከባብን ኣብ ዝዀነ ይዅን ቦታ ዝርከብ ሰብ ብእግዚኣብሔር ፍቝር ምዃኑ ሚዝን ብዝገብር ፍቕሪ ክፍቅሮ ዝግብኣኒ እዩ። ካበይ ሃይማኖትን ዓሌትን ባህልን ከባብን ብዘየገድስ። ብእግዚኣብሔር ዝተፈቕረ ንእግዚኣብሔር ዘፍቕር ከነፍቅሮ ጽዉዓት ምዃንና ዝሃብዎ ስልጣናዊ ለበዋ ዝዝከር እዩ፥

ቅዱስ በሪ ክዕጸው እዩ። መሓሪ ልቢ እግዚኣብሔር ግና ወትሩ ርሑው እዩ

እዚ ናይ ምሕረት ዓመት በቲ ንሓድነት ኣሚቱ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ብዝግበር ናይ ሓባር ዘተን ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝተስነየን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ክራኮቪያ ዝተኻየደሉን እተን ኣብ ቅድሚ ድኻን ኣብ ስቓይን መከራን ወዲቑ ኣብ ዝርከብ ሰብ ፊት ኣብራኸን ዓጺፈን ምሕረትን ፍቕርን እግዚኣብሔር ብሕይወት ዝመስከራ ናይ ምሕረት ቅዱስ ምስሊ ተባሂለን ዝግለጻ ማድረ ተረዛ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ቢላ ከምዝኣወጀተን እውን ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበርናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥  ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምፍራድ ዘይኰነስ ኣብ ብስራት ምሕረት እግዚኣብሔር ከተተኵር ዝገበሩሉን ብእብራይስጥ ቋንቋ ምሕረት ዝብል ቃል ራሓሚን ዝብል ቃል ዝውክሎ ኰይኑ ስርወ ቃሉ ድማ ረሐም ዝብል እዩ። ረሔም ዝብል ቃል እናታዊ ማሕጸን ማለት እዩ። ስለዚህ ምሕረት ሕይወት ዝወልድ እዩ። ቅዱስ በሪ ክዕጸው እውን እንተዀነ ናይቲ መሓሪ እግዚኣብሔር ልቢ ግና ጠሩሹ ዝዕጸው ኣይኰነን። ስለዚህ መሓር ልቢ ክህልወና ቅዱስ ኣቦና ሓደራ ይብሉ ኣለዉ እንክብል ዝሃቦ ናይ ምህረት ዓመት ተንታኒ ጸብጻብ ኣብዚ ይድምድም።








All the contents on this site are copyrighted ©.