2016-11-12 16:38:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ጭቡጥ እምበር ርእየተ ዓለማውነት ወይ ከኣ ሊቕነታውነት ኣይኰነን


ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ጭቡጥ እምበር ሰመናዊ ተዋስኦ ዝወልዶ ልምሉም ዘይተሰግወ ፍቕሪ ማለት ኣይኰነን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ነግህ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎ ኣብ ዘዕርግምዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ እቲ ንቤተ ክርስቲያን ክዓብጥ ካብ ዝደልይ ርእይተ ዓለማውነትን ሊቕነታውነትን የድሕነና። ናይ ክርስቲያን ፍቕሪ መምዘኒ ትስብእተ ቃሉ እዩ። ኣብ መንጐ ጓሶትን እታ መርዓት ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ናይ ፍቕሪ ዘተ ክህሉ ይግባእ ዝብል ሓሳብ ካብ ናይ ዕለቱ ምንባብ፥ ብናይ ላቲን ስርዓት ባሕረ ሓሳብ መሰረት ካብ ካልኣይቲ መልኽቲ ዮሓንስ ምዕ. 1 ካብ ፍቕዲ 1-9 ዘሎ ተወኪሶም ብዛዕባ ባህርይ ክርስቲያናዊ ፍቕሪ እንክገልጹ፥ እቲ ካብ ጐይታ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ኣብ ፍቕሪ ተጓዓዙ ዝብል እዩ። እዚ ፍቕሪ’ዚ እንታይ እዩ? ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ፍቕሪ እዩ ዝዛረብ? ኣብ ልበ ወልዶ መጽሓፍ ወይ ከኣ ኣብ ናይ ምስማዐ ርእየት ሰመናዊ ተዋስኦ ከም ዝገልጾ ዓይነትን ክልሰ ሓሳባዊ ኣይኰነን።

መምዘኒ ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ትስብኣተ ቃል እዩ

ናይ ክርስቲያናዊ ፍቕሪ መምዘኒ ትስብእተ ቃል እዩ። ነዚ ዝኽሕድ ወይ ድማ ኣፍልጦ ዘይህብ ጸረ ክርስቶስ እዩ። እግዚኣብሔር ዝሓትተና ፍቕሪ እቲ ስጋ ለቢሱ ዝመጸ ኢየሱስ እዩ። ነዚ ዓይነት ፍቕሪ ዘይፈልጥ መሳሊ ፍቕሪ እቲ እግዚኣብሔር ዝሓትተና ፍቕሪ ኣይኰነን። ዘይጭበጥ ፍልስፍናዊ ረቒቕ ልምሉም ናይ ተዋስኦ ፍቕሪ ኣይኰነን። ትስብእተ ቃል እዩ። ነዚ ዘይቕበል ክርስቲያን ተጻይ ክርስቶስ እዩ። ቃል ስጋ ኰነ ኣባና እውን ምሕዳሩ ኣፍልጦ ዝነጽግ ተጻይ ክርስቶስ እዩ። እዚ ክርስቲያናዊ ሓቂ እዩ። እግዚኣብሔር ንወዱ ለኣዀ ከም ናይ ኩላትና ተራ ሕይወት ኣልቢሱ ኣብ መንጐና ኣሕደሮ። ኣወ ከምቲ ኢየሱስ ንኣና ዘፍቅረና ጌርና ከነፍቅር ዝተጸዋዕና ዒና ካልእ ዓይነት ፍቕር ምምሃዝ ኣየድልየናን። ኣብነት ዓይነት ምንባርና ፍቕሪ ኢየሱስ እዩ። ኣብ ናይ ኢየሱስ ጐዳና ንሰጉም። መገዲ ኢየሱስ ድማ ሕይወትካ ኣሕልፍካ ምሃብ እዩ።  ከምቲ ኢየሱስ ንኣና ምፍቃሩ ብልክዑ ከማኡ ጌርና ከነፍቅር ድማ ካብ ኣነነትን ንዓይነትን ክንወጽእ ይግብኣና።

ፍቕሪ ርእየት ዓለም ምስ እንገብሮ ቤተ ክርስቲያን ንዓብጥን ንሃስይን።

ካብቲ ጠመቅ ትምህርቲ ትስብእት ከይንርሕቕ ምጥንቃቕ የድሊ። ስለምታይ ካብኡ እንተድኣ ርሒቕና እቲ ናይ ክርስቶሳዊ ጠመቕ ትምህርቲ ዘይተሰግወ እግዚኣብሔር ዘይብሉ ፍቕሪ ይኸውን። ቤተ ክርስቲያን ማሕበረ ምስጢረ ትስብእት እያ። ቤተ ክርስቲያንን ፍቕርን ርእየተ ዓለም ምስ ዝኸውን ካብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ክርስቶስ ኣካል ነወግድ። እዚ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ይዓብጥን ይሃስይን። ካቶሊክ እየ፡ እወ ክርስቲያን እየ፡ ምፍቃረይ ድማ ኵላዊ እዩ። እዚ ዓይነት ኣዘራርባ መልኣኻዊ መሰል እዩ። ፍቕሪ ግና ጭቡጥ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ስለዚህ ካብቲ ጠመቕ ትምህርቲ ስጋዌ ወጻኢ ክኸውን የብሉን።

ከምቲ ክርስቶስ ነታ መርዓቱ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ብምሃብ ዘፍቕራ ዘይኰነ ብኻልእ ዓይነት ዝንበር ፍቕሪ ገይሩ ከፍቅር ዝደልይ ርእየተ ዓለማዊ ፍቕሪ እዩ ዝነብር። ትስብእት ኣብነት ዘይገብር ዓይነት ፍቕሪ ክንበር ዝድርኹ ሃይማኖታውነት ዓይነት ሓሳባት ኣለዉ፡ እዚ ዓይነት ሃይማኖት ድማ ማሕበረሰብን ቤተ ክርስቲያንን ዘዕንዉ እያቶም።

ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ጭቡጥ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ሊቕነታውነት ምውጋድ

ፍቕሪ ብክልሰ ሓሳብ ካብ ምትንታኑን ምግላጹን የድሕነና፡ ብሓሳብ ክንክልሶ ምስ እንደልይ ነቲ ብትስብእት ኣቢሉ እግዚኣብሔር ዝገለጾ ነዚ መገዲ’ዚ ጥራሕ ክገልጾ ንዝደለዮ ፍቕሪ ምቕያር ንደልይ ኣሎና ማለት እዩ። ከምዚ ምስ ዝኸውን ድማ ናብ እግዚኣብሔ ብዘይ ክርስቶን ናብ ክርስቶስ ብዘይ ቤተ ክርስቲያንን ናብታ ብዘይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝዀነ ቤተ ክርስቲያን ነብል ኣሎና ማለት እዩ። እዚ ኹሉ’ዚድማ ቤተ ክርስቲያን ካብ ስጋዌ ወጻኢ የቕውም። ዘይትስባእ ቤተ ክርስቲያን።

ኣብ ፍቕሪ መታን ክንጓዓዝን እቲ ፍቕሪ ድማ ረቂቕን ሓሳብን ገይርና ንኸይንነብሮ ጐይታ ክድግፍና ንጸልይ። ፍቕሪ ጭቡጥ ክኸውንን ናይቲ ዝተሰግወ ክርስቶስ ኣካል ብዘተንክፍ ብናይ ምሕረት ተግባር ዝግለጽ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ዲያቆን ዘካርያስ “ድኻታት ክቡር ዕንቈ እግዚኣብሔር” እንክብል ዝገልጾም። ስለምታይ ድኻታት ኣካለ ክርስቶስ ኣካለ ህማመ ክርስቶስ እያቶም። ካብዚ ወጻኢ ንፍቕሪ ካብቲ ክልሰ ሓሳብ ዝገብሮን ሊቕነታውነት ዝገብሮን ንቤተ ክርስቲያን ዝዓብጥ ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ብዘወግድ መልክዑ ከይንነብሮ ንጠንቀቕ፡ ብኸምዚ ዓይነት ፍቕሪ ሓደራ ኣይንማረኽ። ብዘይ ክርስቶስ ዝዀነ እግዚኣብሔርን ብዘይ ክርስቶስ ዝኸነት ቤተክርስቲያንን ብዘይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝዀነ ዘሕዝን ዓይነት ትያትራዊ ሕይወት ኣይንብጻሕ ሓደራ እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከዘጠቓለሉ ጂሶቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.