2016-11-17 16:12:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ንናይ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህልን ማሕበርን ኣፍቅሮተ ዘቤትን ጉባኤ


ናይ ምሉእ ምዕባለን ናይ ኵላዊ ማሕበረሰብ ኣብ ምክብባርን ምድምማጽን ነቶም ኣብ ሕሰምን መከራን ዝርከቡ ንኡሳንን ፍትሕን ዘተን ተኻፋልነትን ፍረ ንዝዀነ ሰላም ንዳግማይ ርኽበት ዘረጋግጹ ስሉጣት መጋበርያታት ምምዕባል ኣገዳሲ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ “ዳግማይ ንርኽበት ሰላም ኣብ ኣሃድነት ሰብኣዊ ስድራ ኣብ ዝቖመ ሰብኣውነት ሕንጸት” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህልን ማሕበርን ንዝኽሪ መበል 20 ዓመት ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ስልማት ንመስራቲት ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ኪይራ ሉቢክ ኣብ ሕንጸት ሰላም ንዝህብኦ ዝነበራ ኣገልግሎት ምኽንያት ዝሃበን ስልማት ሓሳብ ዝገበረ እቲ ማሕበርን ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ብሓባር ናብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ብኪያራ ሉቢክ ሓልዮት ዝቖመ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ምስቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህልም ማሕበር ምስ ዝኣመሰሉ ካልኦት ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን እናተሓባበረ ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ሕንጸት ሰላም ንምሕዝነት ኣብ መንጐ ኣሕዛብን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣባላትን ኣብ ዝኣመተ ዘተ ዝህቦ ኣስተዋጽኦ ጠቒሶም ኣብቲ ከምቲ ኪያራ ሉቢክ ብጽንዓት ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ሕንጸት ሰላም ዝሃበኦ ኣገልግሎት ቀጻልነቱ ብትግሃት ከረጋግጽ ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.